'ኣፍኮን - 2025 ሓበን ኣፍሪቃ ንዝዀነት ሞሮኮ እዩ ዝግባእ' ዊያ

ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊያ፡ ሞሮኮ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 (ኣፍኮን) ንምእንጋድ ተካይዶ ንዘላ ጻዕሪ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ዝወሃብ ክቡር ሽልማት ባሎን ዲኦር ዝዓተረ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ነበር፡ ነታ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ቐጠር - 2022 ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐትን ሓበን ኣፍሪቃ ዝዀነትን ሃገር "ምሉእን ሓያልን" ደገፉ ኣስሚዑ'ሎ።

ዊያ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣህጉራዊ መድረኽ ሰላም ‘ሜደይስ’ - ሞሮኮ፡ ደገፉ ብውልቂ ከምዘመሓላለፈ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣቃሊሑ ነይሩ።

ዊያ፡ ነቲ ውድድር ንምእንጋድ ኣልጀርያ ንእተካይዶ ጨረታ ከም ዝድግፍ ብማዕከናት ዜና ላይበርያ ተገሊጹ’ኳ እንተነበረ ፡ "ላይቤርያ፡ ነቲ ሞሮኮ ንኣፍኮን 2025 ንምእንጋድ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ትድግፎን እያ፤ እዚ ኸኣ ንንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ቃል ኣትየሉ እየ፡” ኢሉ።

እቲ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ፕረዚደንት ላይበሪያ፡ ነቲ ሞሮኮ ኣብ ምምዕባል ኩዕሶ እግሪ ትገብሮ ዘላ ወፍሪ ብምጥቃስ፡ ድሮ ኣብ መላእ ኣህጉር ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ንጨረታ ሞሮኮ ንምድጋፍ ጐስጓስ ምጅማሩ ገሊጹ። 

እቲ ን18 ዓመታት ዝቐጸለ ሞያኡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ፡ ንክለባት ሞናኮ፡ ኤሲ ሚላንን ቸልሲን ዝተጻወተ 56 ዝዕድመኡ ጆርጅ ዊያ፡ ሞሮኮ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንኣፍሪቃ ዓቢይ ሓበን ከምዘጐናጸፈት ክርሳዕ ከምዘይብሉ'ውን ኣዘካኺሩ።

ጊኒ፡ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ከተአንግድ ተወሲኑ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳለጥያታትን ትሕተ ቅርጽን ኣብ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ - ካፍ ብዝተፈጥረ ስክፍታ፡ እቲ ዕድል ምስ ተኸልአት፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛምብያን ከምኡ’ውን ቤኒን-ናይጀርያን ብሓባር፡ ንጊኒ ንምትካእ ኣብቲ ጨረታ ኣትየን ካብ ዘለዋ ሃገራት እየን።

ጕጅለ ተቘጻጻሪ ካፍ፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብተን ንኣፍኮን 2025 ንምእንጋድ ኣብ ጨረታ ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ዑደት የካይድ ኣሎ።

እዚ ጕጅለ ትዕዝብቱ ናብቲ 24 ኣባላት ዝሓቘፈ ፈጻሚ ሽማግለ ካፍ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ዝተዓወተት ሃገር ዝመጽእ 10 ለካቲት ብወግዒ ክትፍለጥ እያ።