'መግዛእቲ ፊፋ ከብቅዕ ይግባእ' - ስለምንታይ ከ ፊፋ ንኣፍሪቃ ክቈጻጸር ይደሊ?

ካብ ዝዀነ ንጥፈታት ኩዕሶ እግሪ ንኽልተ ዓመት ተኣጊዱ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ነበር ማዳጋስካራዊ ኣሕመድ ኣሕመድ፡ "ንኣፍሪቃ ዝቈጻጸራ ፊፋ እዩ" ክብል ተሰሚዑ።

ተነቢሩሉ ዝጸነሐ እገዳ ኣብቂዑ ናብ ስራሕ ዝተመልሰ ኣሕመድ፡ ዓለማዊ ትካል ኩዕሶ እግሪ ፊፋ፡ ንኣፍሪቃ ዝደልየሉ ምኽንያት፡ ስትራተጂያዊ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ 2017 ፕረዚደንት ካፍ ኮይኑ ዝተመርጸ ወዲ 63 ዓመት ኣሕመድ፡ ኣብቲ ኮንፈረደሽን ንሰለስተ ዓመታት ድሕሪ ምስርሑ እዩ፡ ሕግታት ፊፋ ብምጥሓስ ተኸሲሱ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ።

እገዳኡ ኣብቂዑ ናብ ስራሕ ዝተመልሰ እቲ ዋና ጸሓፊ ካፍ ነበር፡ ኵዕሶ እግሪ ሃገሩ ማዳጋስካር ኣብ ምምዕባል ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ብኣንጻሩ ብጻዩ ዝነበረ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ብዘይዝዀነ ተወዳዳሪ ዳግማይ ሓላፊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም - ፊፋ - ኰይኑ ተመሪጹ።

"ፊፋ ክመርሕ ይኽእል እየ" ዝበለ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ሓሙስ 16 መጋቢት ኣብ ኪጋሊ - ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ምርጫ ኣፍሪቃ ኢንፋንቲኖ ተዓዊቱ’ሎ።

ከም ኣገላልጻ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ዝተኣገደሉ ምኽንያት፡ ትእዛዝ ኢንፋንቲኖ ስለዘይተቐበለ እዩ።

ፊፋን ካፍን ኣብ ሞሮኮ ኣብ ከቢድ ግጭት ኣትየን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ ኣሕመድ፡ "እገዳይ ፖለቲካዊ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣኼባ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ - ካፍ ምስ ፊፋ ዝነበሮ ርክብ ከብቅዕ ድሕሪ ምድንዳኑ፡ ኢንፋንቲኖ ነቲ ኣኼባ ረጊጹ ብምውጻእ ብቐጥታ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይዱ ነይሩ።

ንኣሕመድን ኢንፋንቲኖን ካብ ዘሰሓሓበ ጉዳይ ሓደ ናይ ሰኔጋላዊት ፋጥማ ዛሞራ ከም ዝነበረ እዩ ዝግለጽ።

ሰኔጋላዊት ፋጥማ ዛሞራ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተወካሊት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኰይና ኣብ ፊፋ ከምዘገልገለት ዝዝከር እዩ።

“ፋጥማ ብዙሕ ሓጊዛትና’ኳ እንተነበረት፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ሓገዝ ስለዘየድልየና ግን ውክልናኣ ደው ኣቢለዮ። እዚ ድማ ንኢንፋንቲኖ ኣሕሪቕዎ" ይብል ኣሕመድ።

"ኢንፋንቲኖ ካብቲ ኣኼባ ምስ ወጸ፡ ገለ ሰባት 'ናይ ሞት ፌርማ ኢኻ ፈሪምካ' ኢሎምኒ፤" ኣብ ኩዕሶ እግሪ ግን ፊርማ ሞት እንታይ እዩ? ኮሚቴ ስነ-ምግባር ኣቝሞም ድማ ንዓይ ንምእላይ ተጠቒሞምሉ።"

ካፍ፡ ካብ ፊፋ ዝመጸኒ መምርሒታት ኣይቅበልን ኣብ ዝበለሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣሕመድ ስነ-ምግባር ጥሒሱ ተባሂሉ መርመራ ተጀሚሩ።

ኣብ ዙሪክ ዝመደበሩ ፊፋ፡ ካብ ናይ ውሽጢ ሰብ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት መርመራ ከምዝጀመረ ገሊጹ።

ኣብ ሕዳር 2020 ኮሚቴ ስነ-ምግባር ፊፋ፡ ኣሕመድ ንሓሙሽተ ዓመት ክእገድን 200 ሽሕ ዶላር ክቕጻዕን ወሲኑ።

እቲ ኮሚቴ ስነ-ምግባር ንኣሕመድ፡ ብጕድለት ተኣማንነት፡ ህያባት ብምሃብን ብምቕባል፣ ስልጣን ብዘይግቡእ ምምዝማዝ፡ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ዝተባህለ ገንዘብ ብምጥፍፋእን ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ምውዓልን እዩ ከሲስዎ።

ኣብ 2021 ግን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኩዕሶ እግሪ ነቲ መቕጻዕቲ ብፍርቂ ኣጕዲልዎ። ኣሕመድ ግን "ብቐደሙ’ውን ፖለቲካዊ እዩ ነይሩ" ክብል ተሰሚዑ።

"ምቅላል እቲ መቕጻዕቲ፡ እቶም ዝተወቐስኩሎም ነጥብታት ንጌጋ ትርጕም ዝተቓልዑ ምዃኖም ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ከም ግብረ መልሲ ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሕመድ ብኮሚቴ ስነ-ምግባር ብፊፋን ቤት ፍርዲ ኩዕሶ እግሪን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ እዩ ብምባል፤ ነቲ ኢንፋንቲኖ እዩ ኣጊድዎ ዝብል ወረ ሓሶት እዩ ክብል ድማ ኣስሚሩሉ።

ወሃቢ ቃል ፊፋ ብራያን ስዋንሰን፡ ፊፋ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘምጽኦ ለውጢ ብምጥቃስ፡ "እቲ ትካል ዘቘሞ ኮሚቴ ስነ-ምግባር ናጻን ዘይሻራውን እዩ" ኢሉ።

“እቶም ስም ኢንፋንቲኖ ንምጥፋእ ዝሰርሑ፡ ፊፋ ሕጂ ኣድማዒ ምዃኑ ክቕበሉ ዘይደልዩ እዮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

መግዛእቲ ፊፋ ከብቅዕ ይግባእ

ፕረዚደንት ፊፋ ነበር ሴፕ ብላተር ዝርከቦም ብዙሓት፡ ምሕደራ ፊፋ ንኣፍሪቃ 'መግዛእቲ እዩ’ ክብሉ እዮም ዝኸሱ።

ፊፋ፡ ኣባላቱ ምስ ሳልሳይ ኣካል ኢዶም ከየእትዉ’ኳ እንተኸልከለ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ግን ኢዱ የእቱ ምህላዉ እቶም ነቐፍቲ ይዛረቡ።

ሳዕቤኑ ስለዝፍለጥ፡ ብገለ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ሰበስልጣን ፊፋ ዝነበሩ ሰባት እንተዘይኰይኑ፡ ካብዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብዛዕባ ፊፋ ዝዛረብ ሰብ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ።

ምስ ሽመት ሰኔጋላዊት ፋጥማ ዝተኣሳሰሩ ክልተ ኣብነታት ክርአ ይከኣል እዩ።

እታ ሰኔጋላዊት ዋና ጸሓፊ ናብ ስልጣን ምስ መጸት፡ ብዘይካ ሓደ ሰብ፡ ሓያሎ ሰበስልጣን ካፍ ስሞም ብግልጺ ክለዓል ኣይደለዩን።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ጊኒ-ቢሳው ማኑኤል ናሲመንቶ፡ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ካፍ ነቲ ሽመት ከም ዝቃወምዎ ገሊጹ።

"ካፍ ኣፍሪቃዊ'ዩ" ዝበለ ማኑኤል፡ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ካልኦት ዓለም ዘይቅበሎ ነገር ንምንታይ ኢና ንሕና ንቕበሎ?" ኢሉ ሓቲቱ ነይሩ፤ ካልኦት ግን ድምጾም ኣይተሰምዐን።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ መረጻ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ጊኒ-ቢሳው ሓደ መዓልቲ ክተርፎ እንከሎ፡ ማኑኤል ብፊፋ ንዓሰርተ ዓመት እገዳ ተገይሩሉ።

ፊፋ፡ እቲ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣብ ሃገሩ ኣብ ዝተፈጸመ ገበን ከምዝተሳተፈ ብምግላጽ እዩ ከሲስዎ። ፖሊስ እታ ሃገር ግን መርመራ ብምክያድ እቲ ሰብ ነጻ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ማኑኤል ንዓሰርተ ዓመት ተኣጊዱ። እቲ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኲናት ዝተፈርደ ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ፓትሪስ ኤድዋርድስ ግን ን7 ዓመታት እዩ ተኣጊዱ።

ካልእ ኣብነት ጉዳይ ላይበርያዊ ሙሳ ቢሊቲ ኰይኑ፡ ብኮሚተ ስነ-ምግባር ፊፋ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ተቐጺዑ።

ሓሳቡ ብቓልዕ ብምዝራብ ዝፍለጥ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ካፍ ነበር ሙሳ፡ ንኢንፋንቲኖ ዝቐረቡ ሰባት "ንሽመት ፋጥማን እንተደጊፍካ እቲ መቕጻዕቲ ክለዓለልካ ይኽእል’ዩ እዩ ኢሎምኒ ነይሮም፡” ይብል።

"እቶም ሰባት 'ንኢንፋንቲኖ እንተተቓዊምካዮ ክንቀጽዓካ ኢና' ኢሎምኒ፤" ኣነ ግን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ካብ ትጨውይዎ፡ ማዓሙቕ ክኣቱ ይሕሸኒ ኢለዮም" ክብል ሓደ እዋን ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ።

"ፊፋ ነቲ ዓፈና ደው ከብሎ ኣለዎ" ይብል ሙሳ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ሴራሊዮን ኢሻ ጆሃንሰን፡ መረጻ ከየካየደ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጠን ሒዙ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ። ብመሰረት ሕጊ ፊፋ ግን መረጻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ክካየድ ኣለዎ።

ካፍ፡ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣባልነት ሓቝፉ 54 ድምጽታት ዘለዎ ኣብ ዓለም ዝዓበየ፡ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እዩ።

ብድሕሪኡ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ እዩ ዝስራዕ።

ስለዚ ፊፋ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ምቁጽጻር ክህልዎ ምድላዩ ሓያል ድምጺ ስለዘለዎ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል።

"ንማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከም ድላይካ ክትዝውሮ ስለዘይክኣል ድማ፡ ነዚ ናይ ኣፍሪቃ እዮም ክቈጻጸርዎ ዝደልዩ" ይብል ኣሕመድ።