እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓንቲ ከልቢ ምስ 101 ሕጹያት ንከንቲባነት ትወዳደር ኣላ
102 ሕጹያት ከንቲባ ቶሮንቶ ንምዃን ክወዳደሩ እዮም።
ኣብ መንጎ ኣስማት እቶም ሕጹያት ድማ ሞሊ ዝብል ሓደ ታሪኻዊ ስም ይርከብ።
ሞሊ ካብ መንጎ እቶም ሕጹያት ሓንቲ እያ - ታሪኻዊ ዝገብራ ድማ ንከንቲባነት ትወዳደር ዘላ ከልቢ ምዃና እዩ።
እታ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሞሊ ምስ ቶቢ ሂፕስ ዝበሃል ዋናኣ'ያ ትወዳደር ዘላ።
ሓደ ካብ ጎስጓሶም፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ጽርግያታት ከተማ ዘሎ ‘ሶልት ኣታክ’ ደው ከብሉ እዩ።
ከም እምኒ፡ ጡብን ሞርታርን ዝኣመሰሉ ናውቲ ህንጸትን ጽርግያታትን ኣብ ዝስርሑሉ እዋን ጨው ሓደ እታወ እዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ጨው ምስ ግዜ ኣብ ውሽጢ እቶም ናውቲ፡ ክሪስታላት (crystals) ስለዝፈጥር ምብስባስ የስዕብ።
እቶም ክሪስታላት ቀስ ብቐስ ከቢድ ዕንወት ኣብ ዘስዕቡሉ ደረጃ ክእከቡ ይኽእሉ።
‘ሶልት ኣታክ’ ወይ መጥቃዕቲ ጨው ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ዕንወት ማለት'ዩ።
ስለዚ ቶቢ ሂፕስ፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ጽርግያታት ጨው ካብ መጠን ንላዕሊ ምጥቃም፡ ንእግሪ ከም በዓል ሞሊ ዝኣመሰሉ ልስሉሳት እግሪ ዘለዎም ኣኽላብ ክጎድእ ከም ዝኽእል እዩ ዝምጉት።
ብተወሳኺ ጸገም ኣባይቲ ክፍታሕ፡ ኣብ ልዕሊ ቢልዮናት ዶላር ዝቑጸሩ ትካላት ንግዲ ግብሪ ክውስኽን ብነዳዲ ቅሪተ-ኣካላት ዝሰርሕ ስርዓታት ምውዓይ ክእገድን ይጉስጉስ።
እንተተዓዊቱ ድማ ንሞሊ ናይ መጀመርታ ናይ ክብሪ ከንቲባ እታ ከተማ ክገብራ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር እታ ከተማ "እንስሳ እንተሃልዩ ዝሓሸ ውሳነታት ዝውሰን ይመስለኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ድሌት ለውጢ ዘለዎ ሄፕስ፡ እዚ መረጻ ብቐሊሉ ከምልጦ ዘይኽእል ዕድል ምዃኑ ይገልጽ።
ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ከንቲባ እታ ከተማ ዝነበረ ጆን ቶሪ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቑ'ዩ መረጻ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ 2014 ከንቲባ ቶሮንቶ ዝዀነ ጆን ቶሪ፡ ነታ ከተማ ትርጉም ዘለዎ ራእይ የብሉን ዝብሉ ሰባት ውሑዳት ኣይኰኑን።
ብተወሳኺ ዘይምዕሩይነት መነባብሮ ብምዕማቕ’ውን ይንቀፍ።