ጥዕና፡ኩሊት ሓሰማ ዝተተካኣሉ ሰብ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ ተገሊጹ

ሓካይም ኣብ መጥባሕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ኩሊት ሓሰማ ዝተተካኣሉ ሰብ፡ ሓውዩ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ሆስፒታል ክወጽእ ይጽበ ምህላዉ ሓካይሙ ሓቢሮም።

እቲ ሪክ ስለይማን ዝተባህለ ወዲ 62 ዓመት፡ ኩሊት ናይ ሓደ ብመስርሕ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ (genetically modified) ዝተፈጠረ ሓሰማ'ዩ ኣብ ኣካላቱ ተላጊቡሉ ዘሎ።

ኣመሪካውያን ሓካይም መጥባሕቲ፡ እቲ ሰብ ነቲ ፈላሚ ፈተነ ክግበረሉ ፍቓደኛ ምዃኑ "ናይ ብሓቂ ጅግና" ክብሉ ንኢዶሞ ኣለዉ።

ተመራመርቲ ሕክምና፡ እቲ ፈተነ፡ ኣካላት እንስሳ መተካእታ ኣካላት ሰብ ኮይኖም ዘገልግልሉ ዕድል ክፍጠር'ዮም ተስፋ ዝገብሩ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኩሊት ሓሰማ፡ ኣብቶም ሓንጎሎም-ዝሞተ ሰባት ምልጋብ ተፈቲኑ ምንባሩ ይፍለጥ።

እዚ ብ16 መጋቢት ዝተኻየደ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ፡ "ሕሙማት ብቐሊሉ ኣካላት ንክረኽቡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዕራፍ'ዩ" ክብል ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማሳቹሰትስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኩሊቱ ብግቡእ ዘይሰርሕ ዝነበረ ስለይማን፡ ቅድሚኡ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ዳያሊሲስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2018 ኣብቲ ሆስፒታል ኩሊት ሰብ ተተኪኡሉ ነይሩ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ እቲ ዝተተካኣሉ ናይ ሰብ ኩሊት ኣካላቱ ስለዝነጸጎ ክሰርሕ ኣይክኣለን። ብሰንኩ ድማ ኣብ ግንቦት 2023 ናብ ዳያሊስስ ተመሊሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መትንታት ደሙ ኣብቲ ዝግበረሉ ዝነበረ መጥባሕትታት ላሕሊሑ ብምባሩ ዳያሊስስ ክቕጽል'ውን ቀሊል ከምዘይነበረ ዝገልጹ እቶም ሓካይም፡ ብህይወት ናይ ምንባር ተስፋኡ ምህሙን'ዩ ነይሩ ይብሉ።

ብሰንኩ ድማ፡ ኣብ ከክልተ ሰሙን ናብ ሆስፒታል ክመጽእ ይገደድ ምንባሩ እቶም ሰብሞያ ሕክምና ይገልጹ።

ንኩነታቱ ዝተረድአ ሰለይማን፡ ሓደጋታቱን ረብሓታቱን ብምግምጋም ኩሊት ሓሰማ ክትከኣሉ ወሲኑ።

"ክሕግዘኒ ከምዝኽእል ብምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ህይወቶም ንምድሓን መተካእታ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሽሓት ሰባት ተስፋ ንምሃብ" ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ይዛረብ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ብመንጽር ተጸበይቲ፡ቁጽሪ ለገስቲ ኣካላት ሰብ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ነዚ ንምፍታሕ ለገስቲ እንስሳታት ዓቢ ግደ ክጻወቱ ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ልቢ ሓሰማ ናብ ሰባት ናይ ምስግጋር ፈተነታት ምክያዱ ይዝከር።

እቲ ንሪክ ሰለይማን ዝተዋህበ ፍሉይ ኩሊት ካብ ኢጀነሲስ (eGenesis of Cambridge) ዝተባህለ ኣብ ካምብርጅ፡ ክፍለሃገር ማሰቹሰትስ፡ ዝርከብ ትካል ዝተረኽበ'ዩ።

እቲ ኩሊት፡ዘለዎ ንሰብ ክጎድእ ዝኽእል መፈጠራት (ጂንስ) ብምእላይን፡ ምስቲ ዝጠብቆ ኣካላት ክሳነ ምእንቲ ናይ ሰብ መፈጠራት ተወሲኹዎ ዝተመሓየሸ'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ሰብ ጸረ-ንጽገት መድሃኒታት ይወስድ ኣሎ። እዚ ተተኪእሉ ዘሎ ኩሊት ሓሰማ ክሳዕ ምዓስ እናሰርሐ ክቕጽል ከምዝኽእል ብንጹር ዝፍለጥ የለን- ዘይተዳህሰሰ መጽናዕታዊ ክውንነት'ዩ።

ሓደ ካብቶም ነቲ ምስግጋር ዘካየዱ ሓካይም ዝኾነ ዶ/ር ታስዎ ካዋይ፡ "ተስፋና እቲ ኣገባብ ምስግጋር ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ብሕማም ኩሊት ዝሳቐዩ ሚልዮናት ሕሙማት ህይወት ክዘርኣሎም እዩ" ክብል ዘለዎ ትምኒት ይገልጽ።