ኣብ ኣፍሪቃ ብወትህድርና ዝዕሰቡ ዘለዉ መንእሰያት እንታዎት እዮም?

ኣቡ መሓመድ ስድራኡ ገዲፉ ናብ ኒጀር ክኸይድ ይደሊ

ኣቡ መሓመድ፡ ብሰንኪ እቲ ነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ተመዛቢሉ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ኣብ ቴንዳ ክነብር ጸኒሑ።

ስድራኡ ንምሕጋዝ እኹል እቶት ክረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣማኢት ሶርያውያን ብቱርኪ ኣቢሉ ናብ ኒጀር ብምኻድ ዕሱብ ወተሃደር ኰይኑ ክሰርሕ ወሲኑ።

ወዲ 33 ዓመት ኣቡ መሓመድ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ቈልዑን’ዩ።

ኣብቲ ዝነብርሉ ቴንዳ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ወይ ዓይኒ ምድሪ የለን፤ ተሌፎኖም ባትሪ ንምምላእ ንእሽቶ ብጸዓት ሓይሊ እትሰርሕ ኣቕሓ’ዮም ዝጥቀሙ።

እቲ ቴንዳ፡ ኣብ ሓጋይ ሃሩር፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ድማ ኣዝዩ ቈራሪ’ዩ፤ ዝናብ ኣብ ዝሃርመሉ ክኣ ማይ ይኣትዎ።

“ስራሕ ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ይብል።

ኣብዚ እዋን፡ ኣባል ናይቶም ብቱርኪ ዝድገፉ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣንጻር ባሻር ኣልኣሳድ ክዋግኡ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ።

እቲ ዝሰርሓሉ ጕጅለ፡ ትሕቲ 50 ዶላር ስለ ዝኸፍሎ፡ ቱርካውያን መልመልቲ ኣብ ኒጀር ወርሓዊ ብ1500 ዶላር ስራሕ ከም ዝረኽቡ ምስ ሰምዐ ዝሓሸ ገንዘብ ንምርካብ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ወሲኑ።

መራሕቲ ውድብ ሶርያ ነቲ መስርሕ ኣብ ምምችቻእ ከም ዝሓገዙዎ ብምግላጽ፡ ነቲ “ጕጅለን ወከልቱን” ግብሪ ምስ ከፈለ ብውሑድ ክልተ ሲሶ ናይቲ ቃል ዝተኣተወሉ ገንዘብ ከም ዝተርፎ ይዛረብ።

“ኣብ ውግእ [ኣብ ኒጀር] እንተሞይተ፡ ስድራይ 50 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክረኽቡ እዮም።”

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል ብሰንኪ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ኣብቲ ዞባ ዝካየዱ ዓመጻት እናኸፍኡ መጺኦም’ዮም።

ኒጀርን ጐረባብታ ማሊን ቡርኪናፋሶን ድማ በዚ ተሃስየን እየን ።

ሰለስቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ገይረን፤ እዚ ድማ ብኸፊል ውጽኢት ናይቲ ዘይምርግጋእ እዩ።

ኣቡ መሓመድ ጥራይ ኣይኰነን ናብ ኒጀር ክኸይድ ዝደሊ።

ኣብ ገጠራት ኢድሊብ ኣብ ዝርከብ ቴንዳ ዝነብር ዓሊ ቅድሚ 10 ዓመት ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ናብ ተቓወምቲ ሓይልታት ሶርያ ተጸንቢሩ።

ንሱ’ውን ኣብ ወርሒ ትሕቲ 50 ዶላር ከም ዝኽፈልን ንሓሙሽተ መዓልቲታት ጥራይ ከም እተጽንሖን ይዛረብ።

ስድራኡ ንምሕጋዝ ክኣ ግድን ገንዘብ ክልቃሕ ኣለዎ፤ ነዚ ውዙፍ ዕዳታት ንምኽፋል ድማ ኒጀር ከም እንኮ ኣማራጺ ይርእያ።

“ካብቲ ወተሃደራዊ ሞያ ምሉእ ብምሉእ ወጺአ ናይ ገዛእ ርእሰይ ንግዲ ክጅምር እየ ዝደሊ” ይብል።

ራኣድ’ውን፡ ካልእ ወዲ 22 ዓመት ተዋጋኣይ’ዩ።

ናብ ኒጀር ምኻድ፡ “ሓዳር ናይ ምግባርን ስድራ ናይ ምምራሕን ሕልመይ” ክውን ንምግባር እዅል ገንዘብ ንምርካብ ዝሕግዝ እንኮ መገዲ ኰይኑ ይስምዓኒ ይብል።

ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚሩ ልዕሊ 1000 ሶርያውያን ተዋጋእቲ ብቱርኪ ኣቢሎም ናብ ኒጀር ከም ዝተጓዕዙ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣብ ሶርያ ንዘጋጥሙ ጐንጺታት ዝከታተል ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ይሕብር።

እዚ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ውዕል ክኣትዉ እንከለው፡ ገሊኦም ግን ነቲ ውዕል ናብ ሓደ ዓመት ኣናዊሖሞ ኣለዉ።

ኣስታት ሸሽዓተ ሚሊዮን ሶርያውያን ተመዛበልቲ ኰይኖም፡ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ቴንዳታታት ይነብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት ሸሽዓተ ሚሊዮን ሶርያውያን ተመዛበልቲ ኰይኖም፡ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ቴንዳታታት ይነብሩ

መርበባት ቱርኪ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዞም ዕሱባት ተዋጋእቲ፡ ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ቱርኪን ንግዳዊ ረብሓታት ኒጀርን ክሕልዉ’ዩ ዝንገሮም።

ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ፖለቲካዊ ጽልውኣን ንግዳውን ምንቅስቓሳታን ኣስፊሓቶ ትርከብ። ከም ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኣመሰሉ ኣጽዋራት ውግእ ድማ ንኒጀር ብምሻጥ ዕጡቓት ጅሃዳውያን ጕጅለታት ንምምካት ትሕግዛ።

ኣብ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ወርቂ፡ ዩራንየምን ማዕድን ሓጺንን’ውን ትነጥፍ።

እቶም ዝምልመሉ ዘለው መንእሰያት ዝተኣትወሎም ቃል ብዘየገድስ፡ ኣብ ኒጀር ምስ በጽሑ እቲ ክውንነት ኣዝዩ ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግንዘቡ እዮም።

ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያን መሓዙት ድሮ ናይቶም ኣብ ኒጀር ዝሰርሑ ዝነበሩ ዕሱባትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሶርያውያን ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ሩስያ ኣብ ዶባዊ ስሉስ ኩርናዕ ኒጀር፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ምስ ዕጡቓት ጅሃዳውያን ጕጅለታት ከም ዝዋግኡ ገሊጾም።

ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ቅድሚ ሓደ ዓመት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ እቲ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝነበሮ ርክብ በቲኹ።

“ኒጀር ሓደስቲ መሓዙት ክትደሊ ጀሚራ፤ ሩስያ ድማ ምችእቲ ኣማራጺት ኰይና ረኺባታ” ክብል ኣብ ኦክስፎርድ ኣናሊቲካ ተመራማሪ ዞባ ሳሕል ዝዀነ ናትናኤል ፓወል ይገልጽ።

“ኣጽዋር ሩስያ ካብቲ ሃገራት ምዕራብ ዝሸጣኦ ኣዝዩ ዝሓሰረ'ዩ። ብተወሳኺ ሩስያ ወተሃደራዊ ጸጋታትን ስልጠናታትን ትህብ፤ ከምኡ’ውን ዘይከምተን ምዕራባውያን መነሓንሕታ ኣስገዳድ ኵነታት ከየቐመጠት ንከባብያዊ ረቛሒታት ክትቅበል ከም እትኽእል ተበግሶ ተርኢ።”

ሩስያ ጽንዕቲ ደጋፊት ፕረዚደንት ኣሳድ ስለ ዝዀነት፡ ንስርዓት ሶርያ ዝቃወሙ ተዋጋእቲ ሶርያ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ሩስያ ምውጋእ ላንጋ ላንጋ ዝዀነ ስምዒት’ዩ ዝፈጥረሎም።

ኣቡ መሓመድ፡ “ኣብዚ ዕሱባት ኢና፤ ኣብኡ ድማ ዕሱባት ኢና። ኣነ ግን ኣብ ትሕቲ ልኡኽ ቱርኪ ስለ ዘለኹ፡ ካብ ሩስያውያን ትእዛዝ ኣይቅበልን እየ” ይብል።

ግን ከምቲ ሪያድ ዝብሎ ኣማራጺ ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ።

“እዞም ሓይልታት ይጸልኦም’የ፤ ግን ብቝጠባዊ ምኽንያታት ግድን ክቕበሎ’የ” ይብል።

ኵሎም፡ “ቅድሚ ጕዕዞ ምጅማሮም ወይ ኣብ ጕዕዞ እንከለው” ውዕል ከም ዝፍርሙ ሪያድ ይገልጽ።

እቲ መስርሕ ምስጢራዊ ምዃኑን፡ “ገለ ዝርዝር ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ስርሒትን ኣገባብ ምዝገባን ኣልሒኹ” ተባሂሉ ብተቓዋሚ ውድብ ሶርያ ዝተኣስረ ሰብ ከም ዝፈልጦን ሓቢሩ።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምልሙላት፡ መራሕቲ ውድቦም ውዕላት ምስ ተፈረመ ሳዳት ዝተባህለ ቱርካዊ ኩባንያ ከም ዝከታተሎምን፡ ኣብ ምድላው መገሻኦምን ሎጂስቲክስን ከም ዝሳተፉን ሓቢሮምዎም ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ኣቡ መሓመድ ናብ ሊብያ ከይዱ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕሱብ ሰራዊት ኰይኑ ከም ዝሰርሐን እዚ እውን ብሳዳት ከም ዝተዳለወን ይዛረብ።

ብተወሳኺ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ ብመሰረት ካብ ካልኦት ድሮ ናብ ኒጀር ዝኸዱ ዕሱባት ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ሳዳት ኣብቲ መስርሕ ከም ዝሳተፍ ይገልጽ።

እዚ ብናጻ ኣካል ከነረጋግጾ ኣይከኣልናን።

ሳዳት ድማ፡ ሶርያውያን ተዋጋእቲ ናብ ኒጀር ምምልማላ ወይ ምውፋራ ዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ “ሓቂ ኣይኰነን . . . ኣብ ኒጀር ዝዀነ ንጥፈታት ኣይንገብርን ኢና" ኢሉ።

ኣብ ኒጀር፡ ዕልዋ መንግስቲ ምስተፈጸመ ብዙሓት ንሩስያ ዝድግፉ መግለጺታት ኣብታ ሃገር ተራእዮም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Issifou Djibo/EPA-EFE/REX/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኒጀር፡ ዕልዋ መንግስቲ ምስተፈጸመ ብዙሓት ንሩስያ ዝድግፉ መግለጺታት ኣብታ ሃገር ተራእዮም ነይሮም

ብተወሳኺ ኣብ ሊብያ ብዘይካ’ቲ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝተኻየደ ፕሮጀክት “ወተሃደራዊ ስፖርት” ወጻኢ ካልእ ዝዀነ ንጥፈታት ከም ዘይብሉን ብሰንኪ ኣብኡ ዝነበረ ቅልውላው ክስሕብ ከም ዝተገደደን ገሊጹ።

እቲ ኩባንያ ወሲኹ፡ “ንመንግስታዊ ዘይኰኑ ኣካላት ኣገልግሎት ኣይሃብኩንን። ብመሰረት ሕጊ ንግዲ ቱርኪ ኣብ ዓውዲ ምክልኻልን ጸጥታን ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታትን ሓይልታት ጸጥታን ኣገልግሎት ምኽሪ፡ ስልጠናን ሎጂስቲክስን” ከም ዝሃበ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣንካራ ግን፡ ሶርያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ንምምልማልን ናብ ኒጀር ንምልኣኽእን ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ይጥቀም ከም ዘሎ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ይምጕት።

ዳይሬክተር እቲ ትካል ራሚ ዓብዱልራሕማን፡ መንግስቲ ቱርኪ ገንዘብ ዘይብሎምን ኣብ ሕሱም ቍጠባዊ ጸገማት ዝርከቡን ሶርያውያን ይምዝምዞም ከም ዘሎ ይኸስስ።

ቢቢሲ ነዚ ክስታት ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ዘቕረቦ ኰይኑ፡ መልሲ ግን ኣይረኸበን።

መንግስቲ ቱርኪ ሶርያውያን ተዋጋእቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምልኣኽ ክኽሰስ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።

ብሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ዝተዳለው ሓያሎ ጸብጻባት፡ ብቱርኪ ዝድገፉ ሶርያውያን ተዋጋእቲ ኣብ ሊብያ ከም ዝነበሩ ይገልጹ።

ቱርኪ ቅድሚ ሕጂ ኣብኡ ተዋጋእቲ ሶርያ ከም ዝነበሩ ተኣሚና’ኳ እንተነበረት፡ ከም ዝመልመለቶም ግን ኣይተኣመነትን።

ኣብቲ ኣብ ካውካሰስ ዝርከብ ኣካታዒ ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ ሶርያውያን ዕሱባት ከም ዝመልመለትን ከም ዘዋፈረትን ዝገልጹ ክስታት’ውን ነጺጋቶም ኣላ።

ህይወት ኣብ ኒጀር

ኵነታት ኒጀር፡ ኣብ ሶርያ ምስ ዝርከቡ ስድራቤታት ብቐጻሊ ንኽትራኸብ ዘኽእል ኣይኰነን።

እቶም ዕሱባት ወተሃደራት ክዀኑ ዝተመልመሉ መንእሰያት፡ ናብ ኒጀር ምስ መጽኡ ተሌፎናቶም ከም ዘሕድጕዎም ዓብዱልራሕማን ይገልጽ።

ኣቡ መሓመድ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ኣዕሩኽቱ “ኣብ ክልተ ሰሙን ሓደ ግዜ፡ ሓሓሊፉ ድማ ካብኡ ዝንእስ ምስ ስድራኦም ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ” ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ ምስ ኣንስቶም ይዅን ምስ ደቈም ብቐጥታ ክዘራረቡ ከም ዘይክእሉ፡ እኳ ደኣ እቲ ርክብ በቶም ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ሓለፍቶም ከም ዝካየድን “ስድራኹም ደሓን ኣለው” ተባሂሉ ከም ዝንገሮምን ሓቢሩ።

ዓሊ ብወገኑ፡ ገለ ካብቶም ናብ ኒጀር ዝኸዱ ኣዕሩኽቱ፡ ዝበዝሕ ግዜኦም “ንኽዋግኡ መምርሒ እናተጸበዩ ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ” ከም ዘሕልፍዎ ከም ዝነገሩዎ ገሊጹ።

ኵሎም ግን ብህይወት ናብ ዓዶም ኣይምለሱን’ዮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚሩ ኣብ ኒጀር ትሽዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ኣስክሬን እቶም ኣርባዕተ ናብ ኢድሊብ’ኳ እንተተመለሰ፡ ክሳብ ሕጂ ግን መንነቶም ኣይተፈልጠን።

ራኣድን ዓሊን ስድራኦም ክኸዱ ስለ ዘይደልዩ፡ ንገለ ኣዋርሕ ልምምድ ንምግባር ናብ ቱርኪ ኢና ንኸይድ ዘለና ኢሎም ክሕስው ከም ዝግደዱ ይዛረቡ።

ስድራ ኣቡ መሓመድ’ውን ነዚ ኣይቅበሉዎን።

“ጽቡቕ ናብራ ንምንባር ዘኽእለኒ ዓቕሚ እንተዝህልወኒ፡ ሚልዮን ዶላር እንተዝቐርበለይ’ውን ከምዚ ዓይነት ስራሕ ኣይምተቐበልኩን። ግን ወደይ ብሽክለታ ዓድገለይ ክብለኒ እንከሎ፡ ዓቕመይ ዘየፍቀዶ ክኸውን እንከሎ . . . ከምዝን ወዲ’ዝን ዝበሉ’ዮም ንክኸይድ ዝደፋፍኡኒ ዘለው” ኢሉ።

ኣስማት ኣቡ መሓመድ፡ ዓሊን ራኣድን ንድሕነቶም ተቐይሩ እዩ።