እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማርታ ኮሜ፡ ካብ ጎስጓሲት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዋና ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ላዕለወይቲ ዳኛ ኬንያ ኮይና ዝተሸመት ማርታ ኮሜ፡ ኣብቲ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኬንያ፡ ምክትል ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ንራይላ ኦዲንጋ ዝሰዓረሉ ዓወት ብምርግጋፅ፡ ላዕለወይቲ ዳኛ እታ ሃገር ኮይና ኣብ ዝሰርሐትሉ ሓፂር ግዘ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ብይን ሂባ።
ኣብ ዝሃድአ መንፈስ ኰይና ፍርዳ ሂባ፤ ቃላታ ግና ብርቱዕ እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኦዲንጋ ዝተገበረ ዝኾነ “ሽርሒ” ኣይነበረን፣ ናይ ሕጊ ጉጅለኡ’ውን ንሩቶ ዝድግፍ ምትላል ከም ዝተፈፀመ ዘረጋግፅ መርትዖ ከቕርቡ ኣይከኣሉን ኢላ።
እዛ ጓል 62 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ብቴለቪዥን በቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ፡ ብኮምሽን ኣገልግሎት ፍትሒ ኬንያ (JSC) ቃለ መሕተት ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 10 ሕፁያት ኣብ ቅድሚት ድሕሪ ምስርዓ’ያ፡ ብፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ላዕለወይቲ ዳኛ ቤት ፍርዲ ኮይና ዝተሾመት።
ኣብቲ እዋን ርኢቶ ዝሃበ ሓደ ውልቀሰብ፡ “እዛ ጓል ኣንስተይቲ እዚኣ ትንፋስ ንፁህ ኣየር እያ። ንዝተሓተቱ ሕቶታት ብዝተሓተትሉ መገዲ ትምልስ እሞ፡ ናይ ባዕላ ሞያዊ ማሕተም ኣብ ልዕሊኦም ተንብረሎም” ብምባል፡ ብዛዕባ ብቕዓት ማርታ ኮሜ መስኪሩ።
ማርታ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቅድሚ ምዝዛሙ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት’ያ ኣብ 1960 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ተወሊዳ። ኣብ ቃለ መሕትታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ ሜሩ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዙሕ ጋማ (polygamous) ኣብ ዘለዎ ስድራ ክትዓቢ እንከላ ብዛዕባ ዘጋጠማ በዳሂ ኩነታት ተዛሪባ’ያ።
“ከም ሓቂ፡ ኣነ ኣብ ገጠር እየ ዓብየ። ወለደይ ሓረስቶት’ዮም ኔሮም፡ ካብ ክልተ ኣደታት እንውለድ 18 ቆልዑ ኢና ነይርና። ስለዚ ንኹልና፡ ብፍላይ ድማ ንኣዋልድ ነዚ ዘይምዕሩይ ኩነት ምስዓር፡ ቃልሲ’ዩ ነይሩ” ትብል።
ንሳ ብዙሕ ፍትውቲ ስለዘይነበረት ዋና ዳኛ ንምዃን ብዙሕ እያ ሰጊራ፤ ሰብሞያ፡ እቲ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተኻየደ መረፃ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጠረ ክትዕ፡ ንኬንያታ ወኪሉ ዝነበረ ፍረድ ነጋቲያ ተዓዋቲ ከምዝኸውን ብገንዘቦም ተወራሪዶም።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ እቲ ኡሁሩ ኬንያታ ዝተዓወተሉ ውፅኢት መረፃ ዘይስሩዕነት ከም ዝነበሮ ብምግላፅ፡ ነቲ ውፅኢት ውድቂ ገይርዎ። ዳግማይ መረፃ ንኽካየድ ድማ ብይን ኣመሓላለፈ። ዋላ’ኳ መነሓንሕቱ ራይላ ኦዲንጋ ዳግማይ መረፃ ንኸይካየድ እንተኣደመ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ግና ኣብቲ ዳግማይ ዝተኻየደ መረፃ ተዓዊቱ።
ፍረድ ነጋቲያ ኣብ ጉዳይ መረፃ እቲ ፕረዚደንት'ኳ እንተዘይተዓወተ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መድረኽ መጋባእያ ዝነበሮ ምልከት ቋንቋን ምብራህ ሕጋዊ ፍርድን ግና፡ ብብዙሓት ኬንያውያን ልዑል ነጥቢ ኣምፂእሉ እዩ።
እንተኾነ ማርታ ኮሜ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ወጣሪ ሕቶታት ህድእቲ እያ ነይራ። ኣብ ህፃናት፣ መሰላት ስርዓተ ፆታን ኣብ 2010 ሕገ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ምርቃቕ ዝነበራ ግደን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ እማመ መሰላት ዝነበራ ግደ ጎሊሁ ተራእዩ።
ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብኣንፃሩ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍፀም ኣድልዎ ብኸመይ ከም ዝከላኸሎ ብኹርዓት ተዛረበት።
ንሳ ኣብቲ ብርክት ብዝበሉ ክኢላታት ንዝቐርበላ ሕቶታት ዝመለሰትሉ መድረኽ፡ “ብዛዕባ ዜግነት ክዛረባ ኣይኽእላን፤ ከም መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰሉ፡ ዝጸንሑ ልምምዳት ክቕጽሉ ኣፍቂዱ። ነዊሕ መገዲ ተጓዒዝና ኣለና” ኢላ።
‘ምሳሕ ዕንቅፋታት ክፅግን ይኽእል’ዩ’
ኣብቲ ምስ ኮምሽን ኣገልግሎት ፍትሒ ኬንያ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት ዝነበራ ዓብይ ብድሆ፡ ኣብ ድሮ እቲ ኣብ 2017 ዳግማይ ዝተኻየደ መረፃ፡ ኣብ መጋባእያ ህፁፅ ይግባይ ንዝነበራ ግደ ምክልኻል’ዩ ነይሩ።
ኣብታ ዕለት፡ ሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ኩሎም ተመለስቲ ሓለፍቲ መረፃን ምክትላቶምን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ከም ዝተሾሙ በይኑ ነይሩ።
ንሳን ካልኦት ክልተ ደያኑን፡ ነዚ ብምዕላው፡ እቲ ድምፂ ንቅድሚት ክስጕም ገበሩ፡ ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው ንምክልኻል ዝወሃብ ግዝያዊ ትእዛዝ ከምዝኾነ እያ ሓቢራ።
ኣብቲ ፓነላዊ ቃለ መሕተት ዝነበረ ቀንዲ መካትዒ፡ እቲ ብይን ባዕሉ ዘይኮነስ፡ እቲ ውሳነ፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ዘይተረኸብሉ ካብ ስሩዕ ናይ ስራሕ ሰዓት ወፃኢ ዝተውሃበ ምዃኑ’ዩ።
እታ ህድህቲ ዋና ዳኛ ግና፡ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ኩነታት፡ ንይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ነዚ ክገብር ከምዝኽእል፣ ካብኡ ድማ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስቶም ተመለስቲ ሓለፍቲ ፀገም ከም ዘይንበረን እቲ ክሲ ካብ መፈለምትኡ ውዱቕን ባዶን ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ምግላፁን ሓቢራ።
ኬንያ ነፃነታ ካብ ትእውጅ ንነዘ፡ ማርታ ኮሜ መበል 15 ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር እያ።
ሓደ እዋን ንሳ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ክትዛረብ ከላ፡ ብጉጅለ ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ንፍዕቲ ምዃና ተዛሪባ ነይራ፤ ስለ ዝኾነ፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ከም ዋና ዳኛ፡ ናብቲ ፕረዝደንት ደዊላ ንምዝርራብ ሰጋእመጋእ ከምዘይትብል ገሊጻ።
እዚ ከኣ ጎንፅታት ንምእላይ ፅቡቕ ሜላ ምዃኑ ከም እትኣምን ሓቢራ።
ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ዝኾኑ ብፆታ ዘይምርድዳእ ምስ ዘጋጥም ብኸመይ ከም ትፈትሖ ሕቶ ዝቐረበላ ማርታ፡ “ምግቢ ሰባት ፅቡቕ ገይሮም ንክዛረቡ ይሕግዞም… ስለዚ፡ ሓደ ክልተ ግዜ ውጽእ ኢልካ ብሓባር ምብላዕ እቲ ፀገም እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ ሓጋዚ እዩ” ትብል።
ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን እቶም ካልኦት ሽድሽተ ዳያኑ ንኽዘራረቡ ንምሳሕ ትወስዶም እንተኔራ’ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ውሳንኦም ግና ብሙሉእ ድምፂ’ዩ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ እቲ ቤት ፍርድን እታ ላዕለወይቲ ዳኛን፡ ብብዙሓት ኬንያውያን ንዘለዎም ተኣማንነት ዘዕዝዝ እዩ።