እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ተመኵሮ ኬንያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ናጻን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ ከም ዝኽእል ተስፋ ዝህብ'ዩ' - ፕሮ. መረራ
ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረንስ [ኦፌኮ] ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ካብ መረጻ ኬንያ ተመኵሮ ክወስዱ ይግባእ፣ እዚ ተመኵሮ ኬንያ፡ ፖለቲካዊ ድልየት እንተሃልዩ ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድ ከም ዝከኣል ተስፋ ዝህብ'ዩ፡ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲናን ተዓዘብቲ ናይቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ኬንያ ኰይኖም ተሳቲፎም ነይሮም።
ነዚ ስዒቡ ክሳዕ ሕጂ ቈጸራ ድምጺ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ውጽኢት ዕላዊ ክሳብ ዝገብር፡ ኬንያውያን ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።
“እቲ ውጽኢት መረጻ ከመይ ከም ዝቕበልዎ ኣብ ዝመጽእ ንርእዮ ጉዳይ ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ ድልየት እንተሃልዩ ግን ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ናጻን ፍትሓውን መረጻ ምክያድ ይክኣል’ዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩለይ እዩ። መራሕትና ዝነበሩ’ውን ኣብዚ ስለዘለው፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ነዚ እንተዘምህሩልና ጽቡቕ’ዩ፡” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ግዜ እቲ ንጉሳዊ ስርዓት ይዅን ደርግ መረጻ ዝመስል ተኻይዱ ከምዝፈልጥ ይዝክር።
እንተዀነ ይብል ዶ/ር መረራ፡ “ ብዘይካ እቲ ኣብ 1997 ዓ.ም ዝተኻየደ መረጻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ዝበሃል ተኻይዱ ኣይፈልጥን። ምርጫ ማለት ኵሉ ነገር ክዕረ ኣብ ዝፍትን ሜዳ ኴንካ ምውድዳር ማለት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን መረጻ ዝበሃል ተኻይዱ ስለ ዘይፈልጥ ምስዚ ናይ ኬንያ ተወዳድሮ ኣይኰነን” ብምባል ነቒፉ።
ዜጋታት ኬንያ፡ ንሕሉፍ ተመኵሮኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውጽኢት እዚ መረጻ ብልዑል ሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለው ጉዳይ እዩ።
ብ2007 ዓ.ም [ኣ. ኤ] ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መረጻ ምትልላል ተፈጺሙ’ዩ ብዝብል ክሲ ዝተላዕለ ጐንጺ፡ ብውሕዱ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።
ብ2017 ድማ፡ እቲ ውጽኢት ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘምርሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ውጽኢት ብቤት ፍርዲ ውዱቕ ተገይሩ ዳግም ፕረዚደንታዊ መረጻ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።
ድሕሪኡ፡ እቶም መረጻታት ብቴክኖሎጂ ዝተገደፉ ክዀኑ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ጸቕጢ ክገብሩ ብምጽንሖም፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ከምዝኸውን ተገይሩ'ዩ።
ሰብ መዚ መረጻ ድማ፡ ውጽኢት ብጥንቃቐ ክሕዝዎ ልዑል ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ይዝርብ።
ነዞም ምዕባለታት ዝተዓዘበ ፕሮፌሰር መረራ፡ እዚ ተመኵሮ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ክትኣታቶ ከም ዝብህግ ይዛረብ።
“ካብዚ እንምሃሮ ኣገዳሲ ነገር፡ ፖለቲካዊ ድልየት ምህላው፡ ነጻን ፍትሓውን መረጻ፡ ማዕረ ሜዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸቕጢ ኣብ መረጻ ኣቲኻ ምውጻእ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸቕጢ ህዝቢ እንተደልዩ ክመርጽ ወይ ክገድፎ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕማም፡ መራሕትና ፖለቲካዊ ቈራጽነት የብሎምን። ምርጫ ይብሉ እሞ፡ 'ንሕና እንተዘይተመረጽና' ናብ ዝብል ወጠጥ ይኣትው” ይብል።
እቶም ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ሓሓሊፉ ከምኡ ዓይነት ጐነጻዊ ባህሪ ከም ዘለዎም ይኣምን።
ፕሮፌሰር መረራ ወሲኹ፡ “ብብረት ይዅን ብገንዘብ ኣነ ክምረጽ ኣለኒ ዝብል ኣንፈት ሰላምን ርግኣትን ከምኡ’ውን ዲሞክራሲ ኣየምጽእን። ኣብ ውሽጢ ቅልውላው ክንነብር እንከለና፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ናብ ካልእ ስለ ዝኸውን ካብ ናይ ምቅትታል ፖለቲካ ናብ ብዝርርብ ዝኣምን ፖለቲካ ክንኣቱ ኣለና” ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጲያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን ፈለማ ወርሒ ሰነን 2013 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻን ምክያዱን ውድብ ብልጽግና ምዕዋቱን ዝዝከር እዩ።