እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ካናዳ ኣሳእል 16 ‘ናዕበኛታት’ ፈስቲቫል ኤርትራ ዘርጊሑ ‘ኣዳልዩኒ’ ይብል
ፖሊስ ካልጋሪ፡ ኣብቲ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ካልጋሪ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ናዕቢ ካብ ዝተሳተፉ 16 ሰባት ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ፡ ንምልላዮም ካብ ህዝቢ ሓገዝ ይሓትት ኣሎ፡ ክብላ ማዕከናት ዜና ካናዳ የቃልሓ ኣለዋ።
ኣብቲ ብቐዳም 2 መስከረም ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከባቢ መላግቦ ማክናይት ቦውለቫርድን ፋልኮንሪጅ ቦውለቫርድን ኣብ ዝርከብ ንግዳዊ ስፍራ፡ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ረጽሚ ኣብ ዝተፈጥረሉ፡ ሓያለ ንግዳዊ ትካላት ከምዝዓነዋ ይፍለጥ።
ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተሳተፉን ብዙሓት ድማ ኣጽዋር ዝዓጠቑን ነይሮም።
ኣባላት ህጹጽ ድሕነት፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ 11 ህሩማት ካብቲ ቦታ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ ኵሎም ግን ንህይወቶም ሓደጋ ኣብ ዘይኰነ ኵነታት ከምዝነበሩን ኣረጋጊጾም።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ፖሊስ፡ "ዝዀነ ተወሳኺ ዕግርግር ይዅን ስጕምቲታት ሕነ ምፍዳይ ንምክልኻል" ምስ ክልቲኦም ወገናት ከምዝሰርሐን፡ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ንምልላይ ድማ መርማሪ ሓይሊ ዕማም ከምዘቘመን ይገልጽ።
ሓሙስ 21 መስከረም፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ [ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር] ዝወጸ መግለጺ ፖሊስ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ዝተፈጸመ ዕግርግር ዝግበር መርመራ ገና ይቕጽል ከምዘሎን፡ መርመርቲ ኣብቲ ባእሲ ከምዝተሳተፉ ዝእመኑሎም፡ 16 ሰባት ንምልላይ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ሓቶቶም ኣለዉ።
ብተመሳሳሊ ኵነታት፡ ብ 5 ነሓሰ እውን ኣብ ከተማ ቶሮንቶ - ካናዳ፡ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ከምዝተፈጥረን ምምሕዳር እታ ከተማ ንፍቓድ እቲ ፌስቲቫል ከምዝሰረዞ ይዝከር።
ምምሕዳር ቶሮንቶ፡ "ንድሕነት ህዝቢ" ክብል ነቲ እቲ ፌስቲቫል ዝተዋሃበ ፍቓድ ከምዝሰሓቦ ገሊጹ ነይሩ።
እታ ከተማ ዝዀነ ዓይነት ጐነጽ ከምዘይትጻወር ብምግላጽ ከኣ ዝዀነ ሰብ "ናብታ ከተማ ይዅን ፓርክታት ዝበጽሕ ውሑስ ሃዋሁ ንምፍጣር" ግዴታኡ ምዃኑ ኣፍሊጣ እያ።
መርመርቲ ፖሊስ ካልጋሪ፡ ድሮ ሓያለ ተሳተፍቲ እቲ ናዕቢ ኣለልዮም’ኳ እንተለዉ፡ ነዞም ኣሳእሎም ተዘርጊሑ ዘሎ ሰባት ኣብ ምርካብን ብዛዕባ’ኦም ንምፍላጥን ሓበሬታ ንምእካብ፡ ፍሉይ መርበብ ሓበሬታ’ውን ተዳልዩ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለዉ።
መርመርቲ፡ ብዛዕባቶም ኣሳእሎም ዝተዘርግሐ ሰባት ይዅን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ’ቲ ግጭት ክህብ ንዝደሊ መራኸቢ ተሌፎንን ኣድራሻ ኢመይልን ጠቒሶም ኣለዉ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ካልጋሪ ሱፕተር ስኮት ቦይድ፡ "እዞም ንዝርግሖም ዘለና ኣሳእል፡ ናይቶም ብመርማሪ ሓይሊ ዕማምና ተሳትፎ ከምዘለዎም ዝተለለዩ ወልቀሰባት እዩ" ብምባል፡ እቶም 16፡ ኣብቲ ግጭት "ዝተፈላለየ ተራ" ዝነበሮም እዮም ክብል ኣረዲኡ።
ንመስርሕ ድልያ ኣመልኪቱ፡ "ንልዕሊ 600 ሰዓታት ዝቐጸለ ካብ ሲሲቲቪ - ካሜራ ዝተኣከበ ቅንጥብጣብ ኣሳእል፡ ኣብ ክዳውንቲ ብዝጠበቐ ካሜራታት ዝተኣከበ ዲጂታዊ መርትዖታት ንመርምር ኣለና፡” ብምባል ንኽብደትን ዕምቈትን እቲ መስርሕ መርመራ ኣረዲኡ።
“እዚ ድማ ብውልቂ ይዅን ብሓባር፡ እዞም 16 ውልቀሰባት እንታይ ሓላፍነት ከም ዝወስዱ ብዕምቆት ንኽንርዳእ ዘኽእለና እዩ" ኢሉ።
ብዘይካ’ዚ ብ 3 ነሓሰ እውን፡ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ሽወደን፡ ተቓወምቲ ድሕሪ ዝፈጠርዎ ናዕቢ፡ ልዕሊ 52 ሰባት ተሃስዮም፡ ልዕሊ 100 ተኣሲሮም እዮም።
እቶም ሰልፈኛታት ቴንዳታት ፈስቲቫል ኣፍሪሶምን ኣቃጺሎምን፤ ብዘይካ'ዚ ሓያለ መካይን ብሓዊ ከምዝተቓጸላ ተሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ቅድመኡ’እን፡ ኣብ ጊሰን - ጀርመን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከምዝሃረሙን ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ከምዝተኸፍተን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝካየድ ባህላዊ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን ከም ምንጪ ገንዘብን ኰይኑ የገልግል’ዩ ብምባል'ዮም ብዝሓት ዝቃወምዎ።
ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ዝፈለመ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክጽንበል ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሰብመዚ ኤርትራ፡ እቲ ፈስቲቫል ንባህላውን ማሕበራውን ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ምዃኑ'ኳ እንተመጐቱ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ናይቲ ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘተግብር'ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።