ደለይቲ ስራሕ ኣብ ኢንተርነት ከይንታለል እንታይ ንግበር?

ፓስዎርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊንክድኢን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጸሓፍቲ ትሕዝቶ ዝቘጽር ኩባንያ ዝሰርሕ መልማሊ ምዃኑ ዝገልጽ ሓደ ሰብ መልእኽቲ ሰዲዱለይ" ትብል ጸሓፊት ማርጎ ጋብሪኤል።

"ተገዳስነተይ ወሲኹ፡ ምኽንያቱ እቲ ስራሕ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክግዕዝን ስፖንሰር ናይ ስራሕ ቪዛ ክረክብን ዘኽእለኒ'ዩ። እቲ ሰብ ድሌት እንተሃልዩኒ ቃለመሕትት ከም ዝገብረለይ ሓቢሩኒ - ኣነ ድማ ድሌት ነይሩኒ።"

እቲ ስራሕ ብሓቂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘይኰነስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝዀነ ምስተነግራ ግን ተጠራጢራ። እቲ "መልማሊ" ድማ ብዛዕባ ዝርዝራት ብዙሕ ክገልጸለይ ኣይደለየን።

እታ ኣብ ፖርቱጋል እትነብር ጸሓፊት ምስ ሊንክድኢን ርክብ ምስ ገበረት መታለሊ ክኸውን ስለዝኽእል ክትዓግቶ ተመኺራ፡ ሕጂ ብዕድል ከምዝተረፈት ትኣምን።

ኣብ ሊንክድኢን ኣብ ካልኢት ልዕሊ 100 ናይ ስራሕ መመልከቲታት ኣብ ዝቐርቡሉ ዘለዉ እዋን፡ መታለልቲ ብሓሶት ዕድላት ስራሕ ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ ደለይቲ ስራሕ ዒላማ ምግባሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ብርግጽ፡ ብመሰረት መጽናዕቲ ትካል ድሕነት ኖርድሌየር፡ ኣብ ብሪጣንያ ዳርጋ ክልተ ሲሶ ካብ ተጠቀምቲ ዒላማ ተገይሮም እዮም።

ማርጎ ጋብሪኤል ካብ ምጭብርባር ብምድሓና ዕድለኛ ከምዝዀነት ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ, MARGO GABRIEL

መግለጺ ስእሊ, ማርጎ ጋብሪኤል ካብ ምትላል ብምድሓና ዕድለኛ ከምዝዀነት ትዛረብ

እቶም እቲ ናይ ሓሶት ናይ ስራሕ መወዓውዒታት ድማ ኣብ ሊንክድኢን ጥራይ ዝዝርግሑ ኣይኰነን፤ እቶም መታለልቲ ካልኦት ሓቀኛታትን ስም ዘለዎምን ናይ ስራሕ መርበባት’ውን ይጥቀሙ እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብቐጥታ ብኢመይል መልእኽቲ ብምስዳድ ዒላማ ይገብሩ ኣለዉ።

ዒላማ ንዝገበርዎም ሰባት ድማ ብክልተ መንገዲ እዮም ዘታልልዎም።

"ኣዝዩ መሳጢ ዝመስል ገለ መሰረታዊ ሓበሬታ ዘለዎ ዕድል ስራሕ ትረክብ፤ እንተጠዊቕካዮ ዝርዝር ናይቲ ትካልን ተራ ስራሕን ዝሓዘ መረዳእታ ዘርኢ መላግቦ ኣሎ" ይብል ኣብ ኤፍቲም ዝተበሃለ ፋይናንሳዊ ትካል ምልመላ ኣማኻሪ ዝዀነ ጀድረጅ ፒዚክ።

"ድሕሪኡ፡ ነቲ መላግቦ ምስ ጠወቕካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ገለ ገጽ ይወስደካ’ሞ ገለ ነገር ክተውርድ (ዳውንሎድ ክትገብርን) ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታ ሂብካ ክትኣቱ (ሎግ ኢን ክትገብርን) ትሕተት - መብዛሕትኡ ዝረኸብክዎ እዚ'ዩ።"

እቲ ውልቃዊ ሓበሬታ ድሕሪኡ መንነት ናይቲ ደላይ ስራሕ ንምስራቕ፡ ወይ’ውን ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት ወይ ብስሞም ልቓሕ ንምሕታት ከይተረፈ ክውዕል ይኽእል።

እቶም መታለልቲ፡ ግዳያት ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኦም ከካፍልዎም እዮም ዝደልዩ ይብል ጀድረጅ ፒዛክ

ምንጪ ስእሊ, FTEAM

መግለጺ ስእሊ, እቶም መታለልቲ፡ ግዳያት ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኦም ከካፍልዎም እዮም ዝደልዩ ይብል ጀድረጅ ፒዛክ

ካልእ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ምትላል ድማ፡ "ዝተዓወቱ" ኣመልከትቲ ስራሕ ኣቐዲሞም ገንዘብ ክልእኹ ምሕታት እዩ - እዚ ድማ ብተለምዶ ብቅድመ ክፍሊት ምትላል ይፍለጥ።

እቲ ገንዘብ ናይ ስልጠና፡ መዝገብ ገበን ከይህልዎም ንዝግበር ኣገልግሎት ተፍትሽ፡ ከም ቪዛ ዝኣመሰሉ ናይ መገሻ ክፍሊት መሸፈኒ ከምዝዀነን ደሓር ግን ከምዝወራረደሎምን እዩ ዝንገሮም።

ይዅን’ምበር፡ ብገለ ኣጋጣሚ ነቲ ዘውጽእዎ ገንዘብ ዝሽፍን ቸክ እንተተላኢኹ፡ ኣብ ባንክ ሕሳብ ዝዀነ ገንዘብ ስለዘይህሉ እቲ ቸክ ዋጋ ኣይህልዎን።

ብፍላይ ኣብ ተምሃሮን ሓደስቲ ተመረቕትን ክመጽእ ከሎ፡ ብዛዕባ መስርሕ ምልመላ ውሑድ ፍልጠት ክህልዎም ስለዝኽእል ንብዙሕ ጸገም ይቃልዑ’ዮም።

ብርግጽ፡ ብመሰረት ፕሩፍፖይንት ዝተበሃለ ትካል ድሕነት፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ብተኸታታሊ ዒላማ ምትላል ኰይኖም እዮም።

"ተምሃሮ ብኢንተርነት ጥራይ ንዝካየድ ተዓጻጻፍን ርሑቕን ስራሓት ዝያዳ ተቓላዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፤ ብፍላይ እቶም እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ንምትላል ዝለኣኹ ኢመይላት ምልላይ ክጽገሙ ተኽእሎ ኣሎ" ትብል ፕሩፍፖይንት ኣብ ዝተበሃለ ትካል ትንተና ስግኣት ሓበሬታ ላዕለወይቲ ተንታኒት ዝዀነት ሰሌና ላርሰን።

ኣብዚ ዓይነት ምትላል ዝርዝራቱ ከምዝተጨውየ ተመኵሮ ዘለዎ ሓደ ትካል ሚድያስፓርክ እዩ፤ ሓበሬታ እቲ ትካል ብመንገዲ ህቡባት መርበባት መድለዪ ስራሕ ኣቢሉ ግዳያት ዒላማ ንምግባር ውዒሉ እዩ።

እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ሰባት ንምትላል ዝለኣኹ ኢመይላት ብቐሊሉ ዘይከለልዩ ይኽእሉ እዮም ትብል ሰሌና ላርሰን

ምንጪ ስእሊ, PROOFPOINT

መግለጺ ስእሊ, እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ሰባት ንምትላል ዝለኣኹ ኢመይላት ብቐሊሉ ዘይከለልዩ ይኽእሉ እዮም ትብል ሰሌና ላርሰን

"እቲ ዕላማ ኣመልከትቲ ስራሕ፡ ነቲ ስራሕ ከመልክቱ'ሞ እቶም ኣስገርቲ ድማ ስሞም፡ ኣድራሻኦም፡ ቁጽሪ ተሌፎኖም፡ ኢመይሎም ወዘተ ክወስዱ እዩ ዝመስለኒ" ይብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ማቲው ጆርጅዮ።

"ብዛዕባ'ዚ ዝፈለጥኩ ገለ ኣመልከትቲ ስራሕ ብቐጥታ ሓጺር ታሪኽ ተመኵሮ ስራሕን ትምህርቶምን ስለዝሰደዱልና'ዩ።"

መድረኻት ከምዚ ዓይነት ምትላል ንምምካት ዝከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። ሊንክድኢን፡ 99.3 ሚእታዊት ካብቶም ናይ ምትላል መልእኽቲታት ብኣውቶማቲክ መከላኸሊታቱ ከምዝሕዝን፡ 99.6 ሚእታዊት ካብቶም ዝተረኽቡ ናይ ሓሶት ኣካውንታት እውን ኣባላት ቅድሚ ምሕባሮም ከም ዝዕገቱን ይገልጽ።

"ናይ ሓሶት ስራሕ ወይ ናይ ምትላል ንጥፈታት ንጹር ምጥሓስ ፖሊሲታትና'ዩ፡ ኵሉ ግዜ ድማ ኣባላትና ውሑስ ንኽዀኑ ንሰርሕ ኣለና" ይብል ወሃቢ ቃል ሊንክድኢን።

"እዚ ድማ ከም ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝኣመሰለ ቴክኖሎጂን ጕጅለታት ክኢላታትን ተጠቒምና እቶም ደረጃታትና ዘየማልኡን ናይ ሓሶት መወዓውዒታትን ምእላይ የጠቓልል።"

ሓላፊ ሚድያስፓርክ ማቴዎስ ጆርጅዮ ሓበሬታ ትካሉ ንምትላል ከምዝወዓለ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, MATTHEW GEORGHIOU

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ሚድያስፓርክ ማቴዎስ ጆርጅዮ ሓበሬታ ትካሉ ንምትላል ከምዝወዓለ ይገልጽ

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሊንክድኢን ተኸታታሊ ሓደስቲ መስርሓት ድሕነት ኣተኣታትዩ ኣሎ። ሓደ ካብዚኦም "ብዛዕባ እዚ ፕሮፋይል" ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ፕሮፋይል መዓስ ከምዝተጀመረን መዓስ ንመወዳእታ ግዜ ከምዝተመሓየሸን ዘርኢ እዩ። ብተወሳኺ ነቲ ፕሮፋይል ዝውንን ውልቀሰብ ምስ ኣካውንቱ ዝተኣሳሰር ዝተረጋገጸ ቍጽሪ ተሌፎን ወይ ናይ ስራሕ ኢመይል ኣለዎ ድዩ የብሉን እውን የመልክት።

ካልእ ድማ ኮምፒዩተራት ብኣብነት ክመሃሩ ዘኽእል ሜላ እዩ፤ እዚ ኣብ ዓሚቝ ትምህርቲ ዝተመርኰሰ ሞዴል፡ ሓደ ኣብ ፕሮፋይል ዝተለጠፈ ስእሊ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተፈጠረ ምዃኑን ዘይምዃንን ንምልላይ ብንጥፈት ይምርምር።

እዚ ንምግባር ድማ ከም ናይ ሓባር መዋቕራዊ ባእታታት ዝኣመሰሉ ረቀቕቲ ምልክታት ይእልሽ - ንኣብነት ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተፈጠሩ ምስሊታት ኣብ ከባቢ ዓይንን ኣፍንጫን ምምስሳል ኣለዎም።

ንተጠቀምቲ፡ ናብ ካልእ መድረኽ ዝወስድ መልእኽቲ ክመጸሎም እንከሎ እውን ገለ ጸገም ክህሉ ከምዝኽእል ይሕብሮም።

ሊንክድኢን፡ ደለይቲ ስራሕ ካብ ናይ ሓሶት መወዓውዒታት ንምክልኻል ዘኽእሉ ሓደሽቲ መስርሓት ከምዘተኣታተወ ይገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ሊንክድኢን፡ ደለይቲ ስራሕ ካብ ናይ ሓሶት መወዓውዒታት ንምክልኻል ዘኽእሉ ሓደሽቲ መስርሓት ከምዘተኣታተወ ይገልጽ

ካብዚ ብዝበለጸ ድማ ሊንክድኢን ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቶም መወዓውዕቲ ዝተረጋገጸ ኣካውንታትን ኢመይል ኣድራሻታትን ምሃቦም ንምርግጋጽ ኣብ ዘኽእል መስርሕ ፈተነ የካይድ ኣሎ። እዚ ደለይቲ ስራሕ፡ እቶም መወዓወዕቲ ሕጋውያን ምዃኖም ንምርግጋጽ ዘኽእሎም’ዩ።

ስራሕ ዘወዓውዑ መርበብ ሓበሬታታት እውን ዝከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። ዳይረክተር ሪድ ዝተበሃለ ጉጅለ ኪት ሮሰር፡ እቲ ኩባንያ ሕጋውነት ናይቶም መወዓውዒታቱ ንምርግጋጽ ኣውቶማቲክ መስርሕ መርመራ ከምዘካይድ ይገልጽ። እዚ ድማ ሓበሬታ ዓውዲ እቲ ኩባንያ፡ ኢመይል ኣካውንት፡ ዝርከበሉ ኣድራሻን ክፍሊት ዝፍጸመሉ ሕሳብን ምምርማር የጠቓልል።

ዝዀነ ኰይኑ ግን ደለይቲ ስራሕ እውን ብዝከኣሎም ዕዮ ገዛኦም ክሰርሑን ጥንቃቐ ክገበሩን ከምዘለዎም ኣይከሓድን።

ዝርዝር ሓደ መወዓውዒ ሓቀኛ ድዩ ኣይኰነን? እቲ ትካልከ ብሓቂ ዘሎን ሕጋዊን ድዩ? ነዚኦም ከየረጋገጹ ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታኦም እንተዘየካፍሉ ይምረጽ።