ሓያሎ ሰባት ዝቀዳደምሉን ሪጋ ዝሕዝሉን ዘለዉ ሻሂ 'ማቻ'

ሓርጭ ቀጠልያ ሻሂ ኣብ ጃፓን ቀንዲ ኣብ ረብሓ ዝውዕል ፍርያት እኳ እንተዀነ፡ ሕጂ ግን ብደረጃ ዓለም ዝውቱር ኰይኑ ኣሎ። እንታይ እዩ ክሳብ ክንድ'ዚ ሰሓቢ ዝገብሮ፣ ንዓናኸ ጽቡቕዶ ይኸውን?

ነዚ ፍሉይ ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ሻሂ ዝሓዙ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምርኣይ ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ሓያሎ ሰባት ዝመርጽዎ ዘለዉ ዓይነት ሻሂ ማቻ (matcha) እንታይ'ዩ?

ካብ ቲክቶክ ክሳብ ኢንስታግራም ዘለዉ ጸለውቲ፡ ንህቡብነት ናይቲ ካብ ቈጽሊ ማቻ ዝስራሕ መስተ ንምዕባይ ሓጊዞም'ዮም። እዚ ድማ መንእሰያት ዓማዊል ነቲ ጣዕሚ ከስተማቕሩ ኣብ ካፈታት ሪጋ ክሕዙ የገድዶም ኣሎ።

ማቻ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ጃፓን ብሰፊሑ ዝፈሪ ብዙሓት ዘዘውትርዎ ቀጠልያ ሓርጭ ሻሂ እዩ። ንዘመናት ዝጸንሐ ቀንዲ ፍርያት ኰይኑ፡ ኣብ ባህሊ ጃፓን ኣዝዩ ሱር ዝሰደደን ብተለምዶ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ወግዒ ሻሂ ዝቐርብን እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ ናብ ካልኦት ዘመናዊ ፍርያት እውን ተወሲኹ ክመጽእ ጀሚሩ'ሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውዑይን በረድን ላቴ፡ ድሕሪ መግቢ ኣብ ዝቐርቡ ምቁራት ነገራት (ዲዘርት)፡ ዋላ'ውን ኣብ ፍርያት ክንክን ቈርበትን ይረአ።

ማቻ፡ ካብ ተኽሊ 'ካሜልያ ሲነንሲስ' ብዝርከብ ቈጽሊ ዝስራሕ ዓይነት ቀጠልያ ሻሂ እዩ። ዝዳለወሉን ዝቐርበሉን መስርሕ ግን ካብ ብደቂቕ ተቘራሪጹ ብመልክዕ ቀጠፍ ወይ ብንእሽቶ መዐሸጊ ('ቲ ባግ') ዝቐርብ ስሩዕ ቀጠልያ ሻሂ ፍልይ ዝበለ እዩ። ማቻ ብልሑም ተጣሒኑ ኣብ ውዑይ ማይ ወይ ጸባ ሓዊስካ እዩ ዝስተ።

"ቀጠልያ ሻሂ ጥዕናዊ ረብሓታቱ ጽቡቕ መጽናዕቲ ተገይርሉ እዩ። ማቻ ድማ ዝያዳኡ ረብሓታት ሒዙ'ሎ። እንተዀነ፡ ኣብ ረብሓታቱ ዝያዳ መጽናዕቲ ክግበር ኣለዎ፡" ትብል ካናዳዊት ክኢላ ኣመጋግባ ሚራንዳ ጋላቲ።

ማቻ ግን ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝረበሉ ዘሎ ጽቡቕ ድዩ?

ጥዕናዊ ረብሓታት ማቻ

ማቻ ንኣካላትና ካብ ዕንወት ዋህዮታት ንምክልኻልን ንሓደጋ ሕዱር ሕማማት ንምንካይን ብዝሕግዙ ንጥረነገራት ጸረ-ኦክሲዳንት (antioxidants) ዝሃብተመ እዩ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮንኩክ ሴኡል ዘሕተምዎ መጽናዕቲ፡ ማቻ ካብ ስሩዕ ቀጠልያ ሻሂ ክሳብ 10 ዕጽፊ ዝበልጽ ጸረ-ኦክሲዳንት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ'ሎ።

ቀጠልያ ሻሂን ማቻን ዝተኣሳሰሩ እዮም። ቀጠልያ ሻሂ ብምኽንያት ዘለዎ ልዑል መጠን 'ኣንቲ-ኦክሲዳንት' ንምቕናስ ክብደት ሰብነት ይሕግዝ። መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ቀጠልያ ሻሂ፡ ኣብ ኣካልና መግብን መስተን ናብ ጸዓት ዝቕይረሉ መስርሕ (መታቦሊዝም)ን ምሕቓቕ ስብሒን ንኽሕይል የኽእል። እዚ ከኣ ብዝለዓለ መጠን ካፈይን ይሕገዝ።

ኣብ ሓደ ግዜ እንወስዶ ናይ ማቻ ላቴ (ሓደ ማንካ ፓውደር ማትቻ) ካብ ከባቢ 38-176 ሚሊግራም ካፈይን ይሕዝ። እዚ ካብቲ ልሙድ ኣብ ቡን እንረኽቦ መጠን ካፈይን ዝወሓደ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ካናዳዊት ክኢላ ኣመጋግባ ጋላቲ፡ ማቻ ብሰንኪ ዘለዎ ትሕዝቶ 'ኤል-ቴኒን' ኣሚኖ ኣሲድ፡ ካብ ቡን ቍሩብ ዝያዳ 'ዘህድእ ውጽኢት' ከም ዘለዎ ይሕሰብ ትብል።

"ኣብ ማቻ ዘሎ ኣሚኖ ኣሲድ ንስርዓተ መትኒ ረብሓ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ውጥረት ንምፍዋስ፡ ጭንቀት ንምቅላልን ድቃስ ምስኣን ንምንካይን ይሕግዝ፡" ትብል።

ገለ መጽናዕትታት ንገለ ካብቶም ኣብ ማቻ ዝርከቡ ከም ጸረ-ኦክሲዳንት ከምኡ'ውን ክሎሮፊል፡ ካፈይንን ኤል-ቲኣኒንን ዝኣመሰሉ ባእታታትን ሓዊሱ - ምስ ምምሕያሽ ስራሕ ሓንጎል የተኣሳስርዎ።

ካፈይን ኣብ ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ለውጥታት ከም ዘምጽእ፡ ኣብ መላእ ሓንጎል ንዝካየድ መሰርሕ ምቕያር መግቢ ናብ ጸዓት ከም ዝሕግዝ ከምኡ'ውን ንቕሓትን ዝኽርን ከም ዘዕቢ ይፍለጥ።

ኣብ ጃፓን ዩኒቨርሲቲ ሺዙኦካ ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ ማቻ ኣእምሮኣዊ ረብሓታት ክህብ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ካልእ መጽናዕቲ ከኣ 12 ኣረጋውያን (ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ዓሰርተ ደቂ ኣንስትዮን) ብምስታፍ ተኻይዱ። ሽዑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ መዓልታዊ ክልተ ግራም ሓርጭ ቀጠልያ ሻሂ ይወስዱ ነይሮም። እቲ ርኽበት፡ ምልክታት ምምሕያሽ ስራሕ ሓንጎል ከም ዘርኣየ ይሕብር።

ምሉእ ብምሉእ ግን ጽቡቕ ኣይኰነን

ከም ኵሉ ምንጪ ካፈይን፡ ማቻ'ውን ብመጠኑ ምውሳድ ጽቡቕ'ዩ።

ማቻ ካብ ቀጠልያ ሻሂ ዝያዳ ካፈይን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ካፈይን ምውሳድ ከም ጭንቀት፡ ድቃስ ምስኣንን ምውሳኽ ህርመት ልብን ዝኣመሰሉ ኣሉታውያን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል።

ካፈይን ንቕሓትካ ይውስኽ፣ እዚ ድማ ከም ጠቓሚ ክረአ ይኽእል። ይዅን እምበር፡ 'ተብኣስ ተብኣስ ወይ ብረር ብረር' ዝብል ስምዒት ከበግስ ዝኽእል መጠን ኣድሪናሊን ብብዝሒ ክለቅቕ ይኽእል።

እዚ ሆርሞን እዚ ንግዚኡ ጸዓት ይውስኽ። ግናኸ ስምዒታት ጭንቀት ወይ ጸቕጢ እውን ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ንዓበይቲ ዝምከር ዝለዓለ መዓልታዊ መጠን ካፈይን 400 ሚሊግራም እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ወይ ክልተ ኩባያ ማቻ ላቴ ዘይበዝሕ ጥራይ ክንሰቲ ይምከር።

ነቶም ንካፈይን ተኣፈፍቲ ዝዀኑ ሰባት፡ ማቻ ካብ ቡን ዝወሓደ ካፈይን ስለ ዘለዎ ዝሓሸ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መዘኻኸሪ ኣብ ጉዳይ ጽርየት

ማቻ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝያዳ ተፈታውነት እናረኸበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ እተፍርዮ ፍርያት ናብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ይለኣኽ።

ገለ ጸብጻባት፡ ምውሳኽ ጠለብ ማቻ ኣብ ጃፓንን ብደረጃ ዓለምን ሕጽረት ከስዕብ ከም ዝኽእል ይግምቱ።

ነዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ምላሽ ንምሃብ፡ ጃፓናውያን ኩባንያታት ሻሂ ኢፖዶ ቲን ማሩክዩ ኮያማንን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ ማቻ ገደብ ዕድጊ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ጸብጻብ ምኒስትሪ ሕርሻ ጃፓን ከም ዘመልክቶ እታ ሃገር ኣብ 2023 4,176 ቶን ማቻ ኣፍሪያ፤ እዚ ድማ ዳርጋ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ 2010 ዝነበረ መጠን ፍርያት'ዩ።

ዝያዳ ተጠላቢ እናዀነ ምስ ዝኸይድ ግን ብደረጃ ጽርየት እውን ዝተፈላለየ ከም ዝኸውን ምግማቱ ኣየጸግምን።

"ጽሬት ሓርጭ ማቻ ክፈላለ ይኽእል'ዩ፡" ክትብል እተጠንቅቕ ጋላቲ፡ "ንጥዕናዊ ረብሓታት ክትሰትዮ እንተኴንካ፡ ካብ እሙን ምንጪ ዝተዓደገ ምዃኑ ኣረጋግጽ፡" ትብል።

ገለ ካፌ ከም ሽኮር፡ ጣዕሚ ወይ መመቀሪ ዝኣመሰሉ ቀመማት ዝተወሰኾ ክህልዎም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ጥዕና ረብሕኡ ከዳኽሞ ይኽእል።