እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓዱሽ ሕብሪ' ተረኺቡ ድዩ?
ቅድሚ ሕጂ ብዝዀነ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓድሽ ሕብሪ ከም ዝረኸቡ ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ገሊጾም።
ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ናህሪ ጮራ ናብ ኣዒንቶም ብምብራህ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ነቲ ርኽበት ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኣብ ረቲናኦም ዝርከቡ ፍሉያት ዋህዮታት ክነቓቕሑ እንከሎ፡ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት 'ኦሎ' ኢሎም ዝጸውዕዎ ሰማያዊ-ቀጠልያ ሕብሪ ከምዝተዓዘቡ ገሊጾም።
ገለ ክኢላታት ግን ህላወ ሓድሽ ሕብሪ "ኣካታዒ" ከምዝዀነ ይሙግቱ።
እዚ ርኽበት ብዓርቢ ኣብ መጽሔት ሳይንስ ኣድቫንስስ እዩ ተሓቲሙ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሓባራዊ ጸሓፊ'ቲ መጽናዕቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ረን ንግ፡ ነቲ ውጽኢት "ዘደንቕ" ክብል ገሊጽዎ።
ንሱን መሳርሕቱን፡ እቲ ውጽኢት ኣብ ልዕሊ ሕብሪ-ዘይምፍላይ ዝያዳ መጽናዕቲ ክገብር ከም ዝኽእል እዮም ዝኣምኑ።
ኣብቲ ፈተነ ካብ ዝተሳተፉ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ ዝዀነ ፕሮፌሰር ንግ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ 'ኦሎ' ዝበልዎ ሕብሪ "ካብ ዝዀነ ኣብ ሓቀኛ ዓለም ክትሪኦ እትኽእል ሕብሪ ዝያዳ ጽዑቕ" ምዃኑ ገሊጹ።
ረቲና ኣብ ድሕሪት ዓይኒ ዝርከብ፡ ሓበሬታ ርእየት ናይ ምቕባልን ምምስራሕን ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል እዩ። ንብርሃን ናብ ኤሌክትሪካዊ ምልክታት ይቕይሮ እሞ፡ ድሕሪኡ ብመንገዲ መትኒ ኣቢሉ ርእየት ናብ ሓንጎል ምስ ዝበጽሕ ክንርኢ የኽእለና።
ረቲና ዋህዮታት 'ኮን' ዘጠቓልል እዩ፤ 'ኮን' ሕብሪ ናይ ምርዳእ ሓላፍነት ዘለዎም ዋህዮታት እዮም።
ኣብ ዓይኒ ሰብ ሰለስተ ዓይነት ዋህዮታት ኮን ኣለዉ - 'ኤስ'፡ 'ኤል' ከምኡ'ውን 'ኤም' ተባሂሎም ይጽውዑ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ብቕደም ተኸተል ንዝተፈላለየ ሕብርታት ሰማያዊ፣ ቀይሕን ቀጠልያን ተሃዋሲ እዮም።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ንቡር ርእየት፡ "ዝዀነ ንዋህዮ ኤም ኮን ዘነቓቕሕ ብርሃን፡ ነቶም ጎረባብቱ ኤልን/ወይ ኤስን'ውን ከነቓቕሖም" ከምዝግባእ ይጠቅስ። ምኽንያቱ ድማ ተግባሩ ምስኦም ዝደራረብ ስለዝዀነ'ዩ።
ይኹን'ምበር እቲ መጽናዕቲ፡ እቲ ጮራ ንኤም ኮን ጥራይ ከምዘነቓቕሐን፡ "እዚ ብመትከል ኣብ ተፈጥሮኣዊ ርእየት ፈጺሙ ዘየጋጥም ሕብራዊ ምልክት ናብ ሓንጎል ከምዝልእኽን" እዩ ዘመልክት።
እዚ ማለት ሕብሪ ኣብ ንቡር ዓለም 'ኦሎ' ብዘይ ሓገዝ ፍሉይ ምንቕቓሕ ብዓይኒ ሓደ ሰብ ክረአ ኣይኽእልን።
ገለ ክኢላታት ግን፡ እቲ ሓድሽ ዝተበሃለ ሕብሪ "ናይ ትርጉም ጉዳይ" እዩ ክብሉ ይምጉቱ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተሳተፈ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ሲቲ ሴንት ጆርጅ ሳይንቲስት ርእየት ዝዀነ ፕሮፌሰር ጆን ባርበር፡ እቲ መጽናዕቲ ንመምረጺ ዋህዮታት ኮን ኣብ ምንቕቓሕ "ቴክኖሎጂካዊ ቅያ" እኳ እንተዀነ፡ ርኽበት 'ሓድሽ ሕብሪ ግን ዘካትዕ'ዩ' ኢሉ።