ምምላጥን ምርጋፍን ጸጕሪ ንምግታእ ይከኣልዶ፡ ምትካል ጸጕሪኸ መፍትሒ ድዩ?

ምርጋፍ ወይ ምቍርራጽ ጸጕሪ ጾታ፡ ዓሌትን ሕብርን ኣይፈልን። ንዅሉ ሰብ ከጋጥሞ ዝኽእል ኵነታት'ዩ።

እዚ ኣብ ጸጕሪ ርእሲ ዝረአ ለውጢ ምስ ጸገም ጥዕና፡ ምውሳኽ ዕድመን ቅዲ ናብራናን ክተሓሓዝ ይኽእል።

ኤኒታን ኣግዲ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዕብየትን ምጕዳልን ጸጕሪ መጽናዕቲ እተካይድ ብዓልቲ ሞያ እያ። ብዛዕባ ጠንቅታትን መፍትሒታትን ምምላጥ ጸጕሪ ተሓቲታ መብርህን ማዕዳን ሂባ'ላ።

"ካብ ምጕዳል ጸጕሪ-ርእሲ ዘምልጥ ሰብ የሎን። ኣነ'ውን ብዛዕባ ክንክን ጸጕሪ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘለኒ ክነሰይ፡ ቅድሚ ሕጂ ምርጋፍ ጸጕሪ ኣጋጢሙኒ'ዩ፡" ትብል።

ኣብ ኣመሪካ ዝሕተም መጽሔት 'ደርማቶሎጂክ ሰርጀሪ' ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 18 ክሳብ 29 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ እቶም 16 ሚእታዊት ምምላጥ የጋጥሞም።

ኣብ 30 ክሳብ 39 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ 30 ሚእታዊት ክኸውን ከሎ፡ ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ካብ 40 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ምብራሕ ጸጕሪ ርእሲ የጋጥሞም።

ምምላጥ ጸጕሪ ብሕክምናዊ ኣገላልጻ 'ኣሎፐሽያ' ብዝብል ይፍለጥ። እዚ ኵነታት እዚ ንደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ዘተሓሳስብ እኳ እንተዀነ፡ ምጕዳል ጸጕሪ ርእሲ ግን ንደቂ ኣንስትዮ እውን ዓብዪ ስክፍታ እዩ።

ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ከም ዝሕብሮ፡ ኣስታት ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ምምላጥ ጸጕሪ የጋጥመን።

ምምላጥ ጸጕሪ ርእሲ ምግታእ ይከኣልዶ?

ሓኪም ቆርበት ዶክተር ኣንቻል ፓንት ከም እትብሎ፡ እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ክኸውን ዝግባእ ንብዓል ሞያ ምውካስ እዩ።

"ብፕሮቲን ዝሃብተመ ኣመጋግባ ንዕብየት ጸጕሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ እንተ ሃልዩ፡ መጀመርታ ከነዐርዮ ዘለና ንሱ'ዩ፡" ትብል።

ብዙሓት ሰባት ጸጕሮም ክምዘዝን ክረግፍን ከም ዝጀመረ ምስ ኣስተብሃሉ ከም 'ማይኖክሲዲል' ዝኣመሰሉ ቀመማት ዝሓዙ ክሬማት ወይ ንምንቃሕ ዝሕግዙ ቀመማት (ካፈይ)ን ዘለዎም ፍርያት ይጥቀሙ።

'ማይኖክሲዲል' መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ ፈሳሲ ወይ ዓፍራ እዩ ዝዳሎ። እዚ ቀመም (ከሚካል) ዋሕዚ ደም ናብ ሱር ጸጕሪ ክውስኽ ብምግባር ይፍለጥ። እዚ ድማ ንዕብየት ጸጕሪ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዶክተር ፓንዝ ግን፡ ማይኖክሲዲል "ምንካይ ጸጕሪ ክከላኸል ይኽእል እምበር ሓደስቲ ጸጕሪ ንኽበቝሉ ግን ኣይሕግዝን፡" ክትብል ተጠንቅቕ።

ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ንዘጋጥሞም ምምላጥ ጸጕሪ ክገትኡ 'ኬቶኮናዞል' ዝበሃል ቀመም ይጥቀሙ። ሰብሞያ ከም ዝብሉዎ እዚ ቀመም'ዚ፡ ፎሮፎር ንምክልኻል ጽቡቕ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ምኽንያቱ፡ ፎሮፎር ንምምላጥ ጸጕሪ ከጋድዶ ስለ ዝኽእል።

ኬቶኮናዞል ካብ ሚኖክሲዲል ብዝተፈለየ ኣብ ቆርበት መንበስበስትና (ማእከል ርእስና) ንዝበቍል ፋንጋስ ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ። ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሩዎ ድማ ኬቶኮናዞል ነቲ ጸጕሪ ዘጕድል 'ዲኤችቲ' ዝተባህለ ሆርሞን ክንክይ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለዎ።

"ብዙሓት ሰባት ምምላጥ ዝዀነ ነገር ተጠቂምካ ደው ዝብልን ጸጕሪ ተመሊሱ ዝበቍልን ገይሮም እዮም ዝሓስቡ። ግን ከኣ ከምኡ ኣይኰነን፤፣ ምምላጥ ጸጕሪ ደው ንምባል ዝሓሸ መገዲ ኵሉ ግዜ ምሕብሓብ'ዩ እቲ ዝበለጸ፡" ትብል ዶክተር ፓንዝ።

ቅዲ ናብራና ምቕያር

እንታይ ዓይነት ጸጕሪ ከም ዘለና ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።

ብዓልቲ ሞያ ጸጕሪ ኣግዲ ኣብቲ ኣፍሮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ጸጕሪ መጽናዕቲ ኣካይዳ እያ። ንሳ ከም እትብሎ፡ ኣዝዩ ስጡም ብዝዀነ መንገዲ ወይ ዝኸበደ 'ቁጥርጥር' ዝበሃል ቅዲ ዝስራሕ ጸጕሪ ከምኡ'ውን ብርሱን መተኰሲ ብተደጋጋሚ ዝስራሕ ጸጕሪ ብኣጋ ናይ ምምላጥ ሓደጋ ክሳጣሕ ከም ዝኽእል ትምዕድ።

"ጸጕርና ከመይ ገይርና ክንስርሖ ከም ዘለና ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ። ከብደት ዘለዎምን ስጥም ዝበሉን ቅዲታት ኣሰራርሓ ጸጕሪ ክንጥቀም ከለና፡ ኣብ ሱር ጸጕርና ጸቕጢ ክንፈጥር ንኽእል ኢና፡" ትብል።

ሱር ጸጕሪ ወይ ነቲ ሱር ዝሕዝ ኣካል ሽክና ርእስና ንዕብየት ጸጕሪ ኣገዳሲ እዩ። ርእስና ሓድሽ ጸጕሪ ንኸብቍል ዝሕግዞ'ውን ንሱ እዩ።

"ብሰንኪ ዝስርሕኦ 'ቅዲ' ጸጕሪ ንኽልተ ዓይነት ጸገም ምምላጥ ጸጕሪ ዝተቓልዓ ዓማዊል ኣጋጢመናኒ እየን፡" ትብል ኣግዲ።

ከም ምትካኽ ሽጋራ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ጸቕጥን ሕጽረት ድቃስን ዝበሉ መንቀሊ ምምላጥ ጸጕሪ ርእሲ ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ካልኦት ኣብ ግምት ከነእትዎም ዘለዉና ነገራት እዮም።

"ቆርበት ርእስና ቅብኣት ዘለዎ እንተዀይኑ፡ ጸጕርና መዓልታዊ ወይ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ምሕጻብ ከድልየና ይኽእል'ዩ፡" ትብል ዶክተር ፓንዝ።

ብኣንጻሩ ደረቕ እንተዀይኑ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ምሕጻብ ከም ዝምከር እታ ክኢላ ትዛረብ።

ምትካል ጸጕሪ እቲ ዝቐለለ ኣማራጺ ድዩ?

ምትካል ጸጕሪ ማለት ብመብጣሕቲ ዝካየድ መስርሕ ምትካእ ዝመለጠ ጸጕሪ እዩ። ብዙሓት ሰባት ጸጕሮም ብሰብ ሞያ ኣትኪሎም ጽባቕኦም ከወስኹን ርእሰ ተኣማንነቶም ከዕብዩን ይደልዩ።

ምትካል ጸጕሪ ክቡር እኳ እንተዀነ፡ ውጽኢታውነቱ ግን ዘጠራጥር ከም ዘይኰነ ዶክተር ፓንዝ ትዛረብ።

ድሕሪ ምትካል ጸጕሪ ምሕብሓብ እንተ ኣቋሪጽናዮ ግን ኣብ ውሽጢ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት እቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጕርና ተመሊጡ እቲ ዝተተኽለ ጸጕርና ጥራሕ ክተርፍ ከም ዝኽእል እታ ዶክተር ተረድእ።