እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጽፍርና ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናና እንታይ ከመልክት ይኽእል?
ኣብ ኣጻብዕትና ዘሎ ጽፍሪ ነቲ ብታሕቲ ዘሎ ቆርበት ካብ መጉዳእቲ ንምክልኻል ይሕግዝ፤ ንምሕኻኽን ምቅራፍን እውን ኣብ ረብሓ ይውዕል። ብዛዕባ ጥዕናና ግን እንታይ ይገልጽ?
[ኩሉ ኣብ ውሽጢ እዚ ጽሑፍ ዘሎ ትሕዝቶ ንሓፈሻዊ ሓበሬታ ጥራይ ዝተዋህበ'ምበር ከም መተካእታ ሕክምናዊ ማዕዳ ሓኪም ወይ ካልእ በዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ክውሰድ የብሉን።]
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጽፍርና ዝፍጠር ጻዕዳ ንጣብ ዝመስል ነገር 'ሉኮኒክያ' ብዝብል ይፍለጥ። ምልክት ሕጽረት ካልሸም ምዃኑ ድማ ይግለጽ። ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ጽፍርና ዝረኣዩን ምስ ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናና ብዝተሓሓዝ ዝዘረበሎምን ተርእዮታት ኣለዉ። እዚ ሓሳባት እዚ ግን ሓቅነት ኣለዎ ድዩ?
ጽፍሪ መቐጸልታ ቆርበት እዩ። ካብ 'ኬራቲን' ድማ ይስራሕ። ኬራቲን ጽፍሪ ንኽፍጠር ዝሕግዝ ዓይነት ፕሮቲን እዩ።
ኣብ መሰረት ናይቲ ጽፍሪ ዝርአ ፍርቂ ወርሒ ዝመስል ቅርጺ 'ሉኑላ' ዝበሃል ኮይኑ፡ ከም "ማእከል ዕብየት" ጽፍሪ ብምዃን የገልግል።
ኩነታት ጽፍርና ዶካትር ንጥዕናና ክግምግሙ ዘኽእሎም መበገሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሓካይም ካብ ጥዕና ቆርበት ክሳብ ሕማም ኩሊት ንዝበሉ ጸገማት ንምፍላጥ ከም መበገሲ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ።
ምልክት ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ጥዕና
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ሓፈሻዊ ሓኪምን መምህር ኒውሮሳይንስን ፊዚዮሎጂን ዝኾነ ዳን ባውምጋርድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ካብ ዝተመሃሮም ቀዳሞት ነገራት እቲ ሓደ፡ 'ክላቢንግ' ዝበሃል ነገር ከምዝኾነ ይጠቅስ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ጽፍርን ዓራት ጽፍርን ዝፍጠር ጸገም ምፍልላይ (ዘይምልጋብ) እዩ።
ክላቢንግ ኣብ ዘጋጥም፡ እቲ ጽፍርና ዝጥቀዐሉ ክፋል ኣጻብዕትና (ዓራት ጽፍሪ) ይልስልስሞ፡ ጽፍርና ኣብ ክንዲ ምስ ኣጻብዕቲ ኣጽኒዖም ዝጣበቑ ዳርጋ ተነጺሎም "ዝንሳፈፉ" ይመስሉ።
ጫፋት ኣጻብዕቲ እውን ዓበይቲ ወይ ዝተበላሸዉ ይመስሉ።
ነዚ ስዒቡ ኣጻብዕቲ ኣብ ጫፎም ክብብ ዝበለ ዘይተለምደ ዓይነት ሕበጥ ከምዘስዕቡ ባውምጋርድ የረድእ።
ተርእዮ ፋንጋስ
ክላቢንግ ኣብ ደም ኣዝዩ ትሑት መጠን ኦክስጅን ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ብብዝሒ ከኣ ምስ መንሽሮ ሳንቡእ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ምስ ጸገማት ልቢ ዝተሓሓዝ ኩነታት ከመልክት ይኽእል። ስለዚ ምልክት ክላቢንግ ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝህሉ ብቕልጡፍ 'ኤክስረይ' ክረኣይ ምግባር የድልይ።
"ምኽንያቱ ብኣጋ ዝረአ ዘሎ ምልክት መንሽሮ ሳንቡእ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ዳን ባውምጋርድ።
ኣብ ጽፍሪ ዝወጽእ ጻዕዳ ምልክት - 'ሉኮኒክያ' ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ሕጽረት ቪታሚን ወይ ማዕድናት ዘመልክት ምዃኑ ይንገር።
ብሓፈሻ ሉኮኒክያ ውጽኢት ናይ ጽፍሪ ማህሰይቲ ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ። ኣጻብዕቲ እግሪ ኣብ ዝውቅዑ፤ ጽፍሪ ኣጻብዕትኻ ኣብ ማዕጾ ምስ ስቕርጠምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ምኽንያታትን ከምዚ ዝኣመሰለ ምልክት ክስዕብ ይኽእል።
ኣብ ጽፍሪ ጻዕዳ ሕብሪ እንተወጺኡ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ጉዳይ ከም ዘሎ ክሕብር ይኽእል። ንኣብነት እቲ ኣብ ጽፍርና ዝወጽእ ጻዕዳ ነገር፡ ምልክት ናይቲ ብሊድ ወይ ኣርሰኒክ ዝተብሃሉ ባእታታት ዝተመርዘ ከቢድ ሓጺን ክኸውን ይኽእል።
ጻዕዳ ሕብሪ ጽፍሪ ምልክት 'ሶርያሲስ' ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሕዱር ሕማም ቆርበት ኮይኑ፡ ልዑል ነድሪን ምቅርራፍ ቆርበትን የስዕብ።
ምሉእ ጽፍሪ ጻዕዳ እንተኾይኑ ከኣ ኣብ ደም ሕጽረት ፕሮቲን ከምዘሎ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ሕማም ኩሊት፡ ሕማም ጸላም ከብዲ ወይ ሕማም ሽኮር ከመልክት ይኽእል።
ሰማያዊ ሕብሪ ጽፍሪ ኣብ ዘጋጥም ድማ ኣካላትና ኦክስጅን ይጎድሎ ምህላዉ ዘርእይ ምልክት እዩ። እዚ ከኣ ምልክት ከቢድ ሕማም ልቢ ክኸውን ይኽእል፤ ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምርመራ ሕክምና ምግባር የድሊ።
ኣብ ትሕቲ ጽፍሪ ምፍሳስ ደም እንተሃልዩ፡ እሞ ድማ ቀልጢፉ እንተዘይሓውዩ ከቢድ ነገር ከመልክት ይኽእል።
"እዚ ነድሪ ሰራውር ደም" ዘመልክት ክኸውን ከምዝኽእል ባውምጋርድ የርድእ።
ካልኦት፡ ዝያዳ ልሙዳት ኩነታት ጥዕና እውን ንጽፍሪ ብምርኣይ ጥራይ ምልላእ ይከኣል። ሓካይም ንተሓካሚ ክምርምሩ ከለዉ፡ ንሕብሪ፡ ርጉድን ቅርጽን ጽፍሪ ይግምግሙ።
ንኣብነት ኣብ ሓደ ጥዑይ ጽፍሪ፡ እቲ ብታሕቲ ዘሎ ዓራት ጽፍሪ ብዘይካ እቲ ጻዕዳ ዝሕብሩ ጫፋት ዝተረፈ ክፋሉ ግን ሮዛ ሕብሪ ክኸውን ኣለዎ።
"ኣብ ኣጻብዕቲ እግርኻ ብፍላይ ጽፍሪ ጻዕዳ ወይ ብጫ ሕብሪ እንተርኢኻ፡ እዚ ምልክት ፋንጋስ'ዩ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃል መምህር ሕክምና ቁስሊ ዝኾነት ሆሊ ዊልኪንሰን።
ዝሰባበር ጽፍሪ
ቅርጺ ጽፍሪ ኣጻብዕትና ካልኦት መሰረታዊ ጸገማት ጥዕና ከመልክት ይኽእል'ዩ። ጥዑያት ጽፍሪ ኣጻብዕቲ እግርን ኢድን ቁሩብ ዕጽፍ ዝበሉ ['ኮንቬክስ' (ጎብጓብ)] ክኾኑ ኣለዎም።
ዝኾነ ሕበጥ ወይ ጉድጓድ ክሕዙ የብሎምን። ጽፍርና ንውሽጢ ዝኣተወ (ጥምሱቕ ዝበለ) ከምኡ'ውን ቀጢንን ስብርባርን ዝመስል እንተሃልይዎ 'ኮይሎኒክያ' ከም ዘለና ምልክት ክኸውን ይኽእል። እቲ ኩነታት መብዛሕትኡ ግዜ "ማንካ ጽፍሪ" [spoon nails] ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ጽፍርና ምስ ቅርጺማንካ ዝመሳሰል እንተኾይኑ፡ ምልክት ዋሕዲ ደም ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣካላትና ናብ መትንታት ዝበጽሕ ኦክስጅን ንምስካም ዝሕግዙ እኹላት ጥዑያት ዋህዮታት ደም ዘይምህላዎም ዝገልጽ'ዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ጽፍሪ ዘጋጥም ገለ ለውጢ ንሕጽረት መግቢ ከመልክት ይኽእል። ገለ ሰባት 'ቢዮላይንስ' ብዝብል ዝፍለጡ ንጎኒ ዝኸዱ መስመራት ኣብ ጽፍሮም ይረኣዮም። እዚ ድማ እኹል ፕሮቲን ዘይምህላው ከመልክት ይኽእል።
ይኹን እምበር፡ እዚ ባህሪ'ዚ ምልክት ሕማም ሽኮርን ሕማም ሰራውር ደምን'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ።
እዚ ጸገም'ዚ ናብ ዝተወሰኑ ክፋላት ኣካላትና ዝዘውር ደም ምንካይ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ምትእኽኻብ ስብሕን ኮለስትሮልን ኣብ ሻምብቆታት ደም የጋጥም፤ ስለዚ ብቕልጡፍ መርመራ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጽፍሪ ዝረአ ለውጢ ብጸገማት ጥዕና ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ኩነታት ኣነባብራ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብ'ኦኒኮስኪዝያ' ዝፍለጥ ጸገም ምቕላጥ ጽፍሪ፡ ጽፍሪ ካብ ቦትኡ ተፈልዩ ንድሕሪት ክቕልቀል ከሎ እዩ ዘጋጥም።
"ኦኒኮስኪዝያ ውጽኢት ካብ መጠን ንላዕሊ ምሕጻብ ኢድ፡ ምንቃጽ ጽፍሪ ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማ ኣክሪሊክስን ካልእ መጽረዩ ጽፍሪን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዘ ማውንት ሲናይ ፕሮፌሰር ሕክምና ቆርበት ዝኾነ ጆሹዋ ዛይክነር።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጽፍሪ ዝመጽእ ለውጢ ጐዳኢ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ከኣ ንነዊሕ ዝጸንሕ ለውጢ ቅርጺ፡ ሕብሪ ወይ ቅርጺ እንተተዓዚብና ብቕልጡፍ ማዕዳ ሓኪም ክንውከስ ይግባእ።