እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ 'ኣርተፊሻል ፀጉሪ' ካብ ውድድር ጽባቐ ዝኽልከላ ዘለዋ ወይዘራዝር
ወይዘራዝር ኤርትራን ተጋሩን [ኢትዮጵያን] ኣብ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ፅባቐ፡ ክሳተፋን ክዕወታን ይረአያ።
መስፈርቲ ፅባቐ ካብ ቦታ ናብ ቦታን ካብ ግዘ ናብ ገዘን ክቀያየር ዝኽእል እንተዀነ'ኳ፡ ብሓፈሻ ኣካላዊ ቅርፅን ውሽጣዊ ብስለትን ኣብ ብዙሓት መስርሕ ውድድራት ግብራዊ ክኸውን ንዕዘብ።
መብዛሕትኡ ግዜ ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ክረአየሉ ዝበሃገሉ እዚ ዓውዲ፡ ምጥቃም እታወታት መመላኽዒ ክሳብ ክንደይ ዝብል ከዘራርብ ፀኒሑ እዩ።
ሕዚ ድማ፡ ዛዕባ 'ኣርተፊሻል ፀጉሪ' ዓለም የዘራርብ ኣሎ።
ሓንቲ ካብተን ኣህጉራውን ሃገራውን ውድድራት መድረኻት ፅባቐ ዘተኣናግዳ ሃገራት ዝዀነት ኣይቮሪኮስት፡ ዘውፀአቶ ሓድሽ ሕጊ እዩ መበገሲ እቲ ክትዕ።
ደቂ'ታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ካብ ኣከዳድና ጀሚሩ ክሳብ ኣሰራርሓ ጸጉሪ-ርእሲ ኣብ መልክዓን ብዙሕ ወፃኢታት ከምዝገብራ እዩ ዝንገር።
ገለ ውሑዳት ድማ ነቲ ተፈጥሮኣዊ መልክዐን ዝመርፃ ኣይሰኣናን።
ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ውድድራት ፅባቐ ክልተ ፍሉያት ኣጋጣሚታት ኣጓኒፎም ኣለዉ።
እቲ ናይ ቀረባ እዋን እንተሪእና፡ ማርለን-ካኒ ኩዋሲ ዝተብሃለት ኣብ 2022 ዋንጫ ወይዘሪት ኣይቮሪኮስት ዝወሰደት እያ።
ብሓጺር ተፈጥሮኣዊ ጸጉራ ደሚቓኣ፡ እቲ ዘውዲ ድማ እንኰ ስልማታ ኰይና ይረአ።
ዓወታ ኣብ ኣይቮሪኮስት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ዘይተለምደ ኮይኑ፡ ንዘመናት ሱር-ዝሰደደ ደረጃታት ጽባቐ-ምዕራባውያን ዝጻረር እዩ።
ነተን ተወዳደርት ዀነ ነቶም ደያኑን፡ እቲ ንውድድር ዝድለ መልክዕ፡ ካብቲ ዝተለምደ ወፃእ ነይሩ።
እቲ ለውጢ ግን ቀስ ብቐስ ዝስፋፋሕ ዘሎ ይመስል።
ዝሓለፈ ታሕሳስ ፀላም ኣንጀሊክ ኣንጋርኒ-ፊሎፖን፡ ካብ ካሪብያን ደሴት ማርቲኒክ፡ ወይዘሪት ፈረንሳ ክትከውን ከላ ኣብ ኣርእስታት ዜና ኰይና ቀንያ ነይራ።
ብቐንዱ ብምኽንያት ዕድሚኣ - ጓል 34 ዓመት ምዃና እዩ።
ሓድሽ ሕጊ
ሎሚ ዓመት ግን ኣዳለውቲ ውድድር ኣይቮሪኮስት ካብ መጀመርታ ንመልክዕ እቲ ውድድር ይቕይሩዎ ኣለዎ።
ኣብ መላእ ሃገር ኣብ 13 ከተማታት (ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዲያስፖራ ኣብ ክልተ ከተማታት) ዝካየድ ውድድር፡ ዊግ፡ ስፌትን ምውሳኽ [ኣርቴ] ጸጉርን ካብ'ቲ መድረኻት ወድድር ተኣጊዱ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣሰናዳኢት ኮሚተ ወይዘሪት ኣይቮሪኮስት ቪክቶር ያፖቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እተን ሕጹያት ተፈጥሮኣዊ ጥራይ ክዀና ኢና ንደሊ፤ ዝተቖነነ ጸጉሪ፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ክኸውን ኣለዎ። ጽባቐ ተፈጥሮኣዊ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
ኣይቮሪኮስት እታ እንኮ ነቲ እገዳ ንሃገራዊ ውድድር ተተግብር ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።
ሚስተር ያፖቢ፡ እቶም ኣብ ኣይቮሪኮስት ዝርከቡ ኣዳለውቲ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ንምስፋሕ ክጽዕሩ ከምዝጸንሑ ይዛረብ።
ንኣብነት፡ ብ 'ሰርጀሪ' ይኹን ብተመሳሳሊ ኣብ ቆርበት ዝግበር ዝዀነ ምጽብባቕ ኣይፍቀድን ፀኒሑ።
"ሎሚ ዓመት ብሓቂ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ እዘን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንምርኣይ ወሲንና" ኢሉ።
'ንባዕለይ መሲለ'
ካልኦት ለውጥታት እውን ተግባራዊ ኮይኖም ኣለዉ።
ሓጸርቲ ደቂ ኣንስትዮ ክወዳደራ ምፍቃድ አቲ ሓደ እዩ፤ እቲ ዝተሓተ ቁመት ሕዚ 1.67m (5.4ft) ኮይኑ፡ ዕድመ ብሰለስተ ዓመት ናብ 28 ክብ ክብል ተገይሩ።
ከምኡ ድማ፡ ንመእተዊ ክፍሊት ብልዕሊ $30 ወረዱ $50 ኣመሪካን ዶላር ክኸውን ተገይሩ።
"እዚ ናይ መዐቀኒ ለውጢ፡ እዘን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንኽሳተፋ ብዙሕ ገንዘብ ከውጽኣ ስለዝተዓዘብናዮ'ዩ፡ ቁሩብ ድማ ናይ ገንዘብ ሕፅረት ከጋጥመን ስለዝረእና እዩ"።
ቢቢሲ ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሃውት-ሳሳንድራ እትርከብ ቀንዲ ከተማ ዳሎኣ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ መባእታዊ ውድድር ምስ ተፀምበረ፡ ሓንቲ ተወዳዳሪት በቲ ሓድሽ ሕግታት ኣዝዩ ተሓጒሳ ተዓዚቡ።
ዊግ [ኣርፈተፊሻል ጸጉሪ] ዘይምግባር ስለ እትመርጽ፡ ዝሓሸ ናይ ዓወት ዕድል ዝሃባ ኮይኑ ተሰሚዕዋ።
ኣብ ምውዕዋዕ እትሰርሕ፡ ጓል 21 ዓመት ኤማኑኤላ ዳሊ፡ "ካልኦት ነዊሕን ኣርቲፊሻልን ጸጉሪ ዘለወን ኣዋልድ፡ ኣዝየን ጽቡቓት ይመስላ ነይረን" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"እዚ ሕጊ ከም ጓል ኣንስተይቲ፡ ብፍላይ ድማ ከም ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝያዳ ሓበን ይህበኒ።"
እዚ ስጉምቲ ኣብ'ታ ዊግን ቁኖን ልሙድ ዝኰነላ መላእ ሃገር ውዕዉዕ ክትዕ ኣለዓዒሉ'ሎ።
ከም ምርጫ ፋሽን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዊግን ስፌትን ዝፈቕደለን ፈጠራ ይፈትዋ እየን።
እዚ ድማ ብገለ ተወዳደርቲ ዳሎኣ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ እቲ ሕጊ ንሓደ ባእታ ውልቃዊ መግለጺ ዘወግድ ኮይኑ ተሰሚዕዎን።
ተወዳዳሪትን ስነጥበባዊት ሜክኣፕን ኣስትሪድ መነኮው፡ "ኣነ ደጋፊ ዊግስ [ኣርቴ] እየ። ዊግስ ኣዝየ እየ ዝፈቱ" ኢላ።
እታ ጓል 24 ዓመት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፈለማ በቲ 'ኣርተፊሻል ጸጉሪ ምግባር ኣይፍቀድን" ዝብል ቅድመ ኩነት ከም ዝሰንበደት ገሊጻ።
"እዚ ሕጊ'ዚ ኣይተጸበኹዎን! ሕዚ ግን? ጸጉረይ ደስ እዩ ዝብለኒ፡ ጽቡቕ'ዩ።"
እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነተን ተወዳደርቲ ብዛዕባ ኣምር ጽባቐ ዝያዳ ክሓስባ ገይርዎን ኣሎ።
እዩ።
እቲ ስጉምቲ፡ ከም ናይ ላቲትያ ሞሩፊ ገለ ሱር ዝሰደደ ኣተሓሳስባ ይቕይር ኣሎ።
እታ ጓል 25 ዓመት ተማሃሪት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ዝሓለፈ ዓመት፡ ጽባቐ ማለት ከምኡ'ዩ ኢለ ስለዝሓሰብኩ፡ 'ኣርቴ' ፀጉሪ ወሲኻ ነይረ" ኢላ።
"ሎሚ ዓመት፡ ባዕለይ ብምኳነይ ዝያዳ ርእሰ ተኣማንነት ይስምዓኒ።"
ካልኦት ስምዒታት
እቲ ስጉምቲ ካብቲ ውድድር ሓሊፉ፡ ኣብ ዓለም ንዘሎ ኣተሓሳስባታት ክጸልዎ እንተኾይኑ፡ ዓቢ ቁጠባዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ፀጉሪ-ሰብ [ሁይማን ሀየር]፡ ግቡእ ክንክን እንተተገይሩሉ ንዓመታት ክጸንሕ ዝኽእል ኰይኑ፡ ካብ 200 ክሳብ 4000 ዶላር ዝግመት ዋጋ ይሽወጥ።
'ኣርቴ' ድማ ኣስታት ካብ 10 ክሳብ 300 ዶላር ይሽየጥ።
ኢንዱስትሪ ጸጉሪ ኣይቮሪኮስት ኣብ ዓመት ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ ዊግ ካብቲ ዕዳጋ ርኡይ ብጽሒት ኣለዎም።
ኣብ ዳሎኣ እትርከብ ጓል 30 ዓመት ኣንጀ ሲ፡ "እዚ ሕጊ ንዓና ጽቡቕ ኣይኮነን" ክተብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዊግ ይፈትዋ እየን። እዚ ንንግድና ክጎድኦ'ዩ፡ ብዊግን ቁኖን ክንሰርሕ ከለና ድማ ዝያዳ ገንዘብ ንረክብ።"
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ምንቅስቓስ ተፈጥሮኣዊ-ጸጉሪ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ግን፡ ባህሊ 'ኣርቴ' ክሳብ ክንደይ ሱር ከም ዝሰደደ ዘርኢ እዩ።
ቀደም ጸጉርኻ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምቕራብ፡ ከም ዘይሞያዊ ዝቑጸር ዝነበረ ኮይኑ፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮኾባት ቲቪ ኣብ ስክሪን ወይ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ብናይ ባዕለን ጸጉሪ ክረአያ ልሙድ ኣይነበረን።
ኣብታ ቀንዲ ከተማ ኣቢጃን ኣብ ኣይቮሪኮስት እትርከብ ክኢላ ጸጉርን ቆርበት ርእስን ፍሎረንስ ኤድዊጅ ናንጋ ከም እትብሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣይቮሪኮስት ክሳብ ሕጂ ከምኡ እዩ።
"እቲ ቲቪ [ኣብዚ] ወልዓዮ፡ ዳርጋ ኩለን ጋዜጠኛታት ዊግ ገይረን ክትሪአን ኢኻ" ክትብል እታ ትሪኮሎጂስት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"እዚ ናይ ጽባቐ ምምልኻዕ፡ ፋሽን'ኳ እንተኾኑ፡ ጸገማት'ውን ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም፤ ከም ምጉዳእ ቆርበት ወይ ረኽሲ ቆርበት ርእሲ ዘምፅእ እዩ" ክትብል ኣጠንቂቓ።