ጃፓን፡ ኣብ 2024 ጥራይ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ገዝኦም ሞይቶም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጃፓን ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 2024 ዓ.ም ጥራይ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ገዝኦም ንበይኖም ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ጸብጻብ ፖሊስ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።
ካብዚኦም ናይቶም 4 ሽሕ ሰባት ኣስከሬን፡ ካብ ዝሞቱ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዝተረኽበ ዝሓበረ ጸብጻብ ኤጀንሲ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ካልኦት 130 ሬሳታት ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ሰብ ከይረኣዮም ምጽንሖም ኣፍሊጡ።
ብዝሒ ኣብታ ሃገር ንበይኖም ዝነብሩን ዝሞቱን ሰባት ናብዚ ደረጃ ምብጽሑ ከኣ ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝመጽአ ዘሎ ጸገም ምብዛሕ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት [ዋሕዲ ሓድሽ ወለዶ] ዘርእይ ጸብጻብ ምዃኑ እቲ ኤጀንሲ ጠቒሱ።
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ ጃፓን ብብዝሒ ኣረጋውያን (ሰብ ጸጋ ዕድመ) ዜጋታት ኣብ ዓለም ቅድሚት እትስራዕ ሃገር እያ።
መረዳእታ ሃገራዊ ኤጀንሲ ፖሊስ ጃፓን ከምዘመልከቶ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2024 በይኖም ዝነብሩ ዝነበሩ 37,227 ሰባት ኣብ ገዝኦም ሞይቶም ተረኺቦም። ካብዚኦም እቶም 70 ሚኢታዊት ከኣ ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን እዮም።
ካብቶም ጠቕላላ ዝሞቱ ናይቶም 40 ሚእታዊት ሬሳታቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ክርከብ እንከሎ፡ 3,939 ሰባት ድማ ድሕሪ ሞቶም ሓደ ወርሒ ከምዝተረኽበ ጸብጻብ ፖሊስ የመልክት።
ኣስታት 130 ሬሳታት ከኣ ሰብ ከይረኣዮም ልዕሊ ሓደ ዓመት ሓሊፍዎም።
እቶም 7 ሽሕን 498ን ዕድሚኦም 85 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት ክኾኑ እንከለዉ፡ 5 ሽሕን 920ን ካብኣቶም ድማ ካብ 75 ክሳብ 79 ዓመት ዕድመ ዝነበሩ እዮም።
መንግስታዊ መደበር ተለቪዥን ጃፓን - ኤንኤችኬ - ከም ዝጸብጸቦ፡ ፖሊስ ብዛዕባ’ቲ መንቀሊኡ ብንጹር ዘይተፈለጠ ሞት ኣሽሓት ሰባት ዝምልከት ጸብጻብ ናብ መንግስቲ ኣቕሪቡ’ሎ።
ቁጽሪ ናይቶም በይኖም ዝነብሩ 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ዜጋታት ክሳብ 2050 ኣብ ዘሎ እዋን 10.8 ሚልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ከምዘሎ ትካል መጽናዕቲ ሃገራዊ ድሕነት ጃፓን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣፍሊጡ ነይሩ።
መንግስቲ ጃፓን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ብኸፊል ምስ ምውሳኽ ቁጽሪ ኣረጋውያን ተታሓሒዙ ዝመጽእ ጸገም ጽምዋን ተነጽሎን ንምፍታሕ ዘኽእል ሕጊ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከምዘተኣታተወ ይግለጽ።
እታ ሃገር ንዘጋጠማ ዘሎ ጸገም ምንካይ ብዝሒ ህዝብን ምውሳኽ ቁጽሪ ኣረጋውያንን ንምፍታሕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ትፅዕር እኳ እንተሃለወት ክተዐውቶ ግን ከቢድዋ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፉሚዮ ኪሺዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ኣብ ሃገሩ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወሊድ ክዛረብ ከሎ “ከም ሕብረተሰብ ክንቅጽል ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና” ክብል ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።
ገለ ጎረባብታ ዝኾና ሃገራት’ውን ምስ ብዝሒ ህዝቢ ብዝተሓሓዝ ተመሳሳሊ ብድሆታት የጋጥመን ኣሎ።
ቻይና ድሕሪ 1960ታት ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ ህዝባ ክንክይ ተራእዩ።
ደቡብ ኮርያ እውን ብተመሳሳሊ ትሑት መጠን ወሊድ ኣመዝጊባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







