ቡርኪናፋሶ፡ ኣንጻር ትራኦረ ዝተኣልመ 'ዓቢ' ውዲት ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፈሸለ ተገሊጹ

ካፒተን ኢብራሂም ትራኦረ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ንመራሒኡ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ንምውዳቕ ዝተገብረ "ዓቢ ውዲት" ከምዘፍሸለ ኣፍሊጡ። ፈጸምቲ እቲ ውዲት ንጐረቤት ሃገር ኣይቮሪኮስት መበገሲኦም ዝገበሩ ምዃኖም ገሊጹ።

ሚኒስተር ጸጥታ ማሃማዱ ሳና፡ እቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምስ "መራሕቲ ግብረሽበራውያን" ብዝሰርሑ ናይ ሕጂን ቅድምን ወተሃደራት ከምዝተመርሐ ተዛሪቡ።

እቲ ውጥን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት መጥቃዕቲ ምፍጻም ከምዝነበረ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ዕላማ ናይቲ ውጥን ከኣ፡ ኣብታ ሃገር "ፍጹም ህውከት ንምውላዕ፡ ከምኡ'ውን ነታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዓለምለኻውያን ኣካላት ንምእታው" ምንባሩ ሳና ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ብምቕራብ ኣፍሊጡ።

እዚ ነቲ ኣብ 2022 ስልጣን ዝሓዘ መራሒ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምእላይ ካብ ዝተገብሩ ተደጋገምቲ ፈተነታት እቲ ናይ ቀረባ ኰይኑ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዕጡቓት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ቡርኪናፋሶ ልክዕ ከም ጐረባብታ ሃገራት ሳሕል ምስ ዕጡቓት ጅሃዳውያን ጕጅለታት ክትዋጋእ ጸኒሓ እያ፤ ብማእከላይ ገምጋም 40 ሚእታዊት ካብታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ይርከብ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ካፕተን ትራኦረ፡ ጸጥታ ንምምሕያሽ መብጽዓታት ብምእታው ምስ ሩስያ'ውን ሓድሽ ጸጥታዊ ሽርክነት ንምፍጣር እኳ እንተፈተነ፡ እቲ ኵነታት ግን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዕጡቓት እናሓሰመ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቲ ዝርዝር ሓበሬታኡ ዘይተገለጸ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ዳሕረዋይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፡ እቶም ኣለምቲ ውዲት ንሃይማኖታውን ባህላውን መራሕቲ ተጠቒሞም ንመኮንናት ሰራዊት ነቲ ውጥን ክድግፉ ከእምኑ ከምዝፈተኑ ሚኒስተር ጸጥታ ማሃማዱ ሳና ሓቢሩ።

"እቲ ዕልዋ፡ ብመሰረት ውጥን እቶም ሽበራውያን ውዲተኛታት ብጸላእቲ እታ ሃገር ዝተመልመለ ጕጅለ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንትነት (ቡርኪና ፋሶ) ብዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ንረቡዕ 16 ሚያዝያ 2025 ክዛዘም'ዩ ተሓሲቡ" ኢሉ።

"ካብታ ሃገር ወጻኢ ዘለዉ ኣለምቲ ውዲት ኵሎም ኣብ ኣይቮሪኮስት እዮም ዝርከቡ" ብምባል ብፍላይ ብድሕሪ እቲ ውዲት ከምዘለዉ ዝእመነሎም ክልተ መኮንናት ሰራዊት ነበር ስሞም ጠቒሱ።

ንሱ፡ "ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ሲቪላትን መጥቃዕቲ ንምኽፋትን "ኣንጻር ሰበስልጣን ናዕቢ ንምልዕዓልን" ተኣፋፊ ሓበሬታ ናብ "ኣሸበርቲ" ከምዝተመሓላለፈ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ክልተ መኮንናት ዝርከብዎም ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣብቲ መንግስቲ "ዘይምርግጋእ ንምፍጣር" ብምውጣን ብዝብል ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ጸጥታ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሮም ነይሮም።

ሚንስተር ጸጥታ - ሳና

ምንጪ ስእሊ, RTB

ሰበስልጣን ኣይቮሪኮስት ነቶም ውዲተኛታት ኣእንጊዶም ንዝብል ክሲ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃቡሉን። እንተዀነ ጁንታ ቡርኪናፋሶ ንደቡባዊት ጎረቤቱ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ተቓወምቱ ብምድጋፍ ብዙሕ ግዜ ይኸሳ።

እዚ ዳሕረዋይ ክሲ፡ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር'ውን ኣንጻር እቲ መንግስቲ ዝተኣልመ ካልእ "ናይ ዘይምርግጋእ" ውዲት ከምዘፍሸለት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ኣዋርሕ'ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

እታ ሃገር ምስ ካልኦት ክልተ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሓ ሃገራት - ማሊን ኒጀርን - ካብ ዞባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ውድብ 'ኢኮዋስ' ተፈልየን ሓድሽ ምሕዝነት ምፍጣረን ይፍለጥ።

ምስ ገዛኢት ነበር ፈረንሳ ርክብ ብምብታኽ ከኣ ኣብ ክንድኡ ምስ ሩስያ ማይን ጸባን ኰይኖም ኣለዉ።