ኣብ ልዕሊ በዓል ዮውሃንስን ክርስቲያንን ዝተመስረተ ክሲ እንታይ ሒዙ’ሎ?

ኣቶ ዮሃንስ ቧያለው፣ ኣቶ ክርስቲያን ታደለ፣ ዶ/ር ካሳ ተሻገር፣ ዶ/ር ጫኔ ከበደ፣ ኣቶ እስክንድር ነጋን ኣቶ ዘመነ ካሴ [ካብ ላዕሊ - ጸጋም ናብ የማን]

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጠረ ናዕቢ ስዒቡ ዝተኣሰሩ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልን ፌደራልን ከምኡ እውን ፖለቲከኛታት ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ትማሊ ንኻልኣይ ግዚኦም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለዉ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ጋዜጠኛታት ብዳኛ ክወጽኡ ከምዝተገበረ ቢቢሲ ካብ ጠበቓታት ሓበሬታ ረኺቡ’ሎ።

ኣይተ ዮሃንስ ቧያለው ካብ ዝተትሓዙሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ተፈጺሞም ዝበሎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረበ ኮይኑ “መንነት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሌና ተፈጺሞም” ከምዝበለ እቲ ጠበቓ ተዛሪቡ።

እቶም ፖለቲከኛታትን ወከልቲ ህዝብን ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተነበረ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተኣሳሲሩ ኣብ መዛዘሚ 2015 ኣ.ግ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ከይተኸሰሱ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ምስጸንሑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ 18 መጋቢት 2016 ኣ. ግ. ኣብ ልዕሊ ኣይተ ዮውሃንስ ቧያለው፣ ዶክተር ካሳ ተሻገርን ኣይተ ክርስቲያን ታደለን ክሲ ከምዝመስረተ ይፍለጥ።

እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ንኣዋጅ ግብረሽበራን ሕጊ ገበናትን ጠቒሱ ዝኸፈቶ ክሲ ኣብ ትሕቲ ስም ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣይተ ዮሃንስ ቧያለው እዩ።

ኣኽባሪ ሕጊ ንገበናዊ ሕጊን ኣዋጅ ጸረ ግብረሽበራን ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ብስም ኣይተ ዮውሃንስ ቡኣያሉ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ተኸፊቱ።

ካብቶም 52 ተኸሰስቲ እቶም 14 ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዝቐረበሎም ክሲ ክቕበሉ ከለዉ፡ ዝተረፉ ሰላሳን ሸሞንተን ተኸሰስቲ ግን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ሓደ ካብ ጠበቓታት ዝኾነ ኣይተ ሄኖክ ኣክሊሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካብቶም ብኣኽባሪ ሕጊ ዝተኸሰሱ 52 ውልቀሰባት፤ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ክርስቲያን ታደለ፣ ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ካሳ ተሻገርን ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ዶክተር ጫኔ ከበደን ይርከብዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ዝነጥፉ ኣቶ እስክንድር ነጋን ዘመነ ካሴን ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ 38 ተኸሰስቲ እዮም።

እቶም ክስታት እንታይ እዮም?

እቲ ቢቢሲ ዝረኣዮ 68 ገጻት ዘለዎ ሰነድ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ዝቐረቡ ኣርባዕተ ክስታት ሒዙ’ሎ።

እቲ ቀዳማይን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተኸሰስቲ ዝቐረበን ክሲ፡ ሕጊ ገበንን ሕጊ ግብረሽበራን ንምቁጽጻር ከምኡ’ውን ንምክልኻል ዝወጸአ ኣዋጅ ብምጥሓስ ዝተፈጸመ "ገበን" ዝምልከት እዩ።

ክሲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቶም ተኸሰስቲ፤ "ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቦም ብሓይሊ ንምፍጻም ብምሕሳብ" ተኣኪቦ ከምዝተወደቡ ይገልጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ "[ተኸሰስቲ] ርስቲ ኣምሓራ እዮም ንዝበልዎም ግዝኣታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምምላስ ከምኡ’ውን ሃገር ‘ብኣምሓራዊ ኣተሓሳስብ ጥራሕ ክትግዛእ ኣለዋ’ ብዝብል ኣብ ስምምዕ" ክብል ይኸስስ።

እቲ ናይ ክሲ ሰነድ፡ ተኸሰስቲ ኣብቲ ገበን ነይርዎም ንዝበሎ ተሳትፎ ብዝርዝር ኣስፊሩ’ሎ።

ክሲ ኣቶ ዮሃንስ ቧያለው

ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣቶ ዮሃንስ ቧያለዉ፤ "ዕጡቓት ጉጅለታት ንዝፍጽምዎ ተግባር ሽበራ ብፖለቲካዊ ምውሃድን መሪሕነትን ንምምራሕ. . . ንርእሱ መራሒ ናይ ሓደ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ገይሩ [ሰይሙ]" ይብል ክሲ ዓቃቢ ሕጊ።

እቲ ተኸሳሲ "ንዝተፈላለዩ ኣባላት እቲ ጉጅለ መሪሕነት ምዃኑ ብምግላጽ ትእዛዛት ብምሃብ [ኣፈጺሙ]" ይብል እቲ ክሲ ወሲኹ።

ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ብምውካል ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዝኣተወ ኣቶ ዮውሃንስ፤ "ብስርዓት ምርጫ ዝቖመ መንግስታዊ ስርዓት ብዓመጽ ክፈርስ ብምሕሳብ" መምርሒ ሂቡ ብዝብል እውን ዓቃቢ ሕጊ ይኸሶ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ድማ፡ "መሓውር መንግስቲ ብምፍራስ ኣብ ቀበሌ ዳግመ ውደባ ብምግባር እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንወረዳታት ተረኪቡ ከመሓድር" ትእዛዝ ከምዝሃበ ተጠቒሱ’ሎ።

ኣቶ ዮሃንስ

"ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ክድረት"ን "ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክቋረጽ"ን ብምሕሳብ ብሞጣን ደጀንን ዝሓልፍ ቀንዲ ኣስፋልት መንገዲ ንክዕጾ ንመራሕቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ “መምርሒ ሂቡን ፈጺሙን" ይብል እቲ ክሲ።

“30 ሳተላይት ቴሌፎናት ብሕቡእ ናብ ሃገር ብምእታው ንኣባላት እቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ክዕደል" ከምዝገበረ’ውን እቲ ሰነድ ክሲ የመልክት።

ኣቶ ዮውሃንስ ነቶም ዕጡቓት ሳተላይት ቴሌፎናት ጥራይ ከምዘየቕረበሎም ዝሕብር ክሲ ዓቃቢ ሕጊ፡ "ንኣብ ከባቢ ጋሽና ዝርከቡ ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት 2000 ናይ ክላሽንን መትረየስን ተተኮስቲ ከምዘቕረበ" ገሊጹ’ሎ።

ኣይተ ዮውሃንስ ቧያለው ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ዝነበረ እዋን ነቲ ብኣባልነት የገልግሎ ዝነበረ መንግስቲ ብልጽግና ብምንቃፍ ይፍለጥ። ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዉ ተሸይሙሉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ መንግስታዊ ስልጣኑ ከኣ ዋና ዳይረክተርነት ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወጻኢ እዩ ነይሩ።

ነቲ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወጻኢ ንሓደ ዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ድሕሪ ምምራሕ ከኣ ኣብ ሚያዝያ 2014 ኣ.ግ ካብ ስልጣን ከምዝተኣለየ ይዝከር። ንሱ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና እዩ ነይሩ።

ኣይተ ዮውሃንስ ኣጽዋር ናይ ምሓዝ ጽኑዕ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሉ ሓደ ካዝና (ካርታ)ን ክልተ ናይ ሽጉጥ ጥይትን ሒዙ ስለዝተረኽበ፡ ዘይሕጋዊ ፍቓድ ብምሓዝ ገበን ተኸሲሱ’ሎ።

እቲ ካልእ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ድማ "መሳርሒታት ቴሌኮም ናይ ምውናን ፍቓድ ዘይብሉ . . ሒዙ ተረኺቡ” ዝብል እዩ። ብዕለት 9 ታሕሳስ 2015 ኣ.ግ ኣብ ከተማ ባህርዳር ክልተ “ቱራያ” ናይ ሳተላይት ቴሌፎናት ሒዙ ከምዝተረኸ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ጠቒሱ።

ክሲ ኣይተ ክርስትያን ታደለ

ኣቶ ክርስትያና

ምንጪ ስእሊ, HoPR

ክሲ ኣቶ ክርስቲያን "ንርእሱ ከም መራሒ መዲቡ ነቲ ግብረሽበራዊ ሓይሊ ብምውዳብ፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጽም ትእዛዝ ይህብን የፈጽምን [ነይሩ] ይብል።

ኣይተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ቋሪትን ደጋ ዳሞትን ንዝንቀሳቐሱ "ኣተሓባበርቲ ግብረሽበራዊ ሓይሊ"ሰራዊት ምክልኻል ቅኑዕ ብዘይምዃኑ ከጥቅዕዎ: ከምኡ ምግባር ሕገ መንግስታዊ መሰል ምዃኑ ብምእማን እቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ትእዛዝ ብምሃብ" ክብል ዓቃቢ ሕጊ ከሲሱ’ሎ።

ልክዕ ከም ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣይተ ዮሃንስ እውን ንኣዋጅ ምሕደራን ምቁጽጻርን ኣጽዋር ብምጥሓስ ካልእ ተወሳኺ ክሲ ቀሪቡሉ ኣሎ።

ኣቶ ክርስቲያን ብረት ናይ ምሓዝ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሉ ኣብ ገዝኡ ሓደ ዝዕጸፍ ክላሽን ምስ 30 ጣያይቱ ሒዙ ከምዝተረኸበ ኣኽባሪ ሕጊ ይገልጽ።

ክሲ ካሳ ተሻገር (ዶክተር)

ካሊእ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ስሙ ዝሰፈረ ድማ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ካሳ ተሻገር ኮይኑ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ከምዝተቐንጠጠ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ዶክተር ካሳ: "ነቲ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝካየድ ዘሎ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ፖለቲካዊ ኣወሃሃድን መራሕን ክመርሕ [ወሲኑ]" ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሓዊሱ ኵለመዳያዊ ቃልሲ ንኽካየድ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝምርሑሉ ሰነድ [ኣዳልዩ]" ይብል ዓቃቢ ሕጊ።

ንሱ ኣዳልይዎ ዝተብሃለ ሰነድ "መሰረታዊ መትከላት ደባይ ውግእ ከምኡ’ውን ኲናትን ስትራተጂ ኲናትን" ዝብል ምዃኑ ተጠቒሱ’ሎ።

ክሲ ዶክተር ጫኔ - ኣቦ መንበር ሰልፊ ኢዜማ

ኣቦ መንበር ሰልፊ ኢዜማ ዶክተር ጫኔ ከበደ ምስ ራብዓይ ተኸሳሲ ብምዃን “ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዕጥቂ ዝተሓገዘ ግብረ ሽበራ ዝፍፅም ጉጅለ ንምምራሕ ከምኡ’ውን ነቲ ግብረ ራዕዲ ሃገራዊ ንምግባር . . . ግንባር ሓድነት ኢትዮጵያውያን (ኢነግ) ዝተብሃለ ሕቡእ ጉጅለ ብምጥያስ [መሪሖም] ብዝብል ተኸሲሶም ኣለዉ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዶክተር ጫኔ ምስ ራብዓይ ተኸሳሲ ኣቶ በላይ ኣዳሙ "ብሓባር ንዘቖምቆምዎ ሕቡእ ጉጅለ መሪሕነት ብምሃብ፤ እቲ ጉጅለ ዝምርሓሉ ስልቲታት ብምሕንጻጽን ኣንፈት ብምሕባርን ግብረ-ሽበራ የፈጽሙ [ነይሮም]” ይብል።

ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ ኣብ ታሕሳስ 2014 ኣ.ግ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ኣይተ እስከንድር ነጋ እውን ኣብዚ ክሲ ተኻቲቱ ኣሎ። ፕረዚደንት ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ነበር ኣቶ እስከንድር "ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ" ዝተባህለ "ሽበራዊ ጉጅለ" ብምምስራት ከምዝተኸሰሰ መዝገብ ዓቃቢ ሕጊ የመልክት።

ዶክተር ጫኔ ከበደ

ምንጪ ስእሊ, EZEMA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሻድሻይ ተኸሳሲ ኮይኑ ኣብ ዘየለሉ ዝተኸሰሰ ኣቶ እስከንድር ንባዕሊ መራሒ ናይዚ ግንባር ገይሩ ከምዝሾመ ኣኽባሪ ሕጊ ይሕብር።

እቲ ተኸሳሲ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ተበታቲኖም ዘለዉ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ወተሃደራዊ እዚ ንምጥርናፍን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ክጥዕሞምን ‘ኮማንድ ፖስት ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ’ ዝባህል ግንባር መስሪቱን መሪሑን" ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ኣብቲ ክሲ ገሊጹ።

ሻብዓይ ተኸሳሲ ኮይኑ ዝቐረበ ኣቶ ዘመነ ካሴ ከኣ ልክዕ ከም ኣቶ እስካንዳር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ኣቶ ዘመነ፡ "መንግስቲ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ንምእላይ ብምሕሳብ ‘ህዝባዊ ሓይሊ ኣምሓራ’ ዝተባህለ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ብምቛም" ተኸሲሱ’ሎ።

ንባዕሊ ከም መራሒ እቲ ጉጅለ ብምስያም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ "ኣብ ልዕሊ ክልላዊ ሓይልታት ፀጥታን ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን መጥቃዕቲ ንክፍጸም ዘወሃሃደን ዘፈጸም" ይብል ሰነድ ክሱ።

ኣኽባሪ ሕጊ፡ "ገበናዊ ተሳትፎ" ነይርዎም ናይ ዝበሎም ካልኦት ተኸሰስቲ ተግባራት እውን ብዝርዝር ኣስፊሩ ይርከብ። ፈጺሞምዎ ብዝብሎ "ገበን" ዝሰዓበ ጉድኣት እውን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

በቲ ገበናት "ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ሲቪላትን መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ክፍጸም ብምግባርን ልዕሊ 1100 ሓይልታት ጸጥታን ሲቪላትን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ 600 ሓይልታት ጸጥታን ሲቪላትን ድማ ብኸቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ ኣጋጢሙ" ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 5,689 እሱራት "ክሃድሙ" ከምዝተገበረ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊፁ። ኣብተን ኣብያተ ማእሰርቲ ከኣ ኣስታት 123 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ዝግመት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

ልዕሊ 90 መንግስታውን ውልቃውን መካይን “ክዝረፋን ክዓንዋን” [ገይሮም] ዝተብሃሉ እቶም ተኸሰስቲ "ልዕሊ 9 ሽሕ ኩንታል መዳበርያ ሓመድ ሰሪቖምን ከም ዝስረቕ ገይሮምን" ይብል እቲ መዝገብ ክሲ።

ኣኽባሪ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ "ኣብ ልዕሊ መንግስታውን ኣብያተ ዕዮን ትካላትን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 48 ቢልዮን ብር ዝግመት ንብረት "ዝዘመቱ፣ ዘዕነዉ፣ ከምኡ’ውን ክዝምቱን ክዓንዉን ዝገበሩ" ክብል ጠቒሱ።

በዚ ምኽንያት "እቶም ተኸሰስቲ ከም ቀንዲ ፈጸምቲ ብቀጥታውን ዘይቀጥታውን መገዲ ተሳተፍቲ ኮይኖም ብዝፈጸምዎ ገበን ግብረ-ሸበራ” ተኸሲሶም ኣለዉ።