ብፍቕሪ ኣርሰናል ዝነደዳ ጓል 65 ዓመት ኢትዮጵያዊት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ወይዘሮ እቴቱ ማሞ ይበሃላ።
ዕድሜአን 65 ዓመት ከምዝመልአን እየን ዝዛረባ። ኣብዚ ደረጃ ዕድመ ኮይነን ግን ከም ቆልዓን መንእሰይን ብፍቕሪ ኩዕሶ እግሪ ብፍላይ እንግሊዛዊት ጋንታ ዝነደዳ እየን።
እዘን ብፍቕሪ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣርሰናል ዝነደዳ ኢትዮጵያዊት ኣደ ብዙሓት ብዛዕበአን ንኽዛረቡ ምኽንያት ኮይነን ኣለዋ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊደን ዝዓበያ እዘን ወላዲት ንኣርሰናል ምድጋፍ ካብ ዝጅምራ 20 ዓመታት ተቘጺሮም። ሎሚ’ውን ከይረብረባ ‘ዓወት ንኣርሰናል’ ክብላ ምስ ደቀንን ደቂደቀንን ይካትዓ።
“በዓል ሄነሪን ቪየራን ኣብ ዝነበሩሉ ቅድሚ 20 ዓመታት እየ ምድጋፍ ጀሚረ። ደቀይ ክድግፉ እናረኣኹ ኣነ’ውን ክድግፍ ጀሚረ። ህጻናት ከይተረፉ ምሳይ ከቢቦም እዮም ዝርእዩ” ኢለን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረኦ ቃለ መሕተት።
ኣርሰናል ዋንጫ ወሰደት ኣይወሰደት ብቕዓት ጸዋታ ኣባላታ ብጣዕሚ ከምዘሕጉሰንን ዘዕግበንን ተዛሪበን ኣይጸግባን።
“በዓል ኦዲጋርድ፣ ኣነገብረየሱስ’ ኢለ ዝጽውዖ ጋብሪኤል ጂሰስ ጸዋትኦም የሕጉሰኒ። ገብረየሱስ ዝበልክዎ ናይ ሓበሻ መልክዕ ስለዘለዎን ምስ ወደይ ስለዝመሳሰልን እዩ። ንዕኡን ንሳካን ኣዝየ እፈትዎም” ይብላ ብዓሚቝ ፍቕሪ ተመሲጠን።
ወይዘሮ እቴቱ ማሞ ንኻልኦት ሰባት’ውን ደገፍቲ ኣርሰናል ክኾኑ ጽልዋ ኣሕዲረን እየን። ብዙሓት ምስአን ኮፍ ኢሎም ኩዕሶ እግሪ ዝርእዩ ወይ ብዛዕበአን ብዝሰምዕዎ ዝተሰሓቡ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ “ኣርሰናል ትዕወት” ክብሉ ተገዲዶም።
ሓንቲ ኣብ መፈለምታታት ዕድመ እትርከብ ጎረቤት ማማ እቴቱ “ነዓይን ነደይን ንሳ እያ ኣዕብያትና” ትብል። ብፍላይ ነዓኣ ብፍቕሪ ኩዕሶ እግሪን ኣርሰናልን ክትጽመድ ከምዝገበርኣ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
“ኣብ ገዝኣ እየ ዓብየ። ካብ ግዘ ቁልዕነተይ ጀሚሩ ንሳ ኩዕሶ ክትርእይ ከላ ምስኣ ኮይነ እናረኣኹ እየ ዓብየ። ንኣርሰናል ንሳ ስለዝጸለወትኒ እየ ፈትየያ ክብል እኽእል። ካብ ግዘ ቁልዕነተይ ጀሚረ ምስኣ እናረኣኹዋ ዝዓበኹ ጋንታ ስለዝኾነት ካብ ኣርሰናል ወጻእ ክድግፍ ኣይክእልን” ትብል።
“መሓዙተይ ገሊኤን ጽቡቕ ገበርኪ እናበላ የተባብዓኒ። ገሊአን ድማ ‘ዘይትቖርቢ ግዳ፤ ኣብ እትቖርብሉ ዕድመ እንታይ ገደሰኪ’ ይብላኒ። ኩዕሶ’ኮ መዘናግዒ እምበር ስርቂ ወይ ካልእ ጽዩፍ ተግባር ኣይኮነን። እንተኣረግኩ’ውን ኩዕሶ ምርኣየይ ክቕጽለሉ እየ” ኢለን ንቢቢሲ።
ንኣርሰናል ብዝህብኦ ደገፍ ፍልጥቲ ዝኾና ማማ እቴቱ፡ ኣብ መገዲ ዋላ ናብ ቤተክርስትያን እናኸዳ ደገፍቲ ካልኦት ጋንታታት፡ ከሕርቕወን ከምዝፍትኑ ይዛረባ።
“ኣብ መገዲ ዋላ ናብ ቤተ ክርስትያን እናኸድኩ ‘ትሰዓር ንዘላ ኣርሰናል ብምድጋፍ ዝሓረቕክንኦ ክዝሕለልክን ጸባ ስተያ’ ይብሉኒ። ሽዑ ኣነ ስቕ ኢለ እሓልፎም” ክብላ ብዛዕባ ዘጋጥመን ይጠቕሳ።
ደገፍቲ ኣርሰናል፡ ጋንትኦም ሎሚ ዓመት ዋንጫ ብዘይምዕታራ ሓዚኖም’ዮም። ወይዘሮ እቴቱ ግን ንዓመታ ዋንጫ ናትና እያ ይብላ።
“ካብ ኣርሰናል ዝፈልየኒ የለን። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዋንጫ ከምእትወስድ ጥርጥር የብለይን። ዕድመ ይሃበኒ’ምበር ንጋንታይ ኣይገድፋን። ተዓወተት ተስዓረት ኩልግዜ ኣርሰናል” ብምባል ነታ እንግሊዛዊት ጋንታ ዘለወን 20 ዓመታት ዘቝጸረ ፍቕሪ ኣረጋጊጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







