ንቺታ ከም እንስሳ ዘቤት ዘዕበዩ ኬንያውያን ስድራ

ምንጪ ስእሊ, Kenya Wildlife Service
እዞም ኬንያውያን ስድራ እቲ ነብሪ ጎልጎል [ቺታ]፡ ኩርኩር እንከሎ ኣብ ጎኒ ዝሞተት ኣዲኡ ምስ ጸነሖም፡ ናብ ገዛኦም ወሲዶም ከዕብይዎ ከምዝጀመሩ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እዞም ስድራ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኬንያ ዋጂሪ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዞባ ዝነብሩ ኮይኖም፡ እንስሳ ዘገዳም ኣብ ገዛ ክነብር ርእዮም ስለዘይፈከልጡ ስክፍታታት ከምዝሓደሮም ይሕብሩ።
ነዚ ቺታ ወይ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ገዛኡ ከዕብዮ ዝጸንሐ ቢሻሮ ዓብዱራሕማን ዖመር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ብዙሕ ሰብ ነዚ ኩርኩር ንዮ ዘይትብልዎ ኢኹም'ዮም ዝብሉና፡ እዚ ቺታ ግን ዝጻባእ ኣይኮነን ናብዘን እንስሳ ዘቤት'ውን ቅርብ ኣይብልን'ዩ፡ እቲ ዝብልዎ ምኽንያታዊ ኮይኑ ስለዘይተሰማዓና ከኣ ኣይጉሓፍናናዮን" ይብል።
ኣብቶም ቋንቋ ሶማል ዝዛረቡ ብሰበኽ ሳግማዊ ሂወት ዝናበሩ ሕብረተሰብ፡ ከብቶም ብቺታ፡ ነብሪ፡ ኣንበሳን ዝብእን ብቀጻሊ ስለዝብልዐኦም'ዮም ስክፍታኦም ብኣጋ ዝገልጹ ነይሮም።
ኣቦ 10 ቆልዑን ወዲ 45 ዓመትን ራሺድ ዓብዲ ብወገኑ "እዚ ቺታ እንስሳ ዘቤት ኣይኮነን፡ ኣብ መወዳእታ ከምቲ ከብትና ዝህባና ዝኾነ ጥቕሚ ከምዘይህበና ንፈልጥ ኢና፡ ሰብ እንተረኺብዎም ይቐትሎም'ዩ፡ እስከ ንሕና ኸኣ ፍልይ ብዝበለ ኣብ ክንዲ ንቀትሎ እስከ ንዕብዮ ኢልና" ኢሉ።
እቶም ስድራ ነቲ ኩርኩር እንከሎ ዝሓዝዎ ነብሪ ጎልጎል ንኽልተ ዓመት ተኸናኺነሞ፡ ንኽልተ ዓመተት ከኣ ልክዕ ከም እንስሳ ዘቤት ኣካል እቲ ስድራ ኮይኑ ሓሊፍዎ።
"ኣብ መጀመርታ ረባሺ'ዩ ነይሩ፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን ዘይጓዳእን ስቕተኛን ኮይኑ ምስዞም ደቅና ክጻወት ይውዕል"
ኣብ መጀመርታ እቶም ስድራ ነቲ ኩርኩር ነብሪ ጎልጎል ብስሪንጋ ገይሮም'ዮም ጸባ ዘስትይዎ ነይሮም፡ ምስ ዓኰኸ ከኣ ስጋ ክምግብዎ ጀሚሮም።
ሑሴን "ብዙሕ መስዋእቲ ኢና ከፊልና፡ ካብታ ዝሓዝናዮ መዓልቲ ንዕኡ ብምምጋብ 15 ኣባጊዕ'የ ሓሪደ" ኢሉ።
እቶም ስድራ ካብ ክፍሊ ምክንኻን እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ዓቢ ናእዳ'ዮም ረኺቦም።
ሓላፊ ዕቓበ እንስሳ ሰሜን ኬንያ ሻርማክ መሓመድ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኬንያ ቺታን ካልኦት እንስሳ ዘገዳምን ዓቢ ሓደጋ ናይ ሃድንን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ከምዘጋጥሞም ብምሕባር "ኣዲኡ ነዚ ቺታ'ውን ወይ ብሃድን ተቐቲላ ወይ ተሰሚማ'ያ ትኸውን" ኢሉ።
ኣብ ሰሜን ኬንያ፡ ምብራቕ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኮራኹር ቺታ ሑዝካ ብዘይሕጋዊ ኣገበብ ናብ ደገ ምሻጥ ይዝውተር ምህላዉ ኣብ ዕቓበ ቺታታት ዝሰርሕ ኬንያዊ ትካል ይሕብር።
እቲ ትካላ፡ ዓመታዊ ካብ 200 ክሳብ 300 ውላዳት ቺታ ብዘይሓጋዊ ኣገባ ብበ ብየመንን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ከምዝሽየጡ ይሕብር።
እቶም ስድራ'ውን ነቲ ቺታ ክሸጥሎም ዝሓተትዎም ሰባት ምንባሮም ገሊጾም።
"ክሳብ ብ20 ሽሕ ሽሊን [155 ዶላር] ክንከፈእለኩም ሽጡልና ዝበሉና ሰባት ነይሮመን'ዮም" ይብል ሑሴን።
ብምስዓብ "ገለ'ውን ብኣጣል ክንቅይረኩም ዝበሉና ነይሮም፡ ንሕና ግን ኣቕቢጽናዮም" ይብል።
እቶም ስድራ ካብ ክፍሊ ዕቓበ እንስሳ ዘገዳም ዓቢ ናእዳ'ኳ እንተረኸቡ፡ ብሕጊ ኬንያ እንስሳ ዘገዳም ከምእንስሳ ዘቤት ገይርካ ኣብ ገዛ ምዕባይ ክልኩል'ዩ።
እዚ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ቺታ ካብኦም ተወሲዱ ኣብ ትሕቲ ናሽናል ሳፋሪ ዎክ ይእለ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







