ኣሜሪካ ንዝተቐትልዋ ወተሃደራት ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ሶርያን ዒራቕን መጥቃዕቲ ፈጺማ

ኣሜሪካ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ፈጺማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሜሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝርከቡን ምስ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶምን ጉጅለታት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ትማሊ ዓርቢ ለይቲ ከምዝፈጸመት ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ብዝወሰድዎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ስለዝተቐተሉ ሕነ ንምፍዳይ ዝወሰደቶ እዩ።

ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ነዊሕ ርሕቐት ዝጉዓዛን ቦንባ ዝድርብያን ነፈርቲ ውግእ ከምዝተጠቐመት ተፈሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዝርከቡን ብኢራን ንዝድገፉ ጉጅለታት ዘተኮረ ከምዝኾነ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ትማሊ ለይቲ ኣብ ዒራቕ ሰለስተ ግዜ ኣብ ሶርያ ድማ ኣርባዕተ ግዜ መጥቃዕቲ ዝፈጸማ ኮይነን ቀንዲ ዕላማአን፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፣ ቁዱስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይልን ተሓባበርቱን ዝርከብዎም ስፍራታት ከምዝኾነ መግለጺ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ የረድእ።

በቲ ናይ ነፈርቲ ውግእ መጥቃዕቲ ልዕሊ 85 ዕላማታት እቶም ጉጅለ ከምዝተወቕዑ ይግለጽ’ሎ።

በቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ዝኾኑ መአዘዚ፣ መረዳእታን ማእከል መቆጻጸርን መሪሕነት እቲ ጉጅለ ከምዝኾነ ዝገለጸ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ፡ ሮኬታትን ሚሳይላትን ዝተጻወድሎም ስፍራታት ኢሉ’ውን ማእከል መጠራቐሚ ሎጂስትክስን ድሮናትን ዝርከብዎም ቦታታት ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እቲ ትማሊ ለይቲ ንኣስታት 30 ደቒቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘውርዶ ጉድኣት እንታይ ከምዝመስል ሎሚ ቀዳም ገምጋም ክገብር ከምዝኾነ’ውን ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ምስ ኢራን ቀጥታዊ ናብ ዝኾነ ግጭት ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ብተደጋጋሚ ዝገለጸት ኣሜሪካ እንተኾነ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዘካይድዎ መጥቃዕቲ ንምድኻም ዘኽእል ስጉምቲ ምውሳዳ ግን ቀጺላቶ ኣላ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ እዚ ትማሊ ምሸት ብኣሜሪካ ዝተወሰደ ስጉምቲ ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሓደ በዓል ስልጣን ዒራቕ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ግዝኣት ዒራቕ መጥቃዕቲ ምፍጻመን ንልኡላዊነት ዒራቕ ዝጠሓሰ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።