ፈረንሳ፡ ኦሎምፒክ ክጅመር ሰዓታት ምስ ተረፎ ኣብ ልዕሊ ገመድ ባቡራት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

ሰራሕተኛታት ነቲ ዝተቃጸለ ገመዳት እናኣዐረይዎ

ምንጪ ስእሊ, . REUTERS/Brian Snyder

ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ክኸፈት ሰዓታት ምስ ተረፎ ኣብ ልዕሊ ገመዳት መንገዲ ባቡር ብዝተፈጸመ ናይ ባርዕ መጥቓዕቲ ኣስታት 1 ሚልዮን ገያሾ ካብ መገሸኦም ከምዝተሰናኸሉ ተገሊጹ።

ብዘይካ እዚ ካብተን ኣብ ፈረንሳን ካልእ ክፋላት ኣውሮጳን ካብን ናብን ሰባት ዘመላልሳ ኤሮስታር ዝተብሃላ ባቡራት እተን ርብዒ ጉዕዞ ደው ኣቢለን ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

እቲ ምቁራጽ ናይዘን ባቡራት ክሳብ ቀዳመ ሰንበት ክቅጽል ከምዝኾነ ሰብ መዚ ፈረንሳ ኣብሪሆም።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ንጉዕዞ መንገዲ ባቡር ዘካይድ ትካል፡ እቲ ምስራዝ ጉዕዞ ባቡር ብሰንኪ እቲ ኮነ ኢልካ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ልዕሊ መስመር ባቡር ዝተኻየደ ዝተውሃሀደ ናይ ባርዕ መጥቃዕቲ ከምዝሰዓበ ኣብሪሁ።

እቲ ኮነ ኢልካ ዝተቓጸለ ገመዳት መንገዲ ባቡር

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Vald’Yerre municipality

መብዛሕትኦም ካብቶም ጉዕዝኦም ተሳናኺልዎም ዘሎ ገያሾ፡ መኽፈቲ ኦሎምፒክ 2024 ንምርኣይ ናብ ፖሪስ ንምኻድ መደብ ዝነበሮምን ገለ ኣትሌታትን ከምዝኾኑ’ዩ ዝገልጽ።

ትካል መንገዲ ባቡር ፈረንሳ ዝኾነ ኤስኤንሲኤፍ እቲ ኣብ ልዕሊ ገመዳት መስመራት መንገዲ ባቡር ዝተፈጸመ ናይ ባርዕ መጥቃዕቲ ነቲ ካብ ቤልጂም ናብ ለንደን ዘራኽብ መስመርን ኣብ ፈረንሳ ከኣ ኣብ ሰሜን፡ ምዕራብን ምብራቕን ዝርከብ መስመራት ከምዝተፈጸመ እቲ ብዓል መዚ መንገዲ ባቡር ሓቢሩ።

ሚኒስተር መንገዲ ባቡር ፈረንሳ ፓትሪድ ቨርገሬተ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣብቲ መስመራት መንገዲ ባቡር ተባራዒ መሳራሒታን ከምዝተረኸበ ገሊጹ።

እቲ ባርዕ ኣብ ሰለስተ ቦታታት’ዩ ተኻይዱ። ካብ ፓሪስ ናብ ከተማ ቦርደክስ፡ ካብ ፓሪስ ናብ ከተማ ስትራስቦርግ ከምኡ ከኣ ካብ ፖሪስ ናብ ከተማ ሊለ ዝኸይድ መስመር ባቢር’ዩ ተኻይዱ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ቦታታት
መግለጺ ስእሊ, እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ቦታታት