እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ ብግዝያውነት ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ወጻእተኛታት ዘተኣታተወቶ ሓዲሽ ሕጊ እንታይ’ዩ?
ካናዳ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ቁጽሪ ብግዝያውነት ኣብታ ሃገር ክኣትዉ እትፈቕደሎም ሰባት ከተጉድሎ ክትጅምር’ያ።
ሚኒስተር ስደተኛታት ካናዳ ማርክ ሚለር ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቁጽሪ ናብታ ሃገር ብግዝያዊ ነባርነት ዝኣትዉ ሰባት ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ክጎድል ምዃኑ ብምግላጽ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ መደብ ኣብ መስከረም ከምዝጅምር ኣብሪሁ።
እቲ መደብ ብትምህርቲ፡ብስራሕን ብዑቑባን ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ከጠቓልል ከምዝኾነ’ውን እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስተር ኣቐድም ኣቢሉ ብሰንኪ ሕጽረት መንበርን ካናዳ እተውጽኦ ወጻኢታትን ሕጊ ኢሜግረሽን እታ ሃገር ዳግማይ ክኽለስ ምኻኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
ሚኒስተር ሚለር ኣብ ካናዳ ብግዝያውነት ዝቕመጡ ካብ ጠቅላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 6.2 ሚኢታዊት ከምዝኾኑ ብምሕባር እቲ ቁጽሪ ናብ 5 ሚኢታዊት ንኽጎድል መደብ ተሓንጺጹ ከምዘሎ’ዩ ገሊጹ።
ኣብ ካናዳ ቁጽሪ ብግዝያውነት ዝነብሩ ሰባት ኣብ 2021 ሓደ ሚልዮን ጥራይ ዝነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ከምዝወሰኸን ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብግዝያውነት ዝነብሩ 2.5 ሚልዮን ሰባት ከምዘለዉ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
እታ ሃገር ንዘለዋ ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ብግዝያዊ ናብታ ሃገር ብዝኣትዉ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ከምእትምልኦ’ኳ እቲ ሚኒስተር እንተገለጸ፡ ቁጽሪ እቶም ብግዝያዊ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ንምቁጽጻር ሕጊ ካናዳ ክመሓያሸ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።
ካብ ውግእ ሃዲሞም ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ከናዳ ዑቕባ ናይ ምሃብ ዓለምለካዊ ግዴታ’ኳ ኣንተለዋ “ጎኒ ጎኑ ብዝሒ ስደተኛታት ንካናዳ ከምጽኣላ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘለዎ ከኣ ብግልጺ ክንዛረበሉ ኣለና” ኢሉ።
ካብ 1 ግንቦት ጀሚረን ኣብ ካናዳ ዝርከባ ፋብሪካታት ብግዝያዊ ነባርነት ካብ ዝቆጸረኦም ሰራሕተኛታት ከጉድላ ክጅምራ እዚ ሓዲሽ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ከገድደን’ዩ።
እተን ትካላት መተካእታ ናይቶም ዘጉድለኦም ሰራሕተኛታት ብቀዋሚ ነባርነት ዘለዎምን ብካናዳውያንን ክትክአኦም ከምዘለወን እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ኣብ ካናዳ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ህንጻን ጥዕናን ስለዘሎ ግን እዚ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ነዚ ክልተ ጽላታት ኣይከጠቓልልን’ዩ።
እቲ ሚኒስተር መግልጺ ድሕሪ ምሃቡ ብዙሓት በቲ ሓዲሽ ሕጊ ዘይተሓጎሱ ወጻእተኛታት ዘይዕግበቶም ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ካናዳ ኣቐድም ኣቢላ’ውን ንሜክሲካውያን ሓተትቲ ዑቕባ ሕቶ ዑቕበኦም ዘንጽግ ሕግታት ኣታኣታትያ ጸኒሓ’ያ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ሚኒስተር ማርክ ሚለር ናብታ ሃገር ብትምህርቲ ናይ ዝኣትዉ ወጻእኛታት ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ብ35 ሚኢታዊት ናይ ምጉዳል መደብ ከምዘሎ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ብትምህርቲ ናብ ካናዳ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት 214 ሽሕ ዝነበረ ኣብ 2022 ናብ 800 ሽሕ ከምዝበጽሐ ሰነዳት ካናዳ ይሕብሩ።
ኣብ ካናዳ ዋጋ ገዛ ብማእከላይ ገምጋም 517 ሽሕ ዶላር’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ከኣ ዋጋ ክራይ ገዛ ብ22 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ይግለጽ።