እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ 'ዝተጸገመ ሰብ እንተረኺበ ወላ ኣብዛ ሳሎነይ ከደቅሶ እየ' ስነጥበባዊ ሮቤል ኣስገዶም
ሮቤል ኣስጎዶም ይብሃል፤ ዝያዳ ግን ብጸሊማይ እዩ ዝፍለጥ። ሮቤል ኣብ 2016 ናብ ሱዳን ኣብ 2019 ድማ ናብ ካናዳ ተሰዲዱ። ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ይነብር ኣሎ። ኣቦ ስድራን በዓል ሓዳርን ድማ እዩ።
እዚ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ስነ-ጥበብ ዝነጠፈ ሮቤል፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ካናዳ ንሓደስቲ ስደተኛታት ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ስራሕ ጸገማት፡ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታቱ፡ ንደለይትን ወሃብትን ስራሕ ንምርኻብ ክጥቀመሉ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝዘርግሓ ‘ኣደይን ዓደይን ናፊቕ’ እትብል ንጽል ደርፉ ብሓፈሻ ንናብራ ስደት እትውክልን ብዙሓት መንእሰያት ንሃገሮምን ወላዲቶምን ዘለዎም ናፍቖትን ፍቕርን እተንጸባርቕ እያ።
እዚ ክሓልፈልይ እዩ ብማለት ኣብ ርሑቕ ስደት ዝሰፈረ መንእሰይ ኣብ ርእሲ ሕሱም ናፍቖቱ ሕሰም መነባብሮን ስእነት ሽቕለትን ከባራረየሉ ንሮቤል ኣይተዋሕጠሉን። ስለዚ ድማ እዩ እታ ዝኽእላ ብዓቕሙ ንምብርካት ንተሓጋገዝ ብምባል ጻዋዒቱ ዘቕረበ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ኣብ ካናዳ ዘሎ ስራሕ ናይ ዘይምርካብ ኩነታት ከማርርን ክራይ ገዝኡ ክኸፍል ብዘይምኻኣሉን ብፈተውትን መቕርብን እናተሓገዘ ዝኸደሉ ኹነታት እዩ ተኸሲቱ ዘሎ።
ናይዚ ጠንቂ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
መንእሰይ ሮቤል፡ ለበዳ ኮቪድ ንቁጠባዊ ኩነታት ካናዳ ብኣሉታ ስለዝጸለዎ እቲ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝተዳኸመ ይገልጽ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ንካናዳ ዝኣቱ ዘሎ ሓድሽ መንእሰይ ናይ ቋንቋን ናይታ ሃገር ናይ ኣነባብራን ጸገማት ስለዘለዎም ንብዙሓት ሰባት ከምዝኸበዶም ይሕብር።
“ብዙሕ ካብቲ ንካናዳ ዝኣቱ ዘሎ ኣካል ሕብረተሰብና ልክዕ ከም ናይ ዓድና ኣካይዳ እዮም ዝጽበዩ። ንኣብነት፡ ናብ ዝዀነ ኦፊሳት ብዘይቖጸራ ይኸዱ እሞ ጉዳዮም ኣይስሙዑን። እንታይን ኣበየናይ ቤት ጽሕፈት ክሕተት ከምዘለው ስለዘይፈልጡ ጉዳያቶም ይጓተት ኣሎ” ክብል ነቲ ዘጋጠሞም ጸገማት ይትንትን ።
ገሊኦም አሕዋት፡ “ክንሰርሓሉ” ብማለት ግዙፍ መጠን ገንዘብ ተለቂሖም ምስላጥ ምስ ኣበዮም ኣደዳ ልቓሕ ይኾኑ። ብኸመይ ኣገባብ ልቐሖም ክኸፍሉ ከምዝኽእሉ ኣፍልጦ ስለዝጐድሎም ተስፋ ኣብ ምቑራጽን ዝተፈላለየ ወልፍታታን ክሕቡኡ ከምዝግደዱ የረድእ።
ገሊኦም ድማ ስራሕ ምስ ጀመሩ ነቲ ስራሕ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይጸልእዎ’ሞ ኣብ ክንዲ ናይ ክልተ ሰሙን ሓበሬታ ሂቦም ስራሕ ዝገድፍዎ ሃንደበት የቋርጹ’ሞ፡ ኣብ መጻኢ ስራሕ ክሓቱ እንከለዉ ከም ሕማቕ ሪኬርድ ስለዝቑጸር ካልእ ስራሕ ንምርካብ ይሽገሩ።
ዳርጋ ዜጋታት ኩሎም ሃገራት ተሰዲዶም ንካናዳ እኳ እንተኣተዉ፡ ከም ህንድን ሶማልን ዝኣመሰሉ ድልዱል ጥርናፈ ማሕበረ ኮም ስለዘለዎም ነቲ ሓድሽ ዝመጽእ ዜገኦም ክሳብ ዝደላደል እኹል ትሩፍ ሓገዝ ብምሃብ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝኸፍቱሎም ሮቤል ይሕብር።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ደጋፍን ተቓዋምን ተበሃሂሉ ስለዝተኸፋፈለ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍን ተረዳዲኡ ማሕበራዊ ሽግራት ዜጋታት ብሕብረት ዘቃልል ድልዱል ማሕበረ ኮም ከምዘየለ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ካናዳ ዝነበረ ኣቶ ዮውሃንስ የረድእ።
ሮቤል እውን ካብዚ ክውንነት እዚ ተበጊሱ፡ ብዓቕሙ ነቲ ጸገማት ከቃልል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጻውዒት ምስ ገበረ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጸግዒ ናጻ ኢና ዝብሉ ዝተፈላለዩ ትካላትን ማሕበራትን ከምዝደወልሉ ይጠቅስ።
“ከም ኤርትራዊ ንስድርኡን ወገናቱን ዝሓልን ዝሕግዝን ዝረድእን ህዝቢ የለን። ስለዚ ብፍቕሪ ሓቢርና ምስ እንጠራነፍ ዓቢ ነገር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ብሕጂ ድማ ምስ ኩሎም ርክባት ብምግባር ቀስ ብቐስ ድልዱል ማሕበረ ኮም ክንፈጥር ኢና” ይብል ሮቤል።
ብሰሪ እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያት ወላኳ በበይኑ ዝኾነ ሸነኻት እንተሎ፣ ግን ኣብ ሓደ ዓዲ ክሳብ ዘለኻ ሓቢርካ ዓቢ ኮምዩኒቲ ብምግባር ነቲ ዝመጸእ ናትካ ወለዶ ከመይ ጌርካ ኣደልዲልካ ናብ ስራሕ ናብ ትምህርቲ ናብ ዝተፈላለየ ዕዮታት ክትሰደሉ እትኽእል፣ ሰብ ሞያ ዘለዉዎ ዝተደላደለ ቤት ጽሕፈት ምስ ዝህሉ ግን ዓቢ ሓገዝ ክኸውን ከም ዝኽእል የረደእ።
ይኹን እንበር እቲ ናብዚ ኮምዩኒቲ ንክመጽእ ናይ መጓዓዝያ ገንዘብውን ዘይብሉ ሰብ፡ ፈለማ ስራሕ ረኺቡ ናብዝን ናብትን ክብል ንክኽእል ስራሕ ምርካብ ዘየላቡ ምርጫኡ እዩ።
በቲ ሮቤል ዝገበሮ ጻውዒት ከኣ ሓያሎ ንክተሓጋገዙ ፍቓደኛታት ኰይኖም ምስቶም ሓገዝ ዝሓቱ ዘለው ወገናት ደዊሎም ክራኸቡን ክመያየጡን ጀሚሮም ኣለው።
ዛጊት ድማ ኢሳይያስ ወዲ ታቦት ምስ ዝተባህለ ዓርኩን ካሎኦትን ኰይኖም ናይ ተለግራም ኣካውንት ብምኽፋት ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ኣኼባ ብምዕዳም ክተሓጋገዙ ጀሚሮም ኣለው።
ኣብቲ ዝተኸፍተ “ዋን ላቭ” ዝብል ናይ ቴለግራም ገጽ ድማ ብዙሓት ናይ ስራሕ ኣፍልጦ ዘሎዎም ስራሕ ኣብ ምሕባርን ሊንክታት ኣብ ምልእኣኽን፣ እቶም ስራሕ ዝሰአኑ ድማ ኣብቲ ዝመጽአ ሓበሬታትታት ዘዝርብሖም ኣብ ምውሳድ ተጸሚዶም ፣ ገለ ካብ እስራኤልን ኣፍሪቃን ዝመጽኡ እሞ ብገለ ገለ ጌጋታት ናይ ወረቐት ሽግር ዘለዎም ፣ናይ ገዛ ኾነ ፋይናንስያዊ ጸገም ዘለዎምን ክሕገዝሉ ዝኽእሉ ባይታ ፣ ኮታስ እቲ ክሕግዝን ክሕገዝን ዝደሊ ሰብ ሓደ መራኸቢ ተፈጢርሉ ኣሎ።
‘ኣብ ክንዲ ንሓደ ወዲ ካልእ ዜጋ ናይ ሕጊ ክኢላ 15ሽሕ ዶላር ሂብካ ጉዳይካ እተሳልጥ፣ ሓደ ኤርትራዊ ባዓል ሞያ እንተዝሕግዝ እሞ ፣ እዚ ኣዛሃት ድማ ናብቲ ዝተጸገመ ሓው እንተዝውዕል እዚ እውን ነቲ ጸገማት ንምቅላል ሓደ መንገዲ እዩ።’
ሮቤል ፈለማ ንካናዳ ምስ ኣተወ ዝተቐበሎ ዓርኩ ንኣስታት 5 ወርሒ ምስ ውላዱን በዓልቲ ቤቱን ክሳብ ደልዲሉ ናብሩኡ ዝጅምር ከይተሰከፈ ክጸንሕ ብምምችቻኡ ምስጋንኡ ብምቕራብ፣ ነቶም ሓደስቲ ዝቕበሉ ኩሎም ክልተ ሰለስተ መደቀሲ ዘለዎም ስድራቤታት ክሳብ ናይ ስራሕ ዕድላት ረኺቦም ኣብ ሓሳባቶም ዝበጽሑ ኣብ ገዛውቶም ክጸንሕዎም ይላቦ።
‘ኣነ ሽግር ዘለዎ ሰብ እንተረኺበ ወላ ኣብዛ ሳሎነይ ከደቅሶ እየ። ኣነ ሎሚ ንዕኡ እንተሓጊዘዮ ንሱ እውን ጽባሕ ንኻልእ ክሕግዝ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ኣብ ሜድያ ምውጻእና ድማ ነዞም ኣዝዮም ዝተጨነቑ ብገዛ እውን ብከመይ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ከም ትረክብ ዝሕብሩ ወገናትውን ስለዝመጹና ክሕገዙ እዮም ኢለ ይአምን።’ ይብል።
ብተወሳኺ ሮቤል ምስ ገንዘቦም ካብ እስራኤል፣ ጁባ፣ ኣንጎላን ካሎኦት ሃገራትን መጺኦም ሰኣን ቅኑዕ ሓበሬታን ምኽርን ገንዘቦም ተዘርዩ ጥራይ ኢዶም ዝተረፉ’ሞ ብክቱር ብስጭት ኣብ ቁማርን ወልፍታትን ክሕቡኡ ዝመረጹ፣ ገለ ኪኾነልና ብምባል ልቓሕ ወሲዶም ምኽፋሉ ስኢኖም ኣብ ጭንቀት ዝተሸመሙ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ ነዚኦም ናብቲ ገንዘቦም ኣውፊሮም ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ቅኑዕ መገዲ ክመርሑዎም ከምዝደልዩ የረድእ።
ስለዚ እቶም ንሓንቲ ዘይትጠቅም ሓበሬታ ዘይሚዛናዊ ክፍሊት ዝሓቱ ሕልና ክገብሩን ኣብ ክንዱኡ እቲ ርጡብ ሓበሬታ ብምሃብን ቅኑዕ መስመር ብምምልካትን ኩሉ ሰብ በበቲ ዝኸእሎ ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝን ኣእጃሙ ከበርክትን እውን ይጽውዕ።
ካብ ካናዳ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ዘለዎም ግንዛቤ እንታይ ይመስል?
ሮቤል ኣብ ካናዳ እዚ ዓይነት ጸገማት ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዛረበሉ፡ ብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ፣ ኣብ ካናዳ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዘሎ ኣይመስለናን እዩ ኔሩ ብምባል ከም ዝደወሉሉን ፣ ገለ ናብቲ ዓዲ ናይ ምጋሽ መደባት ዘለዎም እውን እንታይ ዓይነት ሞያ ወይ ትምህርቲ አጥርዮም ክመጽኡ ከምዘለዎም ምኽሪ ከምዝሓተቱዎ ይዛረብ።
‘ኣነ ክንደይ ይኽፈሎ ነቲ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ኣይፈልጥን እየ፤ ግን ዝገደፉ ገዲፎም ቛንቛ ኢንግሊዝ መሊኾም ክመጽኡ ኣለዎም እየ ዝብል። ኣብታ ዘለናያ ዓዲ ከፊልና ክንመሃር ዘይንኽእል እንተዄንና ድማ ኣብ ዩ-ትዩብ ብዙሕ ናይ ቋንቋ ትምህር ክወስዱ ኣለዎም።
ክሳብ ናብዚ ዓዲ ዝመጹ ድማ ምናልባት ናይ ስራሕ ዕድል ምስ ዝረኽቡ ዝኮነ ይኹን ከይናዓቑ ክሰርሑ ኣለዎም። እዚ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዓለም ኮይኑ ዝሕግዞም ሰብ ዓቢ ሓገዝ እዩ። ነቶም ሞያ ከጥርዩ ዝደልዩ ድማ ወላ እውን ደሞዝ ዘይብሉ ይኹን ኣብቲ ዝደልዩዎ ፈልኛሞ ፣ ፋጉሮ፣ መካኒክ ወዘተ...ብምውዓል ሞያ ከጥርዩን እቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ኩሉ ክጥቀምሉ፣ እቶም ትምህርቲ ዘለዎም ኮነ ብትምህርቲ ክቕጽሉ ዝደልዩ ሰባት ድማ ኩነታቶም ከይዓገቶም ኣብ ኣብ ቤት ንባብን ኣብ ኢዶም ዘሎን እናተጠቕሙ ፍልጠቶም ከኻዕብቱን ርእሶም ከዘኻክክሩን ሓደራ እየ ዝብል።’ ብምባል ሕውነታዊ ምኽሩ ይልግስ።
ነቶም ብዝተፈላልየ ምኽንያታት ገለ ብጽጋብ ገለ ብዘይፍላጥ ገለ ድማ ብክቱር ጭንቀት ኣብ ወልፍን ናይ ሓሽሽን ጠላዕን ጎደናታት ዝተጸናበሩ ድማ፣ ካቡኡ ዝመጽእ ፍታሕ ፈጺሙ ከምዘየለን ባዐሎም ን ገዛእ ርእሶም ካብ ምቕታል ክቑጠቡ ብምምዓድ ፣ ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ሰባት ድማ ነቶም ውሑዳት ከምኡ ጸገም ዘለዎም ሰባት ብዝተኻእሎም መጠን ክሕግዙን ካብቲ ሂወት ንክወጽኡን ከተባብዕዎም ይላቦ።