እስራኤል-ቓዛ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብነፈርቲ ተቐቲሎም

ኣብ ቓዛ ሓደ ኣውስትራልያውን ክልተ እንግሊዛውያንን ፖላንዳውያንን ክዀኑ’ዮም ዝተባህሉን ሰባት ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት ረድኤት ተቐቲሎም፤ እዚ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝበጽሐ ምዃኑ መስራትን ከሻንን ‘ዎርልድ ሴንትራል ኪችን’ ገሊጹ።

ጆሴ ኣንድሬስ፡ ሰራሕተኛታቱ “ብመጥቃዕቲ ኣየር ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል” ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ብሓማስ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ሚድያ ቓዛ'ውን ነዚ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ነቒፉ። እንተዀነ እዚ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ሰራዊት እስራኤል “ዕሙቕ ዝበለ ገምጋም” የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ኣቕሳ፡ ኣስክሬን እቶም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ፍልስጤማዊ መራሒ መኪናኦምን ናብ ሆስፒታል ከም ዝመጽአ ብምግላጽ፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ኣብ ደይር ኣልባላህ ብመጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምህራማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተው ሓደ ሓኪም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታታት ይወጽኡ ዘለው ኰይኖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ ሰራሕተኛ ረድኤት ላልዛውሚ "ዞሚ" ፍራንኮም ካብቶም ዝተቐትሉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ንቤተሰብን ፈተውቱን ክኣ ጽንዓት ተመንዩ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ኣብ ቓዛ ንዝሳቐዩ ዘለው ሰባት ሓገዝ ንምሃብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብወለንታ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ'ዩ። እዚ ድማ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ።

ኣውስትራልያ “ምሉእ ተሓታትነት” ክረጋገጽ ትጽቢት ከም እትገብር ብምግላጽ፡ “ፈጺሙ ክኸውን ዘይነበሮ ትራጀዲ” ምዃኑ ገሊጹ።

ፍልስጤማዊ ምንጪ ሕክምና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰራሕተኛታት መለለዪ ምልክት እቲ ገባሪ ሰናይ (WCK) ዘለዎ ጥይት ዘይበስዖ ቬስት ተኸዲኖም ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።

ጋዜጠኛታት እቲ ከባቢ፡ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት እዩ ዝበልዎ ፓስፖርትን ተንቀሳቓሲ ምስልታትን ብኢንተርነት ከካፍሉ እንከለው፡ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሓያሎ ሰባት እኳ እንተኣለለዩ ዝተረጋገጸ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይወጽአን።

እቲ ገባሪ ሰናይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላቱ “ኣብ ቓዛ ንዝገበርናዮ ሰብኣዊ ጻዕርታት ኣወሃህባ መግቢ ንምድጋፍ ኣብ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ እዋን ብመጥቃዕቲ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ።

“እዚ ትራጀዲ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሲቪላትን ፈጺሞም ዒላማ ክዀኑ የብሎምን- ፈጺሞም። ኵሉ ሓቅታት ምስ ኣከብና ተወሳኺ ሓበሬታ ከነካፍል ኢና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣንድሬስ ዝተባህለ ፍሉጥ ከሻኒ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ ሓበሬታ፡ መንግስቲ እስራኤል “ነዚ ኣፈላላይ ዘይብሉ ቅትለት ደው ከብሎ” ጸዊዑ።

እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ንቓዛውያን ረድኤት መግቢ ንምሃብ ኣማኢት ቶናት መግቢ ሒዛ ዝኣተወት ፈላመይቲ መርከብ ምስዳዱ ክዝረበሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ እቶም ክስታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኵነታት ናይዚ “ዘሕዝን ፍጻመ” ንምርዳእ ብዝለዓለ ደረጃ ዕሙቕ ዝበለ ገምጋም የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

“ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ውሑስ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽህሉ ሰፊሕ ጻዕርታት ይገብር’ዩ ዘሎ፤ ንህዝቢ ቓዛ መግብን ሰብኣዊ ሓገዝን ንምሃብ ኣብ ዝገብርዎ ኣገዳሲ ጻዕርታት ድማ ምስ ወርልድ ሴንትራል ኪችን ብቐረባ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ኣብቲ ፍጻመ ሓደ ኣውስትራልያዊ ዜጋ ከም ዝተቐትለ ቅድሚ ምርግጋጹ፡ “ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሰራሕተኛታት ህይወት ናይ ምድሓን ስርሓቶም ውሑስን ማሕለኻታት ዘይብሉን ክኸውን ትጽቢት ከም እንገብር ግልጺ ገይርና ነይርና ኢና” ኢሉ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ትማሊ፡ ንቢቢሲ ዝሰርሕ ዝርከቦም ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀጽሪ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ይዝከር።

እስራኤል፡ ዕጡቓት ሆስፒታላት ከም መሕብኢ ይጥቀምሉ ኣለው ዝብል ክስታት እኳ እንተኣቕረበት፡ ሓማስ ይዅን ሰራሕተኛታት እተን ሆስፒታላት ይነጽግዎ።

ኣልኣቕሳ እቲ ብሕታዊ ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ሆስፒታል እዩ።

እቶም ጋዜጠኛታት ድማ፡ ካብ ሞንጐ እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝርከቡ ግዝያዊ መዕቈቢ ቴንዳታት ኣጽሊሎም ዝነበሩ ኣማኢት ሰባት እዮም።

መብዛሕትኦም ካብ ሰሜን ቓዛ ዝመጽኡ ጋዜጠኛታት ኰይኖም፡ ኣብ ከቢድ ኵነታት ኰይኖም ስርሖም ክዓዩ ዝጸንሑን ኣብ ከባቢ እቲ ሆስፒታል ዘሎ ህይወት ዘርእዩ ኣሳእል ብምሻጥ ዝናበሩን ስድራኦም ዝኣልዩን ዝነበሩ’ዮም።

ብሰንበት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ 77 ሰባት ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝሞቱ ገሊጹ ነይሩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ወተሃደራዊ ወፍሪ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ልዕሊ 37 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፡ ካልኦት ልዕሊ 75 ድማ ቈሲሎም ከም ዘለው እቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ።