እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክኢላ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤል ብተግባራት ምጽናት ዓሌት ከሲሳ
ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ "ተግባራት ምጽናት ዓሌት" ፈጺማ እያ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ገሊጻ።
ፍልይቲ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፍራንቸስካ ኣልባነዝ፡ ኣብ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም ብዛዕባ ዘሎ ኵነታት ዘድሃበ ጸብጻብ ንኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ።
እስራኤል ግን ነቲ ዝረኸበቶ ውጽኢት ብኣጋ ነጺጋቶ ኣላ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እስራኤል ነቲ ኲናት ደው ከተብሎ ወይ ድማ ንሰለማውያን ሰባት ንምክልኻል ጻዕርታት ክትገብር ኣህጉራዊ ጸቕጢ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኣልባነዝ፡ "እቲ ገበን ምጽናት ዓሌት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምፍጻሙ ዘመልክት ርትዓዊ ምኽንያታት ኣሎ" ኢላ ደምዲማ።
ውጽኢት እታ ክኢላ ኣቐዲሙ’ውን እንተዀነ ብእስራኤል ተነጺጉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣምባሳደር እስራኤል "ኣዝዩ ዘሕፍር ንውዕል ምጽናት ዓሌት ዘዛብዕ" ክብል ገሊጽዎ።
እስራኤል፡ በቲ ንዓንቀጽ 7 ጠቒሱ ኣብ ፍልስጤምን ጐቢጣ ዝሓዘቶ መሬት ኣዕራብን ዘሎ ሰባ'ኣዊ ኵነታት ክምርመር ዝጽውዕ ንዓመታት ዝቐጸለ ኣጀንዳ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተቘጢዓ ጸኒሓ እያ።
እቲ ኣጀንዳ፡ ብባዕሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይኰነስ፡ ብኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸደቐ ኰይኑ፡ ግዜኡ ኣብቂዑ ኣይፈልጥን።
እስራኤል፡ ብኸምዚ ብዘላቕነት ክትምርመር ዝተሓተተት ሃገር የላን ብምባል፡ ንዕኣ ሕጋውነት ንምኽላእ ዝተኣልመ ነገር ምዃኑ እያ ትወቅስ።
ብዙሓት ሃገራት ግን ብፍላይ እተን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት፡ እቲ ኵነታት - ንፍልስጤማውያን መሰል ርእሰ ውሳነ ኣብ ዘይብሉ ፍታሕ ህላወ ክልተ ሃገራት - ቀጻሊ መርመራ ከምዘድልዮ፣ ሕጂ ድማ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት መርመራታት ክግበር ክምጕታ እየን ጸኒሐን።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ካብ ዘካይድ ንደሓር፡ ሚስ ኣልባነስ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑ ጸዊዓ ዝነበረት ኰይና ኣብዚ ጸብጻብ ድማ ደጊማ ጸዊዓ ኣላ።
እታ ክኢላ ኣብቲ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ "ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት ፍልስጤምን ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ ገበናት ብትሪ ትኹንን።"
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዘካየደቶ ኲናት’ውን ግን ነቐፌታኣ ብግልጺ ተዛሪባ እያ።
'ኣናቶሚ ዓሌታዊ ጽንተት'
ነዚ’ዩ ነይሩ ጸብጻብ እታ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት ዓቕሊ ጽበትን ፍርሕን ዝፈጠረ።
ሚስ ኣልባነስ ነቲ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ‘ኣናቶሚ ምጽናት ዓሌት’ ዝብል ኣርእስቲ ምጥቃማ ብልክዕ ዲፕሎማስያዊ ኣይነበረን። ብዙሓት ኣባላት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ንእስራኤል ዝድግፋ ሃገራት ጽቡቕ ኣይተሰምዐንን።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ፍሉይ ኵነታት ክምርምሩን ከማኽሩን ብሕቡራት ሃገራት ዕማም ይወሃቦም እምበር፡ ካብ ኢድ ኣእታውነት ግን ነጻ እዮም።
ምጽናት ዓሌት ሕጋዊ ቃል ኰይኑ፡ ጸብጻብ ሚስ ኣልባነስ ገለ ካብቶም ሕጋዊ መዐቀኒታት ከምዝተማልኡ’ዩ ዝሕብር።
ንሳ፡ እስራኤል ንፍልስጤማውያን ከም ጕጅለ "ብምሉእ ወይ ብኸፊል" ከተጥፍኦም ዝሓሰበቶ ይመስል ክትብል ጠቒሳ እያ፤ እዚ ድማ ኣብ ውዕል ኣንጻር ምጽናት ዓሌት ቀንዲ ዓንቀጽ እዩ።
ብፍላይ ንኽመጽእ ዝኽእል ምጽናት ዓሌት ዘመልክቱ ሰለስተ ባእታታት ትጠቅስ፤
- ኣባላት እቲ ጕጅለ ምቕታል
- ኣብ ኣባላት እቲ ጕጅለ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ምፍጣር
- ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ጕጅለ ብምሉእ ይዅን ብኸፊል ደይመደይ ኢልካ ኣካላዊ ዕንወት ንኽፍጠር ምስራሕ ዝብሉ ነጥብታት ኣስፊራ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ልዕሊ 32 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብ ሞይቶም።
ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ዝተፈጸመ ደብዳባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረብ ረድኤት ዝተገብረ ገደብ ነቲ ዓሌት ንምጥፋእ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ፍልስጤማውያን ተቐቢሎምዎ
ባዘል ኣልሱራኒ፡ ካብ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ፍልስጤም፡ ነቲ ጸብጻብ ብሓጐስ ተቐቢልዎ። ኣብዚ ግጭት ብዅሎም ወገናት ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዝተጣሕሰ ሓሳብ ኣቕሪቡ፤ ምጽናት ዓሌት ግን ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ገበን ስለዝዀነ ማሕበረሰብ ዓለም ሸለል ክብሎ ከምዘይክእል ተማጒቱ።
“ምጽናት ዓሌት ክፍጸም ምፍቃድ ንፍልስጤማውያን ጥራይ ኣይኮነን ዝጸሉ፣ ንዅሎም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ደቂ ሰባት'ውን ይጸልዎም'ዩ፡" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ሕጂ እስራኤል ብዘይ ተሓታትነት ምጽናት ዓሌት ትፍጽም እንተዀይና፡ ጽባሕ ኣየነይቲ ሃገር እያ ነዚ ብእስራኤል ዝፍሰም ዘሎ ምጽናት ዓሌት ከም መመኽነይታ ከምእትጥቀመሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዝዀነ፡ ብዘይ ተሓታትነት ምጽናት ዓሌት ክፍጸም ይኽእል እዩ” ኢሉ።
ነቲ ጸብጻብ ንምስማዕ ናብ ጀነቫ ዝተጓዕዘት ፍልስጤማዊት ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ታላ ናሲር፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሮም ብእስራኤል ዝተኣስሩ ኣሽሓት ሰባት ዕጫኦም ዝያዳ ኣቓልቦ ክስሕብ ተስፋ ትገብር።
"ልዕሊ 7 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ" ኢላ።
“ካብኣቶም ሰማንያ ሚእታዊት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ይርከቡ፣ እዚ ማለት ኣብ ልዕሊኦም ዝዀነ ክሲ ኣየቕርቡን ዘለዉ ማለት'ዩ።"
ስድራቤቶም፡ ምስኦም ርክብ ከምዘይነበሮምን፡ ኣበይ ከምዘለዉ እውን ሓበሬታ ከምዘይነበሮምን ኣመልኪታ።
ቍጥዐ እስራኤል
ዲፕሎማሰኛታት እስራኤል ምቝጥዖም ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደራ መይራቭ ኣይሎን ሻሃር ነቲ ጸብጻብ "ጽዩፍ ኣንጻር ክውንነት" ክብል ብምግላጽ፡ ሚስ ኣልባነስ፡ ንመሰል ህላወ እስራኤል ኣብ ሕቶ ኣእትያቶ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ብዙሓት እስራኤላውያን እውን ክስንብዱ ተኽእሎ ኣሎ። ከምኡ’ውን እቲ ሓሳብ ምጽናት ዓሌት፡ ናብታ ከም ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝገበሮ ምጽናት ዓሌት ዝተመስረተት ሃገር፡ ዓሚቝ ቅሬታ ከስዕብ እዩ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ስድራቤታት ገና ዜና ናይ ዝፈትውዎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ይጽበዩ ኣብ ዘለዉሉ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግዘት ብግልጺ ምስማዕ ከቢድ እዩ።
ኣቦኣ ጅሆ ዝተታሕዛ ኖኣም ፐሪ እውን ናብ ጀነቫ ተጓዒዛ። ትዅረታ፡ ብባህርያዊ መገዲ፡ ኣቦኣ ከይርሳዕ እዩ። "ኣቦይ ካብ መረበቱ እዩ ተጨውዩ" ትብል።
"ምስ ኣደይ ኣብ ገዛኡ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ወዲ 80 ዓመት ሰብ'ዩ፤ ካብኡ ድማ ብጭካነ ተወሲዱ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣሰሩ የለን። ርክብ የብሉን፡ ኣብ ዓለም ምስ ዝዀነ ሰብ ኣይተራኸበን" ኢላ።
ብዙሓት ፍራንቸስካ ኣልባነዝ ዝተጠቐመትሎም ቃላት ዘይክፈትውዎ ይኽእሉ’ዮም። እንተኾነ ትሕዝቶ ጸብጻባ እስራኤል ኣብ ቓዛ እትኽተሎ ዘላ ስትራተጂ ንኽትቅይር ጸቕጢ ከምዝውስኽ ይግመት።