ቅልውላው እስራኤል-ቓዛ፡ ንዲፕሎማሲ ኣመሪካ ብኸመይ ይፍትኖ ኣሎ?

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ከካይድ ዝቐነየ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ንዘለዉ ንምፍታሕ ስምምዕ ክግበር ዝጽውዕ ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ጐደናታት ዝወጹ እስራኤላውያን ሰልፈኛታት ኣእዳው ሒዙ፡ "ገዛኦም ክምለሱ ንሰርሕ ኣለና" ክብል ተሰሚዑ።

እዚ ካብ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ንህዝቢ እስራኤልን ንቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁን ዝተዋህበ ሓያል መልእኽቲ እዩ ነይሩ፤ ኣመሪካ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕ ዘኽእል ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ብተወፋይነት ክትደፍእ ጸኒሓ እያ።

ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ መልእኽቲ፡ ኣመሪካ ነቲ ኲናት ዋላ'ኳ ጽኑዕ ቅድመ ኵነት እንተሃለዎ ደው ከተብሎ ትፍትን ኣላ።

ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላውን ብዘስካሕክሕ መልክዑ ዝዓቢ ዘሎ ቍጽሪ ዝሞቱ ሲቪላትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዓለምን ዝወረዳ ከቢድ ጸቕጢ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ሚስተር ብሊንከንን፡ ንቓዛ ዝያዳ ሓገዝ ንኸተእቱን ንነዊሕ እዋን ዝጠመተ መጻኢ እቲ ግዝኣት ዘረጋግጽ ውሕስነት ዝህብ ውጥን ክቐርብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክገብርዎ ዝጸንሑ ጸቕጢ ብግልጺ እናትረርዎ ካብ ዝመጹ ሰሙናት ኣቝጺሩ ኣሎ።

እቲ ቅልውላው እናዓሞቐ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ግን ደረት ጽልዋ ኣመሪካ እናነጸረ መጺኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣመሪካ ንተግባራት እስራኤል ኣንፈት ንምትሓዝ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትሰርሕ ተራእያ እያ።

እዚ ድማ ምልክት ናይቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቍጥዐ ፕረዚደንት ባይደን ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ብኣመሪካውያን ዝተነድፈ እማመ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቓዛ ከቢድ ጥሜት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣብ ዘጠንቅቐሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል ናብ ቓዛ ዝያዳ ሓገዝ ከተእቱ ዝጽውዕ እዩ።

እዚ ድማ ነቲ 'ሓማስ ጅሆ ንዝሃዞም ክፈትሕ፡ ተዅሲ ደው ክብል' ዝብል ብቐጠር ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሽምግልና ዝድግፍ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ እስራኤል ኣብታ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ዝነብሩላ ከተማ ራፋሕ እተካይዶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፣ መጥቃዕቲ ከይተካይድ እውን ዘጠንቅቕ እዩ።

እቲ ውሳነ፡ ሩስያን ቻይናን ብዘለወን መሰል ቀውፊ ስለዝነጸጋኦ እዩ ፈሺሉ።

ብሊንከን፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቤን ጉርዮን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ነዚ ዝገበራ ሃገራት ምስቲ ትሕዝቶ ዝዀነ ርክብ ብዘይብሉ ምኽንያት ከምኡ ምግባረን ብምግላጽ፡ ኰኒኑ። መጥቃዕቲ ራፋሕ ንእስራኤል ዓለማዊ ደገፍ ከስእና ከም ዝኽእል እውን ኣጠንቂቑ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ “ንዝያዳ ሰላማውያን ሰባት ንሓደጋ ሞት ዘቃልዕ እዩ፣ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝያዳ ዕንወት ከስዕብ እዩ፣ እስራኤል ካብ መላእ ዓለም ዝያዳ ንኽትንጸልን ንነዊሕ ዝጸንሕ ጸጥታኣን መርገጺኣን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ፡” ክብል ብሊንከን ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መንጐ መራሕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዘሎ ፍልልይ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ በንያሚን ነታንያሁ ንገምጋም ብሊንከን መልሲ ሂቡሉ።

“[እቲ መጥቃዕቲ ራፋሕ] ብደገፍ ኣመሪካ ክንገብሮ ተስፋ እገብር ኢለዮ ነይረ፤ እንተኣድልዩና ግን በይንና ክንገብሮ ኢና” ኢሉ።

እዚ ግን፡ ዋላ’ኳ ጸቕጢ እንተገብረት ነታ ዓባይ ሃገር ዘግልል ዘሎ መርገጽ ምዃኑ ይግምገም።

'ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ክፍቀድ ኣለዎ'

ፍሉይ ሓይሊ ዲፕሎማሲ ኣመሪካ፡ በቲ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣውሮጳ፡ ኤስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምዕጋት ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ክርአ ይከኣል እዩ።

እንተዀነ 'እቲ ጻዕሪ' ኣብ ዲፕሎማሲ ኣመሪካ ግርንቢጥ ምዃኑ እዩ ዝንቀፍ። ኣመሪካ ናብታ ቀንዲ መሓዛኣ [እስራኤል] ኣጽዋር እናሰደደት፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ዘውረዶ ሲቪላዊ ስቓይ ንምቅላል ጻዕሪ ክትገብር ትርአ ምህላዉ ተጋራጫዊ ምዃኑ እዩ ዝቐርብ ዘሎ ወቐሳ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ዳህሳስ ውሕስነት መግቢ፡ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ቓዛ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ምስ ኣዕናዊ ጥምየትን ዓጸቦን ተፋጢጡ ከምዘሎ ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜን ቓዛ፡ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ከቢድ ሓደጋ ሰብ ዝፈጠሮ ጥሜት ከምዝህሉ ሓቢሩ።

ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ እውን ኣብዚ ጉዳይ ብዓውታ ክዛረቡ ይስምዑ ኣለዉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ጕጅለ ሰነተራት ዲሞክራትን ኣስታት 70 ዝዀኑ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ወተሃደራዊ መኮንናትን ነበር፡ እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ምድራት እንተቐጺላ ፕረዚደንት ባይደን ቀረብ ኣጽዋር ንምቍራጽ ክሓስበሉ ከምዘለዎ ጸዊዖም።

እስራኤል፡ ኣብ ጉዳይ ምክፍፋል እኹል መግቢ ንቓዛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትወቅስ እያ ትስማዕ። ሕቡራት ሃገራት ነዚ ምሉእ ብምሉእ ዝነጽጐ’ኳ እንተዀነ፡ እስራኤል ግን ኣብ መፈተሺ ነቝጣታት ዝግበር ገደብን ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ፖሊስ ቃፍላይ መካይን ረዲአት ዝግበር መጥቃዕትን፡ ኣካል ናይቲ ንሓማስ ንምውጋድ እትገብሮ ጐስጓስ ገይራ እያ ከተቕርቦ ትፍትን።

ብሊንከን ኣብ ማኒላ - ርእሰከተማ ፊሊፕንስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ናይ ጸጥታ ባዶነት ንመጻኢ እቲ ግዝኣት ኣመት ዝህብ ድዩ? ከመይ ኢሉ እዩ እስራኤል ነቲ ዘቕረቦ ሓሳባት ንኽትቅበሎ ከእምን ዝኽእል? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ።

ንሱ፡ ሓማስ ኢዱ እንተሂቡ እቲ ስቓይ ጽባሕ ከብቅዕ ከምዝኽእል ሓቢሩ። ይዅን ግን ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ክፍቀድ ከምዘለዎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጉዳይ ጥሜት ዝምልከት ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ድጋፍ ሂቡ፤ "100 ሚእታዊት ህዝቢ ቓዛ ኣብ ከቢድ ደረጃ ስቓይ ዘይውሕስነት መግቢ እዩ ዘሎ። ምሉእ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ክወድቕ ንመጀመርታ ግዜ'ዩ" ኢሉ።

መብዛሕትኡ ዑደት ብሊንከን ኣብ ምሕደራ ቅልውላው ዘድሃበ እዩ ነይሩ። ናብ ቓዛ ሓገዝ ንምእታው፣ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምውጻእን መወዳእታ ናይቲ ግጭት ንምርግጋጽ - እዚ ድማ ከምቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካይዶ መጥቃዕቲ “ድሕሪ ሕጂ ክድገም ከምዘይክእል ምርግጋጽ” ኣብ ዝብል ዝተኰረ እዩ ነይሩ።

ማዕረ ማዕረኡ ድማ ድሕሪ ኲናት ብዛዕባ ዝህሉ መጻኢ ንምውጣን ይጽዕር ኣሎ። ኣመሪካ በዓል መዚ ፍልስጤም ንቓዛ ከመሓድር ትደሊ። እዚ፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ስምምዓት ኦስሎ ዝተመስረተን ኣብ 2007 ብሓማስ ካብ ቓዛ ዝተባረረን ኣካል እዩ።

ኣመሪካውያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢ ዋጋ ዕዳጋ ክገብሩ ዝኽእሉ ኰይኑ እዩ ዝስምዖም።

ንሳቶም፡ ነቲ ህላወ ‘ክልተ ሃገራት’ ዝብል ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ምብራቕ እየሩሳሌምን ቓዛን ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ዘመሓድር ናጻ መንግስቲ - ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ዝዀነ - ኣብ ጐድኒ ውሕስነታ ዝተረጋገጸ እስራኤል ንዝብል እማመ እዮም ዝኽተሉ።

እታ ዳግማይ እትህነጽ ቓዛ፡ በቲ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝድገፍ በዓል መዚ ፍልስጤም ክትምራሕ፣ እዚ በዓል መዚ ድማ ብገንዘብ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብ እትርከብን ሃገራት ዓረብ ዝሰልጠኑ ሓይልታት ጸጥታን ዳግማይ ህይወት ክትረክብ ተስፋ ይግበር።

ኣብ ርእሲ’ዚ ስዑድ ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ክትህብ፣ እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ንምውህሃድ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ዝሕግዝ ኰይኑ ነዊሕ ብእስራኤላውያን ክድለ ዝጸንሐ ዕላማ እዩ።

ከም ኣምሳያኡ ድማ ስዑዳውያን ምዕቡል ኣጽዋር ምስ ኣመሪካ ዝግበር ውዕል ጸጥታን ብኣመሪካ ዝድገፍ ንሲቪላዊ መዓላ ዘገልግል ኒዩክለራዊ ጸዓትን ክረኽቡ እዮም።

ብርግጽ እዚ ዘይከኣል ዓቢይ ጥሙሕ ዝመስል።

ኣመሪካውያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ እቲ ዞባ ዝኸፍአ ደም ምፍሳስ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዕላማቶም ንምዕዋት ኣብ ዝህሉ ተኽእሎታት ሰናፋት ኣይኰኑን።