ወተሃደራት እስራኤል ካብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ኣንሳሒቦም

ሰራዊት እስራኤል፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ወተሃደራዊ ዘመተ ኣብ ከተማ ቓዛ ካብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ከም ዝሰሓበ ገሊጹ፤ እንተዀነ መብዛሕትኡ ክፋል ናይቲ ሆስፒታል ዓንዩ ይርአ።

ብመሰረት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ሰራዊቱ "ኣሸበርቲ” ቀቲሎም፡ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ኣጽዋርን ስለያዊ ሰነዳትን ድማ ረኺቦም።

እቲ ዘመተ፡ ሓማስ ነቲ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከም ዕርዲ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ዘመልክት ስለያዊ ሓበሬታ ከምዝረኸበት እስራኤል ድሕሪ ምግላጻ'ዩ ተፈጺሙ።

ሓማስ ግን፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንምክያድ ናይ ሕክምና ቦታታት ይጥቀም ዝብል ክሲ ኣይቅበሎን።

ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ቓዛ ዝዓበየ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ድሕሪ ናይ ሎሚ ሰኑይ ምስሓብ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት "ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ሽፋ ልክዕ ስርሒታዊ ንጥፈታት ፈጺሞም ካብቲ ከባቢ ወጺኦም" ኢሉ።

ቅድም ክብል ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ፍልስጤም ኣብ ከባቢ እቲ ቀፅሪ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሬሳታት ከምዝተረኽበን፡ ንመሰኻኽር ዓይንን ሚኒስትሪ ጥዕናን ብምጥቃስ ገሊጸን።

ቢቢሲ ነቶም ጸብጻባት ብነጻ ወገን ኣየረጋገጾምን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ኣልሺፋ 21 ሕሙማት ከምዝሞቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ድማ ልዕሊ 200 "ኣሸበርቲ" ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

እቲ ወፍሪ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን፡ ዋና ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ "ኣሸበርቲ ሓማስ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣልሺፋ ዳግማይ ተኣኻኺቦም" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

እቲ ሰራዊት፡ ሽዑ ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል "ሸቶኡ ዘነጻጸረ" ስርሒት ይጅምር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ቀጽሪ ተዓቚቦም ዝነበሩ ተመዛበልቲ ሲቪላት ብቕልጡፍ ክወጹ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

እቲ ዘመተ ብ18 መጋቢት ንግሆ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ድምፅታት ተዅስን ታንክታትን ከምዝረአዩ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

እስራኤል ኣብ እዋን መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ናብኡ ከምዝተወስዱ መርትዖ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ፡ እያ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣልሺፋ ዘመተ ኣካይዳ።

እስራኤል፡ ሓማስ ስርሒታት ንምክያድ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ከም ጉልባብ ከምዝጥቀም፡ ብተደጋጋሚ ክትከስስ ጸኒሓ’ያ፤ እቲ ጕጅለ ፍልስጤም ግነ ነዚ ክሲ ይነጽጐ።

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ዘሎ ኵነታት "ከበባ" ክብል ገሊጽዎ።

ቅድሚ ምስሓብ ሰራዊት ኣብ ኤክስ - ናይ ቀደም ትዊተር - ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ገና ኣብ ውሽጢ ኣልሺፋ ብሕጽረት መግቢ፣ ማይን ሕክምናዊ ቀረብን ንሃለዋቶም ይቃለሱ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ሚስተር ነታንያሁ ግን ኣልሺፋ "ሽበራዊ መሽጐራጕር" ምንባሩ ደጊሙ ብምግላጽ፡ ወተሃደራት እስራኤል "ልክዕን መጥባሕታዊን" ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ንጻዕርታት ንኢዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ስሩዕ መርመራ ንዘተረኸበ ዕንፍሩር፡ ንምፍዋስ ናብ መጥባሕቲ ቅድሚ ምእታዉ ሰንበት ምሸት እዩ ገሊጹ።

እቲ መጥባሕቲ፡ መንግስቱ ኣብ ኣተሓሕዛ ኲናት ቓዛ ዝምልከት፡ ኣብ እየሩሳሌም ቍጥዐ ዝመልኦ ሰልፍታት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝተፈጸመ ዀይኑ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከመዘሎ ተገሊፁ።

ኣሽሓት ካብቶም ናብ ጐደናታት ዝወጹ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ተወሳኺ ስጕምቲ ክውሰድ ይጠልቡ።

ኣስታት 130 ሰባት - ብውሕዱ 34 ካብኣቶም ሞይቶም ተባሂሎም ዝግመቱ - ድሕሪ'ቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተረኽበን።

ሚስተር ነታንያሁ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ቓዛ ዝተረፉ ጅሆታት ኣብ ምድሓን እኹል ከምዘይገበረ ዝኣምን ገለ ክፋል ሕብረተሰብ እስራኤል ጸቕጢ ይወርዶ ኣሎ።

ብተወሳኺ ብሰንበት፡ ንጕጅለ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ (PIJ) ዒላማ ዝገበረ ሆስፒታል ኣልኣቕሳ ብዝብል መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር 7 ጋዜጠኛታት - ንቢቢሲ ዝሰርሕ 'ፍሪላንሰር' ሓዊሱ - ቈሲሎም።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ንዝነበረ ህንጻ ዘዕነወ ኰይኑ፡ ፒ.ኣይ.ጀይ ከም ማእከል ትእዛዝ ይጥቀመሉ ከምዘሎ እዩ ዝገልፅ።

ኣርባዕተ ኣባላት ፒ.ኣይ.ጀይ - ምስ ሓማስ ምሕዝነት ዘለዎን ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈን - ከምዝተቐትሉ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።