'ተኸቢብና ኣለና'፡ ኣብ ሓደገኛ ዶብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓረደ ሰራዊት እስራኤል

ብሰለስተ ሸነኽ ብሊባኖስ ዝተኸበበ ስፍራ መሬት ኣቢልካ ናብታ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ እስራኤል መቱላ እትኸይድ ጽምዋ ዝመልኣ ጽርግያ ኣላ። እዚ ማለት ብሰለስተ ሸነኽ በቲ ዝሓየለ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ዝዀነ ሕዝቦላህ እውን ተኸቢባ ኣላ ማለት እዩ።

ኣብ ወሰን መቱላ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣ ዝነበሩ ወተሃደራት ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ እቲ ከባቢ ኰይኖም መብዛሕትኦም ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ዕቝር ሰራዊት እዮም።

ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ዶብ ዘሎ ሓይሊ ዝዀነ ምድንጋር ዘይብሎም እዮም።

ኣብ ሓንቲ ሕሱምን ግመ ዝበዝሖን ለይቲ ዝናብ እናወረደ እንከሎ፡ ሓደ ካብኣቶም ስሙ ክርቋሕ ዘይደለየ፡ ኣጻብዕቱ ተጠቒሙ ነቲ ኮምፓስ ብምትንካፍ፡ ናብ ዶብን ኣቀማምጣ ሕዝቦላህን የመልክት ነይሩ።

"ብምዕራብ ርብዒ ማይል፡ ብሰሜን ፍርቂ ማይል ካልእ ፍርቂ ማይል ንምብራቕ፤ ስለዚ፡ ብ300 ዲግሪ ብሕዝቦላህ ተኸቢብና ኣለና።"

እቶም ካልኦት 60 ዲግሪታት፡ ነቲ ናብ ዝተረፈ እስራኤል ዝኸይድ ቍልቁል ኣፉ ዝወርድ ጽርግያ ዘጠቓልል እዩ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ዝተጀመረ ኲናት ቓዛ፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ዝዀኑ ኣስታት 1200 እስራኤላውያን ምቕታሎም ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ዝመጸ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 27 ሽሕ ፍልስጤማውያን ዝቐተለ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ድማ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ዶባት ዘሎ ግጭት ብቐጻሊ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ።

እንተዀነ ናብ ምሉእ ኲናት እንተተሰጋጊሩ፡ ከመይ ሓደገኛ ከምዝኸውን ኵሎም እቶም ወገናት ይፈልጡ እዮም።

ነቶም ኣብ ወሰን መቱላ ዝነበሩ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ሰባት ድማ ዝያዳ ጽኑዕን ንጹርን እዩ።

እቲ እስራኤላዊ ኣባል ዕቑር ሰራዊት ኣስዒቡ፡ "እወ ብርግጽ ናብ ዓቢ ኲናት ክቕየር ይኽእል'ዩ፡ ምስ ሕዝቦላህ ዝካየድ ዓቢ ኲናት ድማ ከም ምስ ሓማስ ቀሊል ኣይኰነን፤ ናይ ብሓቂ ሰራዊት እዮም፣ ኣዝዮም ዝሰልጠኑ፣ ዓቢ ዕጥቂ ዝተሓንገጡን ኣብ ኲናት ሶርያ ብዙሕ ተመኵሮ ዘለዎምን፡ ናይ ብሓቂ ተዋጋእትን እዮም።”

ሕዝቦላህ ኣብ ኲናት ሶርያ ጣልቃ ብምእታው ንስርዓት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ደጊፉ ተቓሊሱ እዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት ማእከላይ ምብራቕ ናብ መቱላ ክበጽሕ መደብ የብሉን።

እንተዀነ እቲ ካብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘሎ ነዊሕ በረራ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ርእሰ ከተማታት ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ሓደገኛ ኵነታት ክግንዘብ ኣለዎ።

ድሕሪ 7 ጥቅምቲ ንሓሙሻይ ግዚኡ ናብቲ ዞባ ተመላሊሱ ኣሎ።

እዚ ይዅን ግን ብሊንከን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተወሊዑ ዘሎ ቅልውላው ከህድእ ኣይፈተነን።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ጐድኒ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ደው ኢሉ፡ "ንምእማኑ ዘጸግም እዩ... እንተወሓደ ካብ 1973 ጀሚሩ ከምዚ ሕጂ ኣብ መላእ ዞባና ኣጋጢሙና ዘሎ ሓደገኛ ኵነታት ኣይረኣናን፤ ቅድሚኡ’ውን እንተዀነ ከምዚ ዝበለ ኣይነበረን” ኢሉ ነይሩ።

እዚ ምሉእ ብምሉእ ምውድዳር እዩ።

ኣብ 1973 ዝተኻየደ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሓደ ካብቶም ሓደገኛታት ግጥም ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዝሑል ኲናት እዩ።

ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ሪቻርድ ኒክሰን፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ሕብረት ሶቭየት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተግዕዝ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጹ፡ ስትራተጂያዊ ሓይልታት ኣመሪካ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ግዜ ሰላም መጠንቀቕታኦም ዝኾነ ‘ደፍኮን 3’ ክጸንሑ ኣዚዙ።

ሚስተር ብሊንከን ነዚ ዝዛረብ ዘሎ፡ ብኢራን ዝሰልጠኑን ዝምወሉን ሚሊሻታት ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ ምቕታሎም እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣሜሪካ ብዓባይ ብሪጣንያ ተሓጊዛ፡ ኣብ የመን ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ወፍሪ ጀሚራ ኣላ። ሰብስልጣን ኣሜሪካ፡ ነቲ ኵነታት ንምርግጋእ እምበር ንምግዳድ ከምዘይኰነ ይዛረቡ፡ እዚ ግን ፈጺሙ ርግጸኛ ኣይኰነን።

ሓውኪሽ ነቐፍቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክሳብ ሕጂ ዝተወስደ ስጕምቲ ነታ ኣብ ሊባኖስ ንሕዝቦላህን ኣብ የመን ንዝርከቡ ሑቲን ከምኡ’ውን ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንዝርከቡ ሚሊሻታት ሺዓ እትድግፍ ኢራን ከምዘይዓግት ይዛረቡ።

ሓውኪሽ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ቴህራን ወከልታን መሻርኽታን ክዳለዉ ክትእዝዝ ዘገድድ እዩ ይብል።

ምምሕዳር ባይደን ንባዕላ ንኢራን ንምጥቃዕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሕ ግጭት ናይ ምፍንጃር ሓደጋ ከምዘለዎ ይኣምን።

ኣብ ዝሓለፈ መገሻታት ብሊንከን፡ ኣመሪካ ንውግእ እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ዘለዋ ደገፍ ብተደጋጋሚ ገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኣገባብ ውግእ እስራኤል ግን ከቢድ ጥርጣረታት ከምዘለዋ ይዛረብ።

እንተዀነ ጻውዒታት ዋሽንግተን፡ እዝኒ ኣይረኸበን።

ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ኣመሪካ ንወፍሪ ዘድልያ ኣጽዋር ንእስራኤል ምቕራባ ኣይገደፈትን።

ርግጽ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል ኣብቲ ዕጽዋ ንዝርከቡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ሲቪላት ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትገብር ኣብ ምግዳድ ተዓዊታ እያ።

ኣብ ዝሓለፈጥቅምቲ መራሕቲ እስራኤል ዝዀነ ነገር ክኣቱ ከምዘይፍቀድ ገሊጾም ነይሮም።

ዋላ ከምኡ ይዅን እምበር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ቓዛ ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ረድኤትን እስራኤል ናብቲ ዘድልዮም ዝቐርብ ነገር ከምዘይፈቐደት ይዛረቡ።

ኣብ ዞባ ኲናት ንዝርከቡ ሲቪላት ክሕግዙ ዝፍትኑ ዘለዉ ሰብ-ሞያ ሓለፍቲ ረድኤት፡ ኣብ ህይወቶም ከምዚ ሕማቕ ርእዮም ከም ዘይፈልጡ ነጊሮምኒ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ዝጸንሐ (ጋዜጠኛታት ብእስራኤልን ዶባት ዝቈጻጸራ ግብጽን ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን) "ከምዚ ዝበለ ዓቐን፡ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘለዎ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ሚስተር ብሊንከን ቀዳምነት ዝህቦ ስራሕ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ምባል እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ንማእከላይ ምብራቕ ከህድኦ ዘድልዮ፡ ቀጻልን እናገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዘስዕቦ ዘስካሕክሕ ሓደጋታትን ጥራይ ኣይኰነን።

ኣብዚ ዓመት መረጻ ስለዘጋጥሞ እዩ፤ ገለ ኣመሪካውያን ነቲ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ዕንወት፡ ባይደን ንእስራኤል ዝህቦ ደገፍ ብምውቃስ ድምጺ ይኸልእዎ ከም ዘለዉ ይሕብሩ።

ኣመሪካ፡ ቐጠር፡ ግብጽን እስራኤልን ዘሳተፈ ዳግማይ ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ሰፊሕ ዕድል ፈጢሩ’ኳ እንተነበረ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን።

ሓማስ እማመኡ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ን135 መዓልታት ዝጸንሕ ሰለስተ ደረጃታት ዘለዎ መስርሕ ክካየድ ዝደሊ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን እሱራት ደረጃ ብደረጃ ጅሆ ንምልውዋጥ ዘኽእል እዩ።

ነዊሕ ዝርዝር ጠለባት ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ትርጕም ዘለዎ ድማ ኣብ መወዳእታ፡ እስራኤል ሓይልታታ ካብ ቓዛ ስሒባ እቲ ውግእ ደው ክብል- ዝብል ይርከቦ።

ነዚ ኵሉ ጻውዒት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ነጺግዎ ኣሎ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ እስራኤል፡ ንሓማስ ምጥፋእን ጅሆ ዝተታሕዙ ብሰላም ናብ ዓዶም ምምላስን እያ ከም ዕላማን ዓወትን ክትገልጽ ጸኒሓ።

ክልቲኡ ዕላማታት ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተን።

ሚስተር ነታንያሁ፡ እስራኤል፡ ንሓማስ ሕድገታት ከምዘይትገብር ብምግላጽ፡ ሓይልታታ ናብ “ምሉእ ዓወት" ተቓሪቦም ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት'ውን እስራኤል ንመራሕቲ ሓማስ ክትቀትል ከምእትደሊ ገሊጹ'ሎ።

ሚስተር ብሊንከን፡ ስምምዕ ክግበር ከምዝኽእል ዛጊድ ይኣምን።

ብድሆኡ ኣብ መንጐ እቶም ተጻረርቲ መርገጺታት እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ፍልልይ ከጽብብ ምፍታን እዩ።

ሓማስ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ኲናት ዝነበሮ ርእሰ ተኣማንነት ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

መጥቃዕቲ እስራኤልን ቅትለት ብዙሓት ሲቪላትን ማለት ኣብቲ ኲናት ተዓጽዮም ዘለዉ ቓዛውያን ኣንጻር ሓማስ ይቘሙ ኣለዉ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ መራሕቱ ልዝብ ክፍትኑ ከምዘለዎም ዘገድድ እዩ።

ኣብ እስራኤል፡ ምስቲ ኵሉ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርን መሻርኽቱን ዝወጽእ ዘሎ ቈራጽ ዘረባ፡ ነቶም ጅሆታት ንምምላስ ዝሕግዝ ዕድል ንምፍጣር፡ ተዅሲ ደው ከብል ጸቕጢ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ሚስተር ብሊንከን ግን ዝዕወት ኣይመስልን።

ሓደ ወይ ክልቲኦም ወገናት ርኡይ ሕድገታት እንተዘይገይሮም፡ ተዅሲ ደው ምባል ዘይሕለም ይመስል።