እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ የካየዱ ኣለው
ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ንዝተወሰነ እዋን ንጐድኒ ተሓዲጉ ዝጸንሐ ዓሚቝ ፖለቲካዊ ፍልልይ እስራኤል ዳግም ናብ መድረኽ ይምለስ ኣሎ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ዳግማይ ኣብ ጐደናታት እስራኤል ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።
እቲ ኲናት ንነዊሕ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ንዝነበሮም ተበግሶ ተወሳኺ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ እየሩሳሌም፡ ፖሊስ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ንዝወስድ ዓብይ መገዲ እታ ከተማ ዝዀነ ቢግን ቦውለቫርድ ንዝዓጸው ሰልፈኛታት ንምብታን ካብ መዳፍዕ ማይ ዝትኮስ ረሳሕ ጨና ዘለዎ ንጥረ ነገር ተጠቒሞም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክወርድን ኣቐዲሙ መረጻ ክካየድን ዝጠልብ ጭርሖታት ዝሓዙ ሰልፈኛታት፡ ገና ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣስታት 130 እስራኤላውያን ንምፍታሕ ቅልጡፍ ስምምዕ ክግበር ጸዊዖም።
ካብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ዓብይ ስግኣት ስድራን መሓዙትን ከምኡ’ውን ተቓወምቲ፡ ስምምዕ ከይተገብረ እቲ ኲናት ዝቕጽል እንተዀይኑ መብዛሕትኦም ብጥምየት ክሞቱ’ዮም ዝብል’ዩ።
ትማሊ ኣጋምሸት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ከባቢ ፓርላማ እስራኤል ዝርከቡ ጐደናታት ክስለፉ እንከለው፡ ኣብ ቓዛ ናብ ዘሎ ሰራዊት ወዳ ዝኸደ ካቲያ ኣሞርዛ ተቓውሞኦም ካብ ዘስምዑ ስድራቤታት ሓንቲ ነይራ።
ንሳ፡ “ካብ ንግሆ ሰዓት ሸሞንተ ኣትሒዘ ኣብዚ ኣለኹ። ሕጂ፡ ነታንያሁ ክወጽእን ድሕሪ ሕጂ ከይምለስን ናይ ሓደ መንገዲ ትኬት - ቀዳማይ ደረጃ- ክኸፍልን ሕጕስቲ ምዃነይ ክነግሮ እደሊ። ብተወሳኺ፡ ኵሎም ኣብቲ ዝመረጾ መንግስቲ ዘእተውዎም ሰባት ኣብ ሕብረተሰብና ዝኸፍኡ ሰባት በብሓደ ሒዙዎም ክኸይድን እነግሮ” ኢላ።
ኣብ እየሩሳሌም ሳልሳይ ቅዱስ መስጊድ ኣል ኣቕሳ ኣብ ዝርከበሉ ንጸሎት ኣይሁድ ዝጕስጉስ ራባይ የሁዳ ግሊክ፡ እቶም ሰልፈኛታት እቲ ሓቀኛ ጸላኢኦም ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ዘይኰነ ሓማስ ምዃኑ ረሲዖም ኣለዉ ክብል ተዛሪቡ።
“ኣዝዩ ተፈታዊ እመስለኒ። ነዞም ሰባት ዘሕርቘም ድማ እዚ'ዩ። እዞም ሰባት፡ ንነዊሕ እዋን ኣንጻሩ ሰልፊ ከካይዱ ጸኒሖምን ሕጂ’ውን ኣብ ስልጣን ምህላዉ ይቕረ ክብሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኣይመስለንን። ሰልፊ ክገብሩ፡ ዓው ኢሎም ክዛረቡን ዝስምዖም ከነጽሩን ይኽእሉ፤ ግን ከኣ ነቲ ኣብ መንጐ ዲሞክራስን ስርዓት ኣልቦነትን ዘሎ ኣዝዩ ቀጢን መስመር ከይሰግሩ ክጥንቀቑ እጽውዕ” ይብል።
ተቓወምትን፡ ደገፍቲ እስራኤል ኰይኖም ግን ከኣ ነቐፍቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ደገፍ እቶም ሕሉፋት ኣይሁዳውያን ዝምርኮስ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ ጸላእቲ ዲሞክራሲ ተሓቚፎም ከም ዘለዉ እዮም ዝኣምኑ።
ሓደ ካብኦም፡ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ቤዛሌል ስሞትሪች ዝምራሕ ሰልፊ ሃይማኖታዊ ጽዮናውነት’ዩ።
ሓደ ካብ ኣባላት ባይቶ ዝዀነ ኦሃድ ታል፡ ሓማስ ጅሆ ሒዙ ዝወሰዶም ሰባት ንምፍታሕ ካብ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኣሎ ኢልካ ምእማን “ግርህና” እዩ ኢሉ።
“ሓማስ ብስምምዕ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብቐሊሉ ክመልሶም፡ ንዅሉ ሰብ ክፈትሕ'ሞ ንዅሎም ብኸምዚ ዝኣመሰለ ውዕል ዝለቐቕናዮም ኣሸበርቲ ክንቀትሎም ከፍቅደልና’ዩ ኢልኩም ኣይትሓስቡን . . . ክሳብ ክንድዚ ቀሊል ኣይኰነን። ንዅሎም ጅሆታት ንምምጻእን ኵሉ ነገር ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ዝጥወቕ ሓደ ነገር እንተዝህሉ፡ ኵሉ እስራኤላዊ ነዚ መጠወቒ ምተጠቐመ። ግን ከምቲ እትሓስቡዎ ቀሊል ኣይኰነን” ክብል ተዛሪቡ።
በንያሚን ነታንያሁ ውሕስነት ሃገሩ ክሕሉ ዝኽእል ኣነ ጥራይ’የ ይብል ነይሩ፤ ብዙሓት እስራኤላውያን ድማ ኣሚኖምዎ።
ነቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ክፍተት ተሓታቲ ይገብሩዎ።
እንትርፎ እቲ ብተደጋጋሚ ጌጋታት ተኣሚኑ መግለጺታት ዘውጽአ ሓላፊ ድሕነት ነታንያሁ ዝዀነ ሓላፍነት ከም ዘይወስድ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።
እዚ ድማ’ዩ፡ ነቶም ኣብ እየሩሳሌም ጐደናታት ዝዓጸው ኣሽሓት ተቓወምቲ ዘቘጥዖም።
እስራኤላውያን፡ በንያሚን ነታንያሁ ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ዓብላሊ ሰብ ዘይነበረሉ እዋን ንምዝካር እንተወሓደ ደቂ 40 ዓመት ክዀኑ ኣለዎም።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንፉዕ ኣፈኛ እስራኤል ኰይኑ ድሕሪ ምቕልቃሉ፡ ኣብ 1996 ንመስርሕ ሰላም ኦስሎ ኣብ ዝቃወም መድረኽ ጸቢብ ዓወት ድሕሪ ምርካቡ እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ።
ልክዕ ከምቲ ሕጂ ኣሜሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምፍጣር መደብ ዘለዋ፡ ስምምዕ ኦስሎ፡ ፍልስጤማውያን ጐኒ እስራኤል ናጻ ሃገር ክምስርቱ ምፍቃድ፡ ሩባ ዮርዳኖስን ባሕሪ ማእከላይ ባሕርን ኣብ መንጐ ዓረብን ኣይሁድን ኣብ ልዕሊ ምቍጽጻር መሬት ዝጸንሐ ግርጭት ንምውጋድ እንኮ ተስፋ እዩ ዝብል ሓሳብ ነይርዎ።
ነታንያሁ ግን፡ ብቐጻሊ ተቓዋሚ ምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ። ንሱ፡ ነቲ ንናጽነት ፍልስጤም ዝድግፍ መደብ ኣሜሪካ ኣካል ናይቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዳግማይ ንምስራሕ ዝዓለመ ስትራተጂ’ዩ ክብል ብንዕቀት ነጺግዎ።
ነቐፍቱ፡ ድሕሪ ኲናት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቓዛ ንዝሓንጸጾ መደባት ብትሪ ምንጻጉ፡ ቀጻሊ ደገፍ ሕሉፋት የማናዊ ክንፊ እስራኤል ንምርግጋጽ ዝሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ ይዛረቡ።
ጡረተኛ ብርጋዴር ጀነራል ዳዊት ኣግሞን፡ ነታንያሁ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ነይሩ።
“ካብ 1948 ጀሚሩ ዝዓበየ ቅልውላው'ዩ። ካልእ ክነግረኩም፤ ኣብ 1996 ናይ መጀመርታ ሓለቓ ስታፍ ነታንያሁ ስለ ዝነበርኩ እፈልጦ'የ። መን ምዃኑ ስለ ዝተረዳእኩ - ንእስራኤል ሓደጋ’ዩ- ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ክወጽእ ወሲነ። ከመይ ክውስን ከም ዘለዎ ኣይፈልጥን፤ ይፈርሕ'ዩ። ዘረባ ጥራይ’ዩ ዝፈልጥ- ብርግጽ ድማ፡ ኣብ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝምርኮስ ርእየ፤ ሓሶቱ ርእየዮ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ከምዚ ኢለዮ፡ ‘ቢቢ' ሓገዝቲ ዘይኰነ መተካእታ’ዩ ዘድልየካ ኢለዮ ወጺአ” ይብል።
ተቓወምቲ መረጻ ክካየድ ዘቕረቡዎ ጠለብ ዝነጸገ ቀዳማይ ሚኒስትር ነታንያሁ፡ ኣብ ራፋሕ ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከም ዘሐይሎ ተሓንዩ።
እስራኤላውያን፡ ሓማስ ምጥፋእ ኣብ ዝብል ኣፈላላይ የብሎምን።
እቲ ኲናት ዝተትሓዘሉ መገዲ ከምኡ’ውን ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ብምሉኦም ናጻ ዘይምውጽኦም ግን ነታንያሁ ኣብ ጸቕጢ ክኣቱ ገይሩ ኣሎ።