እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል መግብን መድሃኒትን ንቓዛ ክኣቱ ክትፈቅድ ኣዚዙ
ኣብ ቓዛ ክስዕብ ንዝኽእል ሓደጋ ጥሜት ንምክልኻል፡ ዕንቅፋታት ዘይብሉ ዋሕዚ መግቢን ሕክምናዊ ሓገዝ ክኣቱ እስራኤል ከተፍቅድ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኣዚዙ።
እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ [ICJ] ብምሉእ ድምጺ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ እስራኤል “ብህጹጽ ዘድሊ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ሓገዝን” ንምፍቃድ “ብዘይ ምድንጓይ” ክትሰርሕ ኣለዋ ኢሉ።
እዚ ውሳነ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣብ ቓዛ ሓደጋ ጥሜት ከጋጥም ከምዝኽእል ዝቐረበ መጠንቀቕታታት እዩ።
እስራኤል፡ ነቲ ሓገዝ ትዓግት ኣላ ዝብል ክሲ “ምሉእ ብምሉእ መሰረት ዘይብሉ” ክትብል ነጺጋቶ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ነቲ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ሓደስቲ ተበግሶታት ንምድንፋዕን ነቶም ዝነበሩ ንምስፋሕ” ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካልኦትን ተሓባቢርና፡ “ብመሬት፡ ብኣየርን ባሕርን” ቀጻሊ ዋሕዚ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንኽኣቱ ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።
እዚ ሕጂ ብቤት ፍርዲ ፍትሒ - ካብ ሄግ ነዘርላንድስ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ነቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጥሪ ዘቕረበቶ ብእስራኤል ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ተግባራት ምጽናት ዓሌት ንምክልኻል ኵሉ ኣድላዪ ዝበሃል ስጕምትታት ክውሰድ ዘቕረበቶ ሕቶ ስዒቡ ዝወሃብ ዘሎ ፈላሚ ውሳነ እዩ።
ብቤት ፍርዲ ICJ ዝወሃብ ውሳነ ብሕጊ ቀያዲ’ኳ እንተዀነ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ንትእዛዛቱ ኣብ ባይታ ከተግብር ዘኽእሎ ሓይልን ስልጣንን የብሉን።
ብፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦትን ዝምራሕ ዝተዋደደ ምደባ ምዕራፋት ውሕስነት መግቢ ዓለም፡ ኣብ ቓዛ "ኣዕናዊ" ኵነታት ይምዕብል ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኵሎም እቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ 2.2 ሚልዮን ሰባት "ልዑል ደረጃ ዘይውሕስነት መግቢ ከምዘጋጥሞምን''፡ ኣብ ሰሜን እቲ ግዝኣት ክሳዕ መወዳእታ ግንቦት ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ክወርድ ምዃኑን ገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኣብ ቓዛ “ድሕሪ ሕጂ ሓደጋ ጥሜት ይኣቱ ጥራይ ዘይኮነስ የጠጥሕ እዩ ዘሎ" ኢሉ። ተዓዘብቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ከም ዝሓበርዎ ዛጊት 27 ህጻናት ዝርከብዎም 31 ሰባት ድሮ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢን ዋሕዲ ማይን ሞይቶም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ “ኵነታት ጥምየትን ዓጸቦን ውጽኢት ናይቲ እስራኤል ኣብ ምእታውን ምክፍፋልን ሰብኣዊ ሓገዛትን ንግዳዊ ኣቑሑትን ዘእተወቶ ሰፊሕ ገደባት'ዩ፡ ምምዝባል መብዛሕትኡ ህዝቢ፡ ከምኡ እውን ዕንወት ወሰንቲ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ እዩ፡” ክብል ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ እስራኤል ብዘይ ወዓል ሕደር ምስ ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባር፡ ዕንቅፋት ዘይብሉ ሓገዝ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ሓገዝን ብእኹል መጠንን ብህጹጽን ንምርግጋጽ ኵሉ ኣድላዪ ዘበለን ኣድማዕን ስጕምትታት ክትወስድ” ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኣዝዩ ዘድሊ ሓገዝ መግቢ፡ ማይ፡ ኤሌክትሪክ፡ ነዳዲ፡ መጽለሊ፡ ከምኡ’ውን ክዳውንቲ ናውቲ ጽሬትን ሕክምናን ከምዘጠቓልል ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።
እቲ ውሳነ ብተወሳኺ እስራኤል ብመሰረት ውዕል ምጽናት ዓሌት "ወተሃደራታ ንመሰል ፍልስጤማውያን ቓዛ ዝግህስ ተግባራት ከምዘይፍጽሙ” ከተረጋግጽ ኣለዋ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ግብጺ ረዲኤት ጽዒነን ናብ ቓዛ ዝኣትዋ ዓበይቲ መካይን ፍቓድ ንኽረኽባ ነዊሕ ተሰሪዐን ክጽበያ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። እስራኤል ድማ ነቲ ረዲኤት ንምብጻሕ ነገራት ትሓላልኽን ኢደወነናዊን ምቍጽጻር ትገብር ከምዘላ ክስታት ቀሪቡላ እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል፡ እቲ ብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበላ ክሲ "ብጭብጢን ሕጊን መሰረት ዘይብሉ፣ ዘይሞራላውን” ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ካብኡ ነቒሉ ዝዀነ ውሳነ ከይህብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ።
ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕላት ምጽናት ዓሌት ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርብ ዘሎ ሰፋሕቲ ክሲታት “መሰረት ዘይብሉ” ክትብል ነጺጋቶ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ዝበዝሕ ካብቲ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሓገዛት ሓማስ ከም ዝወስዶ ብምግላጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝተረፈ’ውን ንሲቪል ህዝቢ ክዕድሎ ከምዘይከኣለ እያ ትኸስስ።
ግጭት እስራኤል ሓማስ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ብሓማስ ዝምርሑ ዕጡቓት ፍልስጤማውያን፡ ሃንደበትን ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መገዲን ብልሓትን ዶብ ሰጊሮም ናብ እስራኤል ብምእታው ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 250 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።
ካብቶም ዝተወሰዱ እቶም ልዕሊ 130 እስራኤላውያንን ገለ ወጻ’እተኛታትን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን፤ ብውሑዱ እቶም 34 ሞይቶም ተባሂሎም ይግመቱ።
እስራኤል ብዘካየደቶ ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ ብውሕዱ 32,552 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ። ካብቶም ዝተቐትሉ ልዕሊ 25 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም ኣሜሪካ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ገሊጻ።