ትራምፕ ንደያኑ ብምንሻው ዘንበሮ ሓድሽ 10 ሚእታዊት ቀረፅ እንታይ እዩ?

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሃገራት ወፃኢ ንዝኣትዉ ፍርያታት ሓድሽ 10 ሚእታዊት ቀረፅ ኣንቢሩ።

ትራምፕ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ብምባል ንዝነፀጎ ውሳነ ዓለምለኻዊ ቀረፃት "ኣዝዩ ሕማቕ" ብምባል'ዩ፡ ንዕኡ ዝትክእ ሓድሽ ቀረፅ ኣንቢሩ ዘሎ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ዝበዝሑ ትራምፕ ዘንበሮም ቀረፃት ተቐባልነት የብሎምን ምባሉ ስዒቡ፡ ትራምፕ ንደያኑ እቲ ቤትፍርዲ የቈናፅብ ኣሎ።

ንዘንበሮ ፖሊሲ ንግዲ ንዝነፀጉ ደያኑ ድማ፡ "ዓያሹ" ብምባል ኣዋሪዱ።

እቲ ቤትፍርዲ ዋይት ሃውስ ኣብ 2025 ዕላዊ ካብ ዝገበሮም ቀረፃት ንመብዛሕትኦም'ዩ ነፂግዎም።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ እቲ ፕረዚደንት ካብቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ስልጣን ንላዕሊ ከም ዝኸደ ብምግላፅ፡ 6 ን 3 ብዝኾነ ዓብላሊ ድምፂ ነዚ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ብይን እቲ ቤትፍርዲ ንናይ ትራምፕ ቀረፅ ይቃወሙ ንዝነበሩ ነጋዶ ዓቢ ዓወት እዩ።

ብምኽንያት ቀረፅ ብመንግስቲ ዝተወሰደ ብቢልየን ዶላር ዝቝፀር ገንዘብ ንኽምለስ'ውን ዕድል ዘርሕው እዩ።

እንተዀነ፡ እዚ ውሳነ ድሮ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ዘይተገማታይነትን ምድንጋርን ፈጢሩ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብቐረፅ ዝተወሰደ ገንዘብ ብዘይ መጐት ቤትፍርዲ ኣይምለስን እዩ ኢሉ። እዚ ድማ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ቀረፅ፡ ትካላት ኣብታ ሃገር ከወፍሩን ምህርቲታት ከፍርዩን ዘተባብዕ እዩ ብምባል ዝካታዕ ትራምፕ፡ ዋላ'ኳ ቤትፍርዲ ኣቐዲሙ ንዘንበሮ ቀረፅ እንተ ኣገዶ ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ፍርያታት ቀረፅ ምንባሩ ንምቕፃል ካልኦት ሕግታት ከም ዝጥቀም ኣፍሊጡ።

እዚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዓለም ንዘንበሮ ቀረፅ ተግባራዊ ከይኸውን ዝገብር እዩ።

ትራምፕ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ዘንበሮ ቀረፅ ድሒሩ ንኣማኢት ሃገራት ዘካተተ ክኸውን ምውሳኑ ይዝከር።

ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደያኑ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣብ 1977 ዝወፅአ ሕጊ መሰረት ብምግባር'ዩ ነቲ ቀረፅ ኣንቢሩ።

እቲ ሕጊ፡ ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ኣብ ትወድቀሉ እዋን ፕረዚደንታ ንዅነታት ዕዳጋ "ከስተኻኽል" ዝፈቅድ እዩ።

እንተዀነ ኣመሪካውያን ነጋዶ፡ ፍርያት ናብ ሃገሮም ንምእታው ልዑል ቀረፅ ክኸፍሉ ይሕተቱ ብምህላዎም ዋጋ ኣቑሑ ከም ዝውስኽ ብምግላፅ ተቓዊመሞ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ነቲ ቀረፅ ምስ ነፀጎ ትራምፕ ነቶም ደያኑ የቈናፅቦም ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ እዋን ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ተመለሰ የጋጥሙዎ ካብ ዘለዉ ብድሆታት፡ ውሳነ ቤትፍርዲ እቲ ሓደ እዩ።

ትራምፕ ውሳነ እቲ ቤትፍርዲ፡ "ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ብምባል ነቲ ውሳነ ንዝደገፉ ደያኑ፡ "ኣዝዮም መሕፈርቲ'ዮም" ብምባል ኰኒንዎም።

ነቶም ኣንፃር ፖሊሲ ንግዲ ትራምፕ ድምፂ ተቓውሞ ዘስምዑ ደያኑ፡ "ዓያሹ፣ ባዕሎም ክሓስቡ ዘይኽእሉ፡ ካልኦት ዝደልይዎ ዝገብሩ፡" ብምባል ፀሪፍዎም።

ብኻልእ ወገን፡ ንኣሽቱን ድሩት ዓቕምን ዘለዎም ነጋዶ ብውሳነ እቲ ቤትፍርዲ ሓጐሶም ገሊፆም።

ትራምፕ ንውሳነ እቲ ቤትፍርዲ ስዒቡ ኣንቢርዎ ዘሎ ሓድሽ 10 ሚእታዊት ቀረፅ፡ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ካብ ዘይፈልጥ ሕጊ 'ሴክሽን 122' ዝቕዳሕ እዩ።

እዚ ሕጊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ን150 መዓልታት ዝፀንሕ ክሳብ 15 ሚእታዊት ቀረፅ ከንብር ዘኽእል እዩ። ድሕሪ 150 መዓልታት ግና ኮንግረስ ኢድ ከእቱ ኣለዎ።

እዚ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ቀረፅ ካብ 24 ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ተገሊፁ።

ከም ፍሉያት መዓድናት፡ ሃብቲ ተፈጥሮ፡ ኣራንሺን ከም ስጋ ዝኣመሰሉ ፍርያታት፡ መድሓኒታት፡ ገለ መካይንን ፍርያታት ኤለክትሮኒክስን ኣብዚ ታሪፍ ኣይካተቱን።