እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንግስቲ ክሪፕቶ'፡ 4 ቢልዮን ዶላር ብምትላል ብኤፍ.ቢ.ኣይ ትድለ ኣላ
እታ ተሰዊራ ዘላ “ንግስቲ ክሪፕቶ"፡ ሮጃ ኢግናቶቫ፡ ካብቶም ብኤፍ.ቢ.ኣይ 'ብልዑል ዝድለዩ '10 ውልቀሰባት ሓንቲ ኰይና ኣላ።
ኣብ ፈለማ ኣርባዓታት ዕድመ ከም እትርከብ ዝንገረላ፡ ቡልጋርያዊት ዜጋ፡ ገንዘብ ንምትላል ሓያል ውዲት ገይራ ተባሂላ ተኸሲሳ ኣላ።
መርመርቲ ፌደራል ኣመሪካ ከምዝበልዎ፡ እታ ጥርጥርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ተቐቢላ ከምዝጓሓለት ይግለፅ።
ካብ 2017 ጀሚራ ዝተሰወረት ሩጃ ኢግናቶቫ፡ ካብ ፖሊስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወጺኡላ፡ ክትትል ይግበረላ ኣሎ።
ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ 2014 ዝተጀመረ ዲጂታላዊ ክሪፕቶካረንሲ 'ዋን ሳንቲም' ኢድ ከምዘለዋን፡ ብዙሓት ዓደግቲ ብዘእተዉ መጠን ድማ ዝያዳ ኮሚሽን ከምዝወሃቦም እዩ ዝገልጽ።
ይኹን እምበር፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ዋንኮይን "ዘይረብሕ" ምዃኑን፡ ከም'ቶም ካልኦት ዓይነታት ክሪፕቶካረንሲታት፡ ውሕስነት ከምዘይብሉን ገሊጹ።
ዓቃቢ ሕጊ ዳምያን ዊልያምስ፡ "እታ ጥርጥርቲ ንምትላል ዝጥዕም ጽቡቕ ግዜ መሪጻ" ክብል ይዛረብ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ነታ ውልቀሰብ ኣብ ዝርዝር ‘ኣዝዮም ዝድለዩ’ ኣእትዩዋ ኣሎ፡ እዚ ድማ ዜጋታት ነታ ጥርጥርቲ ንኸለልይዎ ክሕግዞም ምዃኑ ይእመን።
ኣብ 2019 ሸሞንተ ዓይነት ክስታት ዝቐረቡላ ኢግናቶቫ፡ እትርከበሉ ቦታ ንዝሓበረ ሰብ፡ ናይ 100 ሺሕ ዶላር ሽልማት ንምሃብ ቃል ተኣትዩ ኣሎ።
ንሳ፡ ኣብ ዝርዝር 10 ተደለይቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝኣተወት እንኮ ጓል ኣንስተይቲ እያ። ኣብዚ ዝርዝር ምእታዋ ኣብ ቀይዲ ናይ ምእታው ዕድላ ከም ዘስፈሖ ይንገር።
እቲ ጉዳያ ዝሓዘ መርማሪ፡ እታ ጥርጥርቲ መንነታ ንምልዋጥን ንርእሳ ንምስዋርን፡ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጸአት ዝተዛረበ ዀይኑ፡ እዚ ድማ ምርካባ ከቢድ ከም ዝገበሮ ኣንፊቱ።
እታ ልዑል ደረጃ ናይ ምስዋርን ናይ ሓሶት መንነት ናይ ምልባስን ተኽእሎ ከምዝለዋ ዝንገረላ መታለሊት፡ ብህይወት’ውን ዘይክትህሉ ትኽእል'ያ ተባሂሉ ይግመት።
እታ "ዝጠፍአት ንግስቲ ክሪፕቶ" ንመወዳእታ ግዜ ካብ ቡልጋርያ ናብ ግሪኽ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን ኣብ 2017 እያ ተራእያ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ግን ኣሰራ ኣይተረኽበን።