እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሪፕቶካረንሲ፡ ንቢትኮይን ወግዓዊ ባጤራ ክኸውን ዝወሰነ መንግስቲ ኢል ሳልቫዶር ተቃውሞታት የጋጥሞ
መንግስቲ ሃገረ ኢል ሳልቫዶር ንዲጂታላዊ ባጤራ [ክሪፕቶካረንሲ] 'ቢትኮይን' ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ በቲ ሓሳብ ዝተቖጥዑ ኣሽሓት ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ፕረዚደንት ኢል ሳልቫዶር ናይብ ቡከለ፡ 'ክሪፕቶካረንስ' እቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም እናሰርሑ ናብ ሃገሮም ሰልዲ ክሰዱ ዝደልዩ ዜጋታት ኢልሳልቫዶር ቢትኮይን ዝሓሸ ኣገባብ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
እቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኣሽሓት ሰባት ግን፡ ውሳነ ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ፡ ነታ ድኻ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገር ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝሸምምን ዝበኣሰ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ዝቕባበን ክፈጥር እዩ ዝብል ስግኣት እዩ ዘለዎም።
እቶም ሰልፈኛታት ንገለ ማሽናት ናይ ቢትኮይን ሓዊ ከእትውለን እንከለዉ ገለ ኸኣ 'ናይብ ቡከለ ውልቀ መላኺ' ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ነይሮም።
ሃገረ ኢልሳልቫዶር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ ዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ጎኒ ጎኑ ዶላር ናይ ኣመሪካ ኣብ ዕዳጋታት ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ብወግዒ ምውሳና ይዝከር።
እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ኸተማ እታ ሃገር፡ ኣብ መበል 200 ዓመት ናጽነት እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ብምውጻእ 'ኣይፍል ንቢትኮይን' ከምኡ'ውን 'ብቅዋም ንማእዘዝ' ዝብል ዝርከቦ ጭርሖታት ብምሓዝ ተቃውመኦም ኣስሚዖም።
ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ውልቀ ምልኪ የርኢ ኣሎ ብምባል ከሲሶም።
ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ፡ ዋላ እኳ ብርቱዕ ተቃውሞታት ይጋጥሞ እንተሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ሓንቲ ጋዜጣ ብዝገበረቶ ኣፈናዊ ዳህሳስ እቲ ፕረዚደንት 85.7 ሚኢታዊት ደገፍ ከምዘለዎ ከተረጋግጽ ክኢላ እያ።