ፑቲን ኣብ ኣጠቓቕማ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ሓድሽ ሕጊታት ኣሚሙ

ፕረዚደንት ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ኣብ ውግእ ኒዩክሊየር ካብታ ብኒዩክለራዊ ዕጥቂ እትድገፍ ዘይኒዩክለራዊት ሃገር ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም "ሓባራዊ መጥቃዕቲ" ከምእትቘጽሮ፡ እዚ ድማ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ከም ስግኣት ክውሰድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሩስያ፡ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ኣገዳሲ መደረ፡ ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀመሉ እትኽእል ሕጊታትን ቅድመ ኵነታትን ንምቕያር ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ዩክረይን፡ ካብ ኣመሪካን ካልኦት ኒዩክለራዊ ዕጥቂ ዘለወን ሃገራትን ወተሃደራዊ ደገፍ እትረክብ ዘይኒዩክለራዊት ሃገር እያ።

እቲ መግለጺ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ዩክረይን፡ ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ቦታታት ዕላማ ንምግባር፡ ናይ ምዕራባውያን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ክትጥቀም ፍቓድ ኣብ እትሓተሉ ዘላ እዋን'ዩ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኣመሪካ ገይሹ ኣሎ።

ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ክራኸብን፡ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ከኣ እቲ ሕቶ ክኸውን ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

ዩክረይን፡ ኣብዚ ዓመት ናብ መሬት ሩስያ ደፊኣ ከምዝኣተወት ይፍለጥ።

እቲ ቀንዲ ድሌታ ነቶም ካብ ውሽጢ ሩስያ ናብ ዩክረይን ዝውንጭፉ ሚሳይላት ንምጥቃዕ እዩ።

ሓላፊ ስታፍ ዘለንስኪ ኣንድሪ የርማክ ንቃላት ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሩስያ "ድሕሪ ሕጂ ንዓለም ንምፍርራሕ ብዘይካ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ካልእ ዋላሓንቲ የብላን" ኢሉ።

ፑቲን ቅድሚ ሕጂ መሻርኽቲ ዩክረይን ተወሳኺ ደገፍ ንኸይህባ ንምዕጋት ንኣጠቓቕማ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዳርጋ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ነይሩ።

መሓዛ ሩስያ ምዃና ዝንገረላ ቻይና እውን ህድኣት ክህሉ ጸዊዓ ኣላ። ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ንፑቲን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይጥቀም ከምዝተማሕጸኖ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ትማሊ ረቡዕ ግን፡ ፑቲን ምስ ኣማኸርቱ ድሕሪ ምዝርራብ፡ ነቲ ሓድሽ እማመ ወግዓዊ ገይሩዎ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ኒዩክለራዊ መትከላት፡ "ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናብ ምጥቃም ንኽትሰጋገር ንጹር ቅድመ ኵነት ከቐምጥ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

እንተደኣ ኣንጻር ሞስኮ ዋላ እውን እቲ ልሙድ መጥቃዕቲ ሚሳይል ተኻይዱ ኒዩክለር ናይ ምጥቃም ተኽእሎ ክህሉ ከምዝኽእል ገሊጹ።

ሩስያ ንልኡላውነት እታ ሃገር "ወሳኒ ስግኣት" ዘስዕብ ሚሳይላት፡ ነፈርቲ ውግእን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ ግዝኣታ ከጥቅዕ ተራእዩ፤ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም"ተኽእሎ" ክትሓስበሉ ምዃና ኣተሓሳሲቡ።

ወሲኹ፡ "ዝዀነት ኒዩክለራዊት ዘይኰነት ሃገር፡ ብተሳትፎ ወይ ደገፍ ኒዩክለራዊት ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ከም ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ፈደረሽን ሩስያ ክውሰድ ሓሳብ ቀሪቡ'ሎ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን ቅድሚ ሕጂ ንኣጠቓቕማ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ብዝምልከት ኣፈራሪሑ'ኳ እንተነበረ እዚ ሓድሽ እማመኡ ግን መዓስ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝኽእል ነቲ ተርእዮታት ዝያዳ ኣስፊሑዎ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኒዩክለራዊ ኣጽዋር እታ ሃገር "ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሕስነት ድሕነት መንግስትናን ዜጋታታን እዩ" ክብል መራሒ ክረምሊን ገሊጹ።

ካብ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ፡ ኒዩክለር ዝዓጠቓ ሃገራት ኣብ ፖሊሲ “ነብሰ ግትኣት!” ክኽተላ እየን ጸኒሓን።

እዚ ድማ እተን ኣብ ውግእ ዝኣተዋ ኒዩክለር ዝውንና ዓበይቲ ሃገራት ሓድሕዳዊ ዕንወት ከኸትል ስለዝኽእል ምጥንቃቕ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመርኰሰ እዩ።

ግን ከኣ ንዝተወሰነ ዒላማታት ንምውቃዕ ጥራይ ዝሕግዙ ሰፊሕ ራድዮኣክቲቭ ዝርገሐ ዘይብሎም ስልታዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር እውን ኣለዉ።

ኣብ ሰነ፡ ፑቲን ነተን ንዩክረይን ዝድግፋ ሃገራት ኣውሮጳ “ዋላ እውን ኣመሪካ ናታ እንተ ኣምጽአት፡ ካብቲ ኣብ ኣህጉር ኣውሮጳ ዘሎ ንላዕሊ ኣብ ሩስያ ብዙሕ ስልታዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኣሎ” ክብል መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ።

ወሲኹ፡ “ኣውሮጳ ምዕቡል [ስርዓተ ቅድመ መጠንቀቕታ] የብላን፤ በዚ መንጽር ብውሑድ ንሓደጋ ዝተቓልዐት እያ፡" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ናይ ሩስያ ኒዩክለራዊ መትከላት ለውጢ ከምዘሎ ኣተንቢሁ ኣሎ።