ትግራይ፡ ዳግማይ ካብ ሓላፍነቱ ዝተኣለየ ሃፍቱ ኪሮስ ኣበይ ኣተወ፡ እንታይከ ይብል?

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ነቲ ዝነበረ መሓውር ምሕደራ ንምቕያር፡ ንካልኣይ ግዜ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተሾመ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ቅልውላው ዳግም ዘለዓዓሎ ይመስል።

እቲ ኣቀዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብግዝያዊ ፕረዚደንት ትግራይ ታደሰ ወረደ ዝተግበረ ለውጢ፡ 'ሰለማዊ እዩ' እኳ እንተተብሃለ፡ "ብሓይሊ ዝተሰነየ" ብምንባሩ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣልዒሉ ነይሩ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ሞትን ዕንወትን ስዒቡ፤ ብድሕሪኡ እቲ ጉዳይ ብዝርርብ ከምዝተፈትሐን እቲ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ናብ ቦታኡ ከምዝተመልሰን ድማ ተገሊፁ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ሕዚ ድማ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝዀነ- ኣይተ ዝናቡ ገ/መድህን፡ ከም ኣመሓዳሪ ዞባ ዀይኑ ዝተሸመ ዀይኑ፡ እቲ ንግዚኡ ሃዲኡ ዝቐነየ ህዝባዊ ተቓውሞ መሊሱ ደጊሱዎ ኣሎ።

እዚ እናዀነ፡ እቲ ዝፀንሐ መሓውር፡ ኣበይ ኣትዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ቢቢሲ ትግርኛ ንኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ተወኪስዎ ኣሎ፤

እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

ኣይተ ዝናቡ ገ/መድህን፡ ብ18 ነሓሰ 2017 ዓ.ም [ግ] ናብቲ ቦታ ከምዝተመደብ ዝገልፅ ደብዳበ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ፡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣትዩ ስርሑ ከምዝጀመረ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

ኣብ ከም ጨርጨርን ካልኦት ከባቢታትን ድማ፡ ህዝባዊ መድረኻት ይመርሕ ከምዘሎ ይዝረብ።ኣብቶም መድረኻት ሕዚ'ውን 'ንሕና ኣይመረፅናካን'፤ 'ብኣፈሙዝ ኣይንመሓደርን' ዝብሉ ድምፅታት ይስምዑ ከምዘለዉ ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ንሱ ድማ ብፍላይ ኣብ ከተማ ጨርጨር ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ መድረኽ ተዛሪቡዎ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ዘረባ ድማ ኣካታዒ ኰይኑ ይስማዕ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኰይኑ እናሃለወ፡ እቲ ነባር ኣመራርሓ ሕዚ'ውን ከምቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞታት ይውድብ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ሃፍቱ ኪሮስ፡ ምስ ቢበሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሐትት፡ "ንሕና ኣብ ስራሕ ኢና ነይርና፤ ካቢነ ኣብ ስራሕ እዩ ነይሩ፤ ወረዳታት ብምሉአን ኣብ ስራሕ እየን ነይረን፤ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ናይ ዞባ ፖሊስ ማናጅመንትን፡ ናይ ምልሻ ማናጅመንትን ተፀዊዖም ነይሮም እዮም፤ ድሕሪኡ እዩ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ" ይብል።

ሕዚ'ውን ንሳቶም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ብሓይሊ ቢሮ ሰይሮም ከምዝኣተዉን፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ከምዘይፍለን ይዛረብ።

"ንሕና ሀዚ'ውን ኣብቲ ከባቢ ኢና ዘለና፤ ኣብ ስራሕ እናሃለና እዮም ሰይሮም ኣትዮም፤ መንግስቲን ናይ ሽፍትነት ስራሕ ብግልፂ ክሰርሕ ርእይና፤ ናይ ሸፋቱ ስራሕ እዮም ኣርእዮምና።

"ንስኻቱም'ከ፡ ኣበይ ኢኹም ዘለኹም?" ንዝብል ሕቶ፡ "ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፤ ኣብኡ ዄንና ነቲ ህዝቢ ንመርሖን ንውድቦን ኣለና፤ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብዙሕ ሜዳን ሽንጥሮን ከተማታት ዘለዎ እዩ፤ ኣብኡታት ኣለና" ብምባል፡ ካብ ከተማ ውፅእ ኢሎም ህዝቢ የላዕሉ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

ገለ ኣባላት ምልሻን ፖሊስን እቲ ከባቢ ምስቲ ህዝቢ ከምዝወገኑ ዝግለፅ ኰይኑ፡ እቲ ዝረአ ዘሎ ተቓውሞታት ናብ ብዕጥቂ ዝተሓገዘ ተቓውሞ ከየምርሕ ይስጋእ ኣሎ።

ንሱ'ውን እንተዀነ፡ እቲ ኵነታት እንተዘይተኣሪሙ፡ "ካብ ሰላማዊ መገዲ ወፂእና ናብ ዘይንደልዮ መገዲ ቃልሲ እዮም ዝደፍኡና ዘለዉ" ኢሉ - ንተኽእሎ ዕጥቃዊ ቃልሰን ተቓውሞን ብምእንፋት።

ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ብዛዕባ ምዃኖም ንዘሎ መደብ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ውሳነና ኣብ ሓፂር እዋን ከነፍልጥ ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

እንታይ እዮም ተረዳዲኦም ነይሮም?

ምስ ፕረዚደንት ታደሰ ፅቡቕ ምርድዳእ ተፈጢሩ ከምዝነበረ ዘዘኻኽር ሃፍቱ ኪሮስ፡ "ፕረዚደንት ታደሰ፡ በይኑ ዝገብሮ ነገር ከምዘየለ ኢና ተረዲእና፣ እቲ ምርድዳእና ካልእ እዩ ነይሩ፡ ከምዚ ኣይነበረን።ታደሰ ባዕሉ ከምዘይውስን ዘርኢ እዩ" ይብል።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ መቐለን ኣብ ከተማ ማይጨውን ህዝባዊ ዝርርባት ዝተገብሩ ዀይኖም፡ ህዝቢ ብዝመረፆ ክመሓደርን ብሓይሊ ኣመሓዳሪ ምቕያር ጠጠው ክብልን ተሳተፍቲ ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር።

ኣይተ ሃፍቱ ከምዝብሎ፡ ነዚ ዝወሰነ ታደሰ ወረደ ዘይኰነስ፡ባዕሉ ምክትል ዝዀነሉ ዝበሎ ኮሚቴ 'ኮማንድ ፖስት' ከምዝዀነ እዩ ዝኸስስ።

እቲ ትሽዓተ ኣባላት ኣለዉዎ ዝበሎ 'ኮሚቱ ኮማንድ ፖስት'፡ ብኣቦ መንበር ዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ኰይኑ፡ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓትን ወተሃደራዊ ሓለፍትን ዝርከብሉ ከምዝዀነ ይዛረብ።

ብዛዕባ ምጥያስ እዚ ኮሚቴ ብዘይስሩዕ መገዲ ተደጋጊሙ ዝግለፅ'ኳ እንተዀነ፡ ዛጊድ ካብ መንግስቲ ዝተውሃበ መብርሂ የለን።

ኣይተ ሃፍቱ፡ ትሕዝቶ እቲ ናይ መወዳእታ ምርድዳእ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፤ "ሓበራዊ መዋፅእ ንግበር፡ ምልኣት ህዝቢ ዝሳተፈሉ መድረኽ ይካየድ" ዝብልን 'ድሌት ህዝቢ ክኽበርን' ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

"እቲ ምስኡ ዝተረዳዳእናሉ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ትግራይ'ውን ዓቢይ መዋፅኦ ምዀነ ነይሩ፤ ብዙሕ ምምኽኻራት ኢና ገይርና ነይርና" ኢሉ።

ብዛዕባ እዚ ዳሕረዋይ ሽመት ብዝምልከት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተወሃበ መግለፂ'ኳ እንተዘየለ፡ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ምሻምን ምውራድን፡ስልጣን ፕረዚደንት ከምዝዀነ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ካብ ዝሽየም ልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ዝገበረ ታደሰ፡ ኣብቲ መግለፂኡ፡ "ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ብቐፃልነት ዘስዕቦ ሓደጋ ንምትራፍን ናይ ትግራይ ፀገም ንምፍታሕን እዩ" ከምዝበለ ማዕከናት ዜና እታ ክልል ኣቃሊሐን ነይረን።

እቲ "ቀፃሊ ሓደጋ" ዝበሎ ግን እንታይ ከምዝዀነ ኣይነፀረን።

እንተዀነ፡ ካብ ትግራይ ጉልበት ብዝተሓውሶ ኣካይዳ "ማህተም ብምምንጣል" ካብ ስልጣን ዝተደፍአ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ተወላዲ እቲ ከባቢ ምዃኑን ሰፊሕ ድጋፍ ከምዘለዎን ይእመን።

ኣቐዲሙ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ዓዲግራት፡ ውቕሮ፡ ተምቤን፡ ከተማ መቐለን ወረዳ እንደርታን ተመሳሳሊ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተርኣየ ኰይኑ፡እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ግን ዝሰፍሐን ብቐፃልነት ዝርአ ዘሎ ምዃኑን ይፍለጥ።

ከምኡ ድማ፡ 'ኮርን ልዕሊ ኮርን' ብዝብል ዝተገብረ ወተሃደራዊ ውሳነን ስጕምትን ዝተቓወሙ፡ ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ዶባት ዓፋር ዓስኪሮም ይርከቡ። እዚ "ሓይልታት ሰላም ትግራይ" ብዝብል ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይሊ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ይድገፍ ተባሂሉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ብሸነኽ ደቡብ ስግኣት ከምዝዀኑ ይግመት።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ምስዞም ዕጡቓት፡ ልዕሊ ክልተ ግዜ ወተሃደራዊ ጎንፂ ዝተኸስተ ኰይኑ፡ ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ትግራይ፡ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ውድብ ስምረት ብድሕሪ እቲ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ምኽሳሱ ኣይዝንጋዕን።

ኣይተ ጌቸታው ግን ነቲ ክሲ ነፂጉዎ ነይሩ።

ናበይ እዩ ዘምርሕ ዘሎ

እቲ ኵነታት ናበይ የምርሕ ይኸውን ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ይርከብ።

"ሕዚ'ውን ዓበይቲ ዓዲ ግደፉ ይብሉ ኣለዉ" ዝበለ ሃፍቱ ኪሮስ፡ ሕዚ'ውን ኣባላት ገረብ [ዓበይቲ ዓዲ] ናብ ክልል ተላኢዀም ለበዋ የስምዑ ከምዘለዉ፡" ሓቢሩ።

"እዚ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ፡ ተወላዲ እቲ ከባቢ እዩ - ሕዚኸ እንታይ እዩ እቲ ተቓውሞ"፡ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ እንክምልስ፤

"መሰል ዓርሰ ውሳነ ማለት ብወዲ ዓደይ ክመሓደር ኣለኒ ማለት ጥራይ ኣይኰነን፤ ባዕለይ ብዝመረፅኩዎ፡ ባዕለይ ብዝወከልኩዎ፡ ናተይ ድምፂ ዘለዎ መራሒ እዩ ዘድልየኒ ማለት እዩ" ኢሉ።

"ህዝቢ ደቡብ ትግራይ ክሳዕ ሕዚ ትግራዋይ እየ ኢሉ እዩ ዝቃለስ ዘሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ተጓንዩ ይፈለጥ እዩ። ኮርን ልዕሊ ኮርን ዝተብሃለ ዝደገፎ ጉባኤ፡ ኣባላት [ህወሓት] እቲ ከባቢ ዘጓነየ ጉባኤ እዩ፤ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘይተሳተፈሎም ጉባኤታት እዮም" ብምባል እቲ ኵነታት ሱር ዝሰደደ ከምዝዀነ የመልክት።

ሓድሽ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኰይኑ ዝተሸመ፡ ኣይተ ዝናቡ ገ/መድህን ኣብ ከተማ ጨርጨር ኣብ ዝተሰናደአ ህዝባዊ መድረኽ "መንግስቲ ከም መንግስቲ ተልቕየም፤ ህወሓት ከም ህወሓት ተልቕየም፡ ዝተርፍ ሰብ ኣይህሊ" ዝብል ተዛሪቡዎ ዝተበሃለ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ የዘራርብ ኣሎ።

"ብዙሕ በደላት በፂሑ እዩ፤ ኣብዚ ከም ተወለድቲ ጨርጨር፡ ከም ተቓለስቲ ሕዚ ምስ ኩል ሰብ ብዝፈፀሞ ፀገም ኣሳዲድና፡ ክንፀባፀብ ኣይንደሊ" ኢሉ።

ተፈፂሙ ዝበሎ በደል፡ እንታይ ከምዝዀነን፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ መደረን ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።