እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይንን ሩስያን ንፈለማ እዋን ብዙሓት እሱራት ፈቲሐን
ሩስያን ዩክረይንን ካብ 2022 ኣትሒዘን ኣብ ምሉእ ኲናት ካብ ዝኣትዋ ንደሓር፡ ነፍስወከፈን 390 ወተሃደራትን ስቪላውያንን ፈቲሐን።
እዚ ከም ኣካል ናይቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ልኡኻተን ኣብ እስታንቡል ብቐጥታ ተራኺቦም ዝተሰማምዕሉ ኰይኑ፡ ክልተኦም 270 ወተሃደራትን 120 ስቪላውያን ሰባትን ኣብ ዶብ ዩክረይን-ቤላሩስ መሊሶም።
ክልተኦም ወገናት 1,000 እሱራት ንምፍታሕ ዝተሰማምዑ ዀይኖም፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ተወሳኺ ምልውዋጥ ከም ዝህሉ ኣረጋጊጾም ነይሮም።
ዋላ እኳ ኣቐዲሙ ዓሰርተታት ዝኸውን ንኣሽቱ ምልውዋጥ እንተ ተኻየደ፡ ብብዝሒ ስቪላውያን ምልቃቕ ዘጠቓለለ ኣይነበረን።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ከባቢ ዶብ ኩርስክ ሩስያ ብዩክረይን ዝተማረኹ ሓዊሱ፡ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ኣካል ናይቲ ምልውዋጥ ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ መሬት ቤላሩስ ከም ዝርከቡን ንሕክምናዊ ምርመራ ናብ ሩስያ ክውሰዱ ምዃኖምን እቲ ምኒስተር ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ንዜጋታትና ናብ ዓድና ነምጽኦም ኣለና፡" ክብል ኣፍሊጡ።
"ስምን ዝርዝርን ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ንፍትሽ ኣለና፡" ኢሉ።
ዋና ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ምሩኻት ኲናት ዩክረይን፡ 270 ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ምብራቕን ሰሜንን ከም ዝተዋግኡ ገሊጾም።
ካብቶም ብዓርቢ ዝተፈትሑ 390 ሰባት፡ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ዝገልፁ ሰበስልጣን፣ ገለ ካብቶም ወተሃደራት ድማ ካብ 2022 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታኡ፡ ዮሃና ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩ ነይሩ፣ እቲ ምልውዋጥ ጽቡቕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እዚ ናብ ዓቢይ ነገር ከብጽሕ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።
ስድራቤታት ናይቶም ብሩስያ ዝተታሕዙ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ደቆምን ኣቦታቶምን ካብቶም ዝተፈትሑ ክዀኑ እዮም ብዝብል ተስፋ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ ዩክረይን ተኣኪቦም ክጽበዩ ተራእዮም።
ናታሊያ የሊዛር፡ ዝተባህለ ወዳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንኸተማ ሰቨሮዶኔትስክ ንምሓዝ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ እዩ ተማሪኹ።
ክምለስ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ንቢቢሲ እኳ እንተ ገለጸት፡ መኣስ ከም ዝምለስ ግና ኣይትፈልጥን።
ኦልሃ ቫለሪ፡ ዝተባህለ ወዳ ሓሙሻይ ርእሱ ኣብ ምብራቕ ካብ ዝማረኽ ንደሓር፡ ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎውን ስለ ዘይፈለጠት ህይወታ ደው ከም ዝበለ ገሊጻ።
"ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ሉሃንስክ ተታሒዞም፣ ኣብታ ዓዲ ድማ ደሃዮም ሃጢሙ።"
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንፈለማ እዋን ልኡኻት ናይ ክልተአን ሃገራት ኣብ እስታንቡል ገጽ ንገጽ ተራኺቦም።
እቲ ርክብ ንኽልተ ሰዓት ጥራሕ ጸኒሑ ተዅሲ ንምቍራጽ ዘኽእል ምዕባለታት እኳ እንተ ዘይኣመዝገበ፡ ምሩኻት ክለዋወጡ ግን ተሰማሚዖም እዮም።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ክካየድ ምዃኑን ሞስኮ ዘዳለወቶ 'መዘክር' (ሰነድ ዘተ) ንዩክረይን ከተረክባ ምዃናን ገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብተለፎን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ሩስያን ዩክረይንን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ብቕልጡፍ ምዝርራብ ክጅምራ ምዃነን ገሊጹ ነይሩ።
ዘለንስኪ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንፑቲን ኲናት ንምቕጻል፡ "ግዜ ንምርካብ ይፍትን ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።
ቀዳመይቲ ምኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ቫቲካን ኣብቲ ዝርርብ ክትሽምግል ትኽእል እያ ዝብል ሓሳብ ትራምፕ ደጊፋ እኳ እንተ ነበረት፡ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ላቭሮቭ ግን፡ "እዚ ክውንነታዊ ኣማራጺ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
እቲ ምኒስተር፡ ዘለንስኪ ናይ ብሓቂ መራሒ ኣይኰነን ዝብል ዘይቅኑዕ ኣበሃህላ ደጊሙ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝመጽእ ስምምዕ ሰላም ቅድሚ ምክያዱ፡ ሓድሽ መረፃ ክካየድ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ሩስያ ስምምዕ ክትፍርም ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ላቭሮቭ፡ "መጀመርታ ውዕል ክህልወና ኣለዎ። ምስ ተሰማማዕና ድማ ሽዑ ክንውስን ኢና። እንተዀነ፡ ከምቲ ፕረዚደንት ፑቲን ብዙሕ ግዜ ዝበሎ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ሕጋውነት የብሉን፡" ኢሉ።
ስምምዕ ሰላም ምስ ተገብረ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን መን ብሓቂ መራሒ ምዃኑ ክትውስን ምዃና ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዕላማ ድልዱል፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ፡ ንዅሉ ሰብ ድሕነቱ ዝሕሉ ስምምዕ ሰላም ምፍጣር ምዃኑ ገሊጹ።