እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወራር ሩስያ ንምምካት ምድላዋት ዝገብሩ ዘለዉ ፖላንዳውያን
ኣብ ጥቓ ከተማ ውሮክላው ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ፖላንዳውያን ተሰሪዖም፡ ጠበንጃ ክወሃቦምን ከመይ ጌርካ ከም እትትኩስ ክምሃሩን ይጽበዩ ኣለዉ።
"እቲ ከላሽን ብጠያይቲ ምስመልአ፡ ንምትኳስ ድሉው'ዩ" ይብል ሓደ ዓላሚ ፖላንዳዊ ወተሃደር።
ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ወለድን ቆልዑን፡ ኩሎም ናብዚ ዝመጹ ብሓደ ምኽንያት እዮም፡ ንሱ ድማ ካብ ብዕጥቂ ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ከመይ ጌርካ ከም እትድሕን ክመሃሩ'ዩ።
ካብኡ ብተወሳኪ ድማ ኣብ ግዜ መጥቃዕቲ ከመይ ተጠዋዊኻ ንነብስኻ ተድሕን ዘጠቓለለ'ዩ።
እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ "ታዕሊም ምስ ሰራዊት" ዝብል መደብ፡ ሲቪላውያን ብኸመይ ኢድ ብኢድ ዝካየድ ውግእ ይገጥሙ፣ ቀዳማይ ደረጃ ረድኤትን ኢሉ'ውን ከመይ ጌርካ ናይ ጋዝ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም እትገብር ተማሂሮም።
"ዘለናዮ ግዜ ሓደገኛ'ዩ፡ ድሉዋት ክንከውን ኣለና" ይብል ኣተሓባባሪ ናይቲ መደብ ካፕቴን ኣዳም ሲሊኪ። ኣስዒቡ "ካብ ሩስያ ወተሃደራዊ ስግኣት ኣለና፡ ነዚ ድማ ንሸባሸብ ኣለና" ኢሉ።
ካፕቴን ሲሊኪ፡ ኣብቲ መደብ ካብ መጠን ንላዕሊ ምዝገባታት ይካየድ ከምዘሎን መንግስቲ ፖላንድ ድማ ሕጂ ኣብታ ሃገር ኩሉ ልዕሊ 18 ዓመት ወዲ ተባዕታይ ስልጠና ንኽረክብ ከስፍሖ መደብ ከምዘለዎን ይዛረብ።
ምስ ሩስያን ዩክረይንን እትዳቦብ ፖላንድ፡ ኣብዚ ዓመት 5 ምኢታዊት ካብ ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር ኣብ ምክልኻል ከም እተውዕሎ ዝገለጸት ኮይና እዚ ድማ ኣብ ኔቶ እቲ ዝለዓለ ባጀት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ቱስክ ሃገሩ "ኣብቲ ዞባ ዝሓየለ ሰራዊት" ንምህናጽ ዓሊማ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጻ ነይራ።
መንግስቲ ፖላንድ ካብ ኣመሪካ፡ ሽወደንን ደቡብ ኮርያን ነፈርቲ፡ መራኽብ፡ መዳፍዕን ሚሳይላትን እናዓደገት ጸኒሓ ኣላ።
ዳርዩዝ ካብቶም ኣብ ውሮክላው ኣብ ዝካየድ ዘሎ ታዕሊም ዝሳተፉ ሓደ ኮይኑ፡ ፖላንድ መጥቃዕቲ እንተገጢምዋ ፈላማይ ብወለንታኡ ከምዝኸትት ይዛረብ።
"ታሪኽ ንነብስና ብናይ ገዛእ ርእስና ዓቕምታት ክንከላኸል ድሉዋት ክንከውን ኣምሂሩና'ዩ። ኣብ ካልኦት ሓይልታት ክንጽጋዕ ኣይንኽእልን። ሎሚ ምሕዝነት ኣሎ፡ ጽባሕ ድማ ክበታተን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ባርተክ ነቲ ናይ ጋዝ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እናውጽአ እንከሎ ፖላንድ መጥቃዕቲ እንተበጺሕዋ፡ "ፖላንዳውያን ተዓጢቖም ሃገሮም ንምክልኻል ድሉዋት ክኾኑ'ዮም" ዝብል ግምት ከምዘለዎ ይዛረብ።
ኣጋታ ምስ ዓርካ ኣብ ታዕሊም ኢና ረኺብናያ።
ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ምምራጹ ንሰባት ዝያዳ ኣደዳ ጭንቀት ገይርዎም'ዩ። "ካብ ኤውሮጳ ከንሳሕብ ይደሊ ስለዘሎ ውሕስነትና ዝወሓደ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓና። ምድላዋት እንከይገበርና ሩስያ መጥቃዕቲ እንተፈጺማትልና ባሮት ክንከውን ኢና" ኢላ።
ዶናልድ ትራምፕን ኣባላት ምምሕዳሩን ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዋርሶ ኣብ ዝርከቡ ሰበስልጣን ዓሚቝ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ኤውሮጳ ህላወ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብታ ኣህጉር "ንዘልኣለም ክጸንሕ'ዩ" ኢላ ክትግምት የብላን ኢሉ።
ኣመሪካ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፖላንድ ዓስኪሩ ዘሎ 10 ሽሕ ወተሃደራት እኳ እንተሃለዋ፡ እንተኾነ ካብቲ ኣብ ምብራቕ ፖላንድ እትርከብ ከተማ ርዘዞው ዝርከብ ቁልፊ ወተሃደራዊ መዓስከር ከም እትወጽእ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጣ ነይራ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ እቶም ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ፖላንድ ዳግማይ ክዋፈሩ ምዃኖም እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ስጉምቲ ግን ኣብታ ሃገር ዝያዳ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ኣሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዘለዎ ዘይምቹእ ኣጠማምታ ከምኡ'ውን ንሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲን ዘለዎ ናእዳ ነቲ ስክፍታ ነዳዲ ወሲኹሉ'ዩ።
ፖላንድ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ምስ ፈረንሳ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ክትፍርም ምዃና ዝተፈለጠ ኮይኑ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ'ውን ካልእ ውዕል ንምእሳር ዘኽእላ መስርሕ ኣብ መገዲ ከምዝርከብ ተገሊጹ'ሎ።
ካብኡ ብተወሳኺ ፖላንድ ኣብ ትሕቲ "ኒዩክለራዊ ጽላል" ሰራዊት ፈረንሳ ከምእትኣቱ'ውን ይዝረብ ኣሎ።
ቀዋሚ ወኪል ፖላንድ ኣብ ኔቶን ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ምክልኻልን ቶማስ ስዛትኮቭስኪ፡ "ትራምፕ ብርግጽ ብዛዕባ ድሕነትና ዝያዳ ብልሓታዊ መንገዲ ክንሓስብ ጸቕጢ ገይሩሉና'ዩ ይመስለኒ" ይብል።
እቲ ፖላንዳዊ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን "ኣመሪካ ንፖላንድ ክትስእና ትደሊ ኣይመስለንን። እንተኾነ እዚ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብ ኣመሪካ ክትምርኮስ ከምዘይትኽእል ምልክት'ዩ። ካልእ ኣማራጺታት ክንሓስብን ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕምታት ከነማዕብልን ኣለና" ኢሉ።
"ሩስያውያን ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳ ዘለዎም ናይ ወራር መደብ እንተቐጺሎም፡ ንሕና ቀዳሞት ሓላውቲ ኣፍደገ ክንከውን ኢና" ይብል ሚስተር ስዛትኮውስኪ። ንሱ፡ ኣገዳስነት ቕልጡፍ ወተሃደራዊ ህንጸት ፖላንድ ብቐዳምነት ምስ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ብምጥቃስ ቀጺሉ ድማ ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ተሞክሮ'ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
መሪር ውርሻ ወራር ሩስያ ኣብዚ ኣብ ኩሉ ቦታ ክስመዓካ ይከኣል።
ዋርሶ ኣብ ዝርከብ ብመንግስቲ ዝመሓደር ኣረጋውያን ዝናቢ ማእከል፡ ጓል 98 ዓመት ዋንዳ ትራቺክ-ስታውስካ፡ ሓይልታት ሩስያ ንመወዳእታ ግዜ ዝወረሩሉ እዋን ትዝክር። ኣብ 1939፡ ኣብ መንጎ ስታሊንን ሂትለርን ዝተገብረ ውዕል፡ ፖላንድ ኣብ መንጎ ሶቭየት ሕብረትን ናዚ ጀርመንን ተኸፊላ።
ዋንዳ፡ "ኣብ 1939 ጓል ዓሰርተ ክልተ ዓመት እየ ነይረ። ኣቦይ ብዛዕባ [ሩስያውያን] ኣዝዩ ይሻቐል ከም ዝነበረ እዝክር፡ ሩስያ ጀርመናውያን ከምዘቃልዑና ፈሊጦም ኣጥቂዖሙና" ትብል።
ኣብ ሓደ መደርደሪ ስእልታት፡ ዋንዳ ከም ተዋጋኢት ኣብ እዋን ናዕቢ ዋርሶ 1944 መዳፍዕ እናወዛወዘት ዝተሳእለት ስእሊ ትርአ። ኣብቲ እዋን እቲ ትሕቲ መሬት ፖላንድ ኣብ ማእከል ዑናታት እታ ከተማ ምስ ሰራዊት ጀርመን ተዋጊኣ።
ሕብረት ሶቭየት ኣብ እዋን እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ንጀርመናውያን ንድሕሪት ድሕሪ ምድፋእ፡ ኣብ ፖላንድ ንሞስኮ ዝድግፍ ስርዓት ብምትካል፡ ክሳብ 1989 ነታ ሃገር ኣመሓዲሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 216 ሽሕ ወተሃደራት ፖላንድ ከምዘለዉ ይግመት። መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ቁጽሪ ንዕቑር ሰራዊት ሓዊሱ ናብ ፍርቂ ሚልዮን ከብጽሖ ዓሊሙ ይሰርሕ'ዩ ዘሎ።
ንዋንዳ ፖላንድ ወተሃደራዊ ሓይላ ትሃንጽ ምህላዋ ጽቡቕ ነገር እንተኾይኑ ሓቲተያ። "ከመይወ ድኣ፡ ሩስያ እዚ ዓመጽ ኣብ ታሪኻ ተጻሒፉ ኣሎ። ብዛዕባ ሰባት ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፡ ሰበስልጣን ግን ኩሉ ግዜ ከምኡ እዮም" ድሕሪ ምባል "ሓደ ነገር ክሳዕ ዝኸውን ካብ ምጽባይ ጽቡቕ ዕጥቂ ዝዓጠቐት ሃገር ምዃን ይሓይሽ። ምኽንያቱ ኣነ ኣጽዋር እቲ ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ዝዝክር ወተሃደር እየ" ኢላ።
ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝዛዘም ድሕሪ 80 ዓመት፡ ፖላንዳውያን ዳግማይ ብስንባደ ንጎረባብቶም ይጥምትዎም ኣለዉ። ኣብ ደቡባዊ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ መኽዘን፡ ብጠለብ ህዝቢ፡ ሓደ ትካል መከላኸሊ ቦምባታት ሰሪሑ።
"እዞም መዕቖቢታት ብቐንዱ ካብ ኒዩክለራዊ ቦምብ ንምክልኻል ዝተዳለዉ እዮም፡ ብተወሳኺ ካብ ብዕጥቂ ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ንምክልኻል'ውን ዝተዳለዉ እዮም" ይብል ሓላፊ እቲ መዕቖቢ ትካል ጃኑስ ጃንቺ።
ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ጠለብ መከላኸሊታት ዝያዳ ከምዝወሰኸ ጃኑዝ ይዛረብ። "ቀደም ኣብ ወርሒ ውሑዳት ጻውዒታት ቴለፎን ጥራይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ሰሙን ዓሰርተታት ጻውዒት እቕበል ኣለኹ" ይብል "ዓማዊለይ ዝያዳ ንሩስያ ይፈርሑ። ኔቶ ድማ ንፖላንድ ክከላኸል ከይመጽእ ይሻቐሉ" ይብል።
ፖላንዳውያን ግን እቶም ስግኣታት ብናይ እማን እንተኾይኖም ነታ ሃገር ክከላኸሉ ድሉዋት ድዮም? ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 10.7 ምኢታዊት ጥራሕ ኲናት እንተጋጢሙ ከም ወለንተኛታት ናብ ሰራዊት ተጸምቢሮም ክከላኸሉ ከምዝኽእሉን እቶም ሓደ ሲሶ ድማ ከም ዝሃድሙን ገሊጾም።
ኣብ ውሮክላው፡ ንፖላንዳውያን ተማሃሮ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም መጥቃዕቲ እንተፈጺሞም ንሃገሮም ክከላኸሉ ድሉዋት እንተኾይኖም ሓቲተዮም ነይረ።
ናይ መብዛሕቲኦም መልሲ ኣይምገበርኩን ይብሉ።
"እቲ ኲናት ኣዝዩ ቀረባ'ዩ፡ ግን ኣዝዩ ርሑቕ ኮይኑ ዝስመዓና ዘሎ" ይብል ተማሃራይ ሕክምና ማርሴል፡ "ሩስያ ተጥቀዐና እንተኾይና ግን ዝሃድም'ዩ ዝመስለኒ" ይብል።
"ምናልባት ካብታ ሃገር ክሃድም ዝፍትን ቀዳማይ ሰብ ምኾንኩ" ይብል ካልእ ተማሃራይ ስዚሞን። "ኣብዚ ክሞተሉ ዘኽእል ምኽንያት ኣይረኣየንን" ኢሉ።