እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሕሪ ርክብ ተለፎን ትራምፕን ፑቲን፡ እንታይ'ዩ ዝበሃል ዘሎ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን ድሕሪ "24 ሰዓታት" ከም ዘብቅዖ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንሱን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ክሳብ ዘይተዘራረቡ፡ ከም ዘይፍታሕ ገሊጹ።
ትማሊ ሰኑይ ብተለፎን ምስ ተራኸቡ ድማ ዛዕባ እቲ ዘተ ምቅይያር ኣርእዩ።
ምስ ፑቲን ናይ ክልተ ሰዓት ርክብ ተለፎን ድሕሪ ምክያዶም፡ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ሰላም ንምፍጻም ክዘራረባ ከም ዘለወን ገሊጾም፣ ምናልባት'ውን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።
ገና ሕጂ'ውን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ምስፋን ሰላም ዝነበሮ ተስፋ ኣይቀሃመን።
እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ተዅሲ ደው ንምባል "ብቕጽበት" ዘተ ክጅምሩ ምዃኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።
እዚ ሓሳብ ግን ካብ ኣረኣእያ ሩስያ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ።
ፑቲን፡ ሃገሩ ምስ ዩክረይን ብምትሕብባር ንመጻኢ ስምምዕ ሰላም ዝኸውን ውጥን ንምድላው ቅርብቲ ምህላዋ ጥራሕ እዩ ገሊጹ።
ውዕል ሰላም ንምፍራም ዘኽእል፡ ነባሪ ስምምዓት ብቕልጡፍ ንምትግባር ድልዱል መሰረት ዘንጸፈ ኣይመስልን።
ፑቲን፡ እቲ ፍታሕ ነቲ ሱር-ጠንቂ ናይቲ ኲናት ዝዀነ ጸገም ከዐሪ ኣለዎ ኢሉ።
ሩስያ ቅድሚ ሕጂ፡ ዩክረይን ናብ ኤውሮጳ ክትቀርብ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጻ ነይራ እያ።
ትራምፕ፡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝገበሮ ጻውዒት፡ ክልተአን ሃገራት ተዅሲ ንምቍራጽ "ብቕጽበት ዘተ ክጅምራ እየን፡" ኢሉ፣ "ነዚ ዝኸውን ቅድመ-ኵነት ድማ ክልተአን ሃገራት ክዘራረባሉ እየን፡" ወሲኹ።
እንተዀነ፡ እዚ ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣመሪካ እቲ ኣብ መንጎኦም ኰይና ትገብሮ ዘላ ዕማም ክተቋርጾ ከም እትኽእል ዝኣመተ ይመስል።
ድሒሩ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተዛረቦ ድማ፡ ካብቲ እተን ክልተ ሃገራት ዝገብርኦ ዝርርብ ከም ዘይርሕቕ እኳ እንተ ገለጸ፡ "ኣብ ኣእምሮኡ ቀይሕ መስመር፡" ከም ዘለዎ ግን ተኣሚኑ።
ኣብቲ ጉዳይ ስምዒት ልዕልና ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ "ገለ ነገር ዝኸውን እመስለኒ። እንተዘይኰይኑ ግን እግረይ ክስሕብ እየ፣ ንሶም ድማ ክቕጽሉ ክግደዱ እዮም፡" ኢሉ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ግን ናይ ገዛእ-ርእሱ ሕቶታትን ሓደጋታትን ሒዙ እዩ ዝመጽእ።
ከምቲ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን እውን ዘፈራርሑዎ፡ ኣመሪካ ኣእዳዋ ካብቲ ኲናት እንተ ስሒባ፡ እቲ ንዩክረይን እትህቦ ዝነበረት ወተሃደራውን ስለያውን ሓገዝ ከብቅዕ ማለት ድዩ?
ከምኡ እንተዀይኑ፡ ነታ ካብ ዩክረይን ዝበዝሕ ጸጋታት ዘለዋ ሩስያ ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ከኣ ብዛዕባ እዚ ስክፍታ ኣለዎ።
ዘለንስኪ፡ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ጻውዒት ትራምፕን ፑቲንን፡ ኣመሪካ ኣብቲ መስርሕ ምህላዋ ንኽልተኦም ኣካላት ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ትራምፕ ግን ነዚ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ንምፍታሕ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብኽልተኦም ወገናት ዘለዎ ዘይዕግቡነት ገሊጹ እዩ።
ትራምፕ ኣብ ለካቲት ኣብ ኦቫል ኦፊስ ምስ ዘለንስኪ ኣብ ዝገበሮ ርሱን ዝርርብ፡ "ምስ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ቍማር ተጻዊቱ፡" ክብል ከሲሱዎ ነይሩ።
ኣብ ሚያዝያ ድማ ዝርርብ ደው ምስ በለ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ኣዝዩ ከም ዝተቘጥዐ ገሊጹ።
ነቲ ናይ ትማሊ ሰኑይ ዘረባኡ ንጐድኒ ኣጽኒሕና፡ ዩክረይንን ሩስያን ፍሉይ ዝርርብ ክቕጽላ ዝተዳለዋ ይመስላ። እዚ ድማ ኣብዚ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሽ ምዕባለ ክኸውን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ እስታንቡል ከይዳ ምስ ዩክረይናውያን ዝተራኸበት ንኡስ ጕጅለ ድያ ክትቅጽሎ ወይስ ካብኣ ንላዕሊ ክብ ክብል እዩ ገና ኣይተወሰነን ዘሎ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ እገዳ ከጕድል፣ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ንግዳዊ ውዕላትን ወፍርን ከቕርብ ንፑቲን ናብ መኣዲ ሰላም ከምጽኦ ከእምኖ ምዃኑ ቃል ይኣቱ ኣሎ።
ብዛዕባ'ዚ፡ ድሕሪ ናይ ተለፎን ርክቦም ተዛሪቡ እዩ። ብዛዕባ ከም እገዳ ባንክታት ሩስያን ሰደድ ጸዓትን ዝኣመሰሉ ኣሉታውያን ሳዕቤናት ግን ኣይተዘተየሎምን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ፑቲን ንኸሸግሮ ከም ዘይፈቅድ ብምጥንቃቕ ሞስኮ ኣብ ስቪላዊ ከባቢታት ከተጥቅዕ ከም ዘይብላ ገሊጹ።
ትማሊ ግን ሩስያ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ከተማታት ዩክረይን ኣካይዳ። እቲ ብሰኑይ ዝገበሩዎ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ጻውዒት ድማ ገና ርሑቕ ዘሎ እዩ ዝመስል።