ፍሉጥ ፖለቲከኛ በቀለ ገርባ ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ሓቲቱ

ኣቶ በቀለ ገርባ

ምንጪ ስእሊ, OFC

ብውልቃውን ዝተወደበን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝነጥፍ ዝነበረ በቀለ ገርባ፡ ኣብ ውድቡ ዝነበሮ ተሳትፎ ኣቋሪጹ ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ድምፁ ኣጥፊኡ ዝፀንሐ ኣቶ በቀለ፡ ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ን"ሰላማዊ ቃልስን ውልቃዊ ናጽነትን" ከቢድ ኰይኑ ስለዝተሰመዖ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዑቕባ ክሓትት ከምዝደረዀ ተዛሪቡ።

ምክትል ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዝኾነ ኣቶ በቀለ ኣብ ወፃኢ ኰይኑ፡ ስልጣን ውድብ ምሓዝ ጠቓሚ ኮይኑ ከምዘይተርኣዮ ብምሕሳቡ'ውን ካብቲ ውድብ ክለቅቕ ከም ዝወሰነ ሓቢሩ።

ኣቶ በቀለ ገርባ ድሕሪ ቅትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዘጋጠመ ዓመጽ ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሑ ምስ ወጸ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዙ።

ኣይተ በቀለ ድሕሪ ምፍታሑ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝገሹሉ እዋን ዕላምኡ፡ ነቶም ክፍታሕ ክጠልቡ ዝጸንሑ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ንምምስጋን ከምዝነበረን፣ ኣብኡ ክጸንሕ መደብ ከምዘይነበሮን ወሲኹ ገሊፁ።

“ናብዛ ሃገር ካብ ዝመጽእ ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኮይኑ ኣሎ። መጀመርያ ናብዛ ሃገር ክንመጽእ ከለና መደብና ምስ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ክንራኸብ፡ ብቐዳምነት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምፍታሕ ንዝገበርዎ ቃልሲ ከነመስግኖ፡ ካልኣይ ድማ ንመጻኢ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ንምዝታይ እዩ ነይሩ”።

ኣቶ በቀለ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝጸንሓሉ 15 ኣዋርሕ፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝተቐየረ ብምግላጽ "ናብታ ሃገር ክምለስ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይተሰመዐንን" ኢሉ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ለውጢ ካብ ዝተራእየሉ ዓመታት ንላዕሊ፡ ዝሓለፈ ዓመት ሓደገኛ ነይሩ" ኢሉ።

"ክንድዚ ዘሕዝን ዓመት ኮይኑ'ሎ።" ሰብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ ይቕተል፣ ዝደለዮ ሰብ ይኣስር፣ ኣድራሻ ናይ ሰባት ይጠፍእ፣ ሰብ ካብ መሬቱ ይባረር፣ ቁሸት ኦሮሞ ተሰባቢሩ ገዝኡ ይቃጸል፣ ብህይወት ዘለዉ ብሓዊ ይቃጸሉ ኣለው፣ተቐቲሎም ኣብቲ ባዕሎም ዝዅዕትዎ ጉድጓድ ዝቕበሩ።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ሃገር ናብ ሓደገኛ ኩነታት ክተምርሕ ዝጀመረት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሕድሕድ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

‘ቤት ፅሕፈት ውድብና ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ተዓፅዩ’ዩ” ዝብል ኣቶ በቀለ፤ በዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምግባር ኣብ ዘይከኣል ብርኪ ተበፂሑ ከምዘሎ ወሲኹ ተዛሪቡ።

“ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ብህይወት ምንባር’ውን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ኣሎ። ካልኣይ፡ ናብታ ሃገር ተመሊስካ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምግባር ስለዘይከኣል፡ ናብታ ሃገር ምምላስ ውጽኢት የብሉን ብምባል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብዛ ሃገር ክጸንሕ ወሲነ ኣለኹ።"

ኣይተ በቀለ ናብ ዓዱ እንተተመለሰ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ መምህር ኮይኑ ክቕፅል ከምዘይከኣለ ይዛረብ።

በቀለ ገርባ ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወፀ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጡረታ ክወፅእ ከምዘገደዶ ይዛረብ።

“ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወፃእኹ ደብዳበ ሰዲዶምለይ። ‘ዕድመኻ 60 ዓመት ስለ ዝኾንካ ጡረታ ወጺእካ’ ኢሎምኒ። ጡረታይ ንምውሓስ ዝገበርክዎ ጻዕሪ እውን ፈሺሉ። ምሉእ ዕድመይ ክደልዮ ዝጸናሕኩ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ባዶ ኢደይ ናብታ ሃገር ክኣቱ ተገዲደ።"

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ክልተን ግዜ፡ ካብ ሃገረ ኣመሪካ ብተስፋ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመልሰ ብምሕባር፡ ሕዚ ግን ተስፋ ከምዝሰኣነሉ ይዛረብ።

“ክልተ ግዜ ተመሊሰ፣ ተስፋ ዘለዎ መሲሉኒ፤ ሕጂ ግን ተስፋ የለን”።

እቲ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኣብ 2015 ንዑደት ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ‘ስኮላርስ ኣት ሪስክ’ ዝተባህለ ትካል፡ ናብ ኢትዮጵያ እንተተመሊሱ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ምዃኑ ገሊፁ፡ ቀዋሚ መንበሪ ኣብ ኣሜሪካ ንምምችቻው ንዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝነጸጎ ኣዘኻኺሩ።

ድሕሪ ዑደቱ ግን፡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሰ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይዛረብ።

ኣይተ በቀለ ኣብ 2018 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ናብ ኣመሪካ ክገይሽ ከሎ፡ እቲ ተመሳሳሊ ትካል ኣብ ኣመሪካ ቀዋሚ መንበሪኡ ከመቻችአሉ ሓቲቱዎ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ብውድቡ ኣቢሉ ዝጀመሮ ቃልሲ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመልሰ ገሊጹ።

ኣቶ በቀለ ነቲ ተደጋጋሚ ሕቶ ብምንጻግ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ንሳልሳይ ግዜ ተኣሲሩ።

ኣይተ በቀለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ምፍትሑ ናብ ኣሜሪካ ምስ ተጓዕዘ፡ እቲ ንኽልተ ግዜ ቀዋሚ መንበሪ ንኽህልዎ ንምምችቻው ዝሓተቶ ትካል፡ ሳልሳይ ዕድል ከምዘይሃቦ ገሊጹ።

"ክዕወት እንተኽኢለ ‘ንህዝቢ ክጠቅም ዝኽእል ፖሊሲ ሓንፂፅና ሃገር ከነመሓድር ንኽእል ኢና’ ኢለ፡ ንኻልኣይ ግዜ ዝተዋህበኒ ዕድል ገዲፈ ናብ ዓደይ ተመሊሰ። ሕጂ ግና ፈጺሙ ተስፋ የልቦን።”

በቀለ ገርባ፣ ጃዋር መሓመድን ካልኦት ብዙሓት እሱራት ተወለድቲ ኦሮሞ፡ ቅትለት ኣርቲስ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ተኣስሩ ንመዓልታት ናይ መግቢ ኣድማ ከም ዝገበሩ ዝዝከር እዩ።

ኣይተ በቀለ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝፍጸም ዝነበረ ስቅያትን ማእሰርትን ጠጠው ክብልን፡ ብምሕታት እዮም ናይ መግቢ ኣድማ ዘካይዱ ነይሮም።

እቶም ፖለቲከኛታት፡ ንነዊሕ እዋን መግቢ ብምሕሳሞም፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ፀገም ኣጋጢምዎም ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣቶ በቀለ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጥዕንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሩ።