ባይደን ካብ ውድድር ክእለ ብጸለውቲ ፖለቲከኛታት ዝቐርብ ጻውዒት ሓዪሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣትን ጸለውትን ፖለቲከኛታት ዝዀነ ኣዳም ቺፍ፡ ጆ ባይደን እታ ሽግ ናብ ካልእ ምስ ትራምፕ ክወዳደር ዝኽእል ሰብ ከረክባ ጸዊዑ።
ቺፍ፡ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ኰይኑ፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ መረጻ ሰነት ንምዃን’ዩ ክወዳደር።
ኣዳም ቺፍ ኣብ መግለጺኡ፡ “ጆ ባይደን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ለውጢታትን ጽልዋታትን ዝገበሩ ሰብ ራእይ መራሕቲ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ተሪፍዎ ዘሎ ክብሪ ንኽዕቅብ” ካልእ ኣባል ዲሞክራትስ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ክፈቅድ ኣለዎ ኢሉ።
ኣዳም ኣስዒቡ፡ “ሃገርና ኣብ ቀራና መንገዲ’ያ ዘላ፡ ትራምፕ ፕረዚደንት ኰይኑ እንተተመሪጹ ከኣ ኣዕኑዕ ዲሞክራሲ ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ’ዩ፣ በዚ ዘሎ ከኣ ጆ ባይደን ንትራምፕ ክስዕሮ’ዩ ዝብል ግምት የብለይን” ኢሉ።
ንሱ፡ ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ፡ ጆ ባይደን ወካሊ እቲ ሰልፊ ኰይኑ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ብወግዒ ክእውጅ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ ነዚ ተዛሪቡ።
ጆ ባይደን በቲ ምስ ትራምፕ ዝገበሮ ቀጥታዊ ክትዕ ዘርኣዮ ድኹም ብቕዓትን ዘለዎ ጥዕናዊ ጸገማትን ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሓት ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ መረጻ ብኻልእ ሰብ ክትካእ ይጠልቡ ኣለዉ።
ብዘይካ እቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ኰይኖም ሕጹይ ናይ ምምራጽ ስልጣን ዘለዎም ሰባት፤ ካብ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራትስ’ውን እቶም ልዕሊ ክልተ ሲሶ እቲ ወዲ 81 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ጆ ባይደን ብኻልእ ክትካእ’ዩ ድላዮም።
ጆ ባይደን ክሳብ ሕጂ ንሱ ክወዳደር ምዃኑ'ዩ ኣብ መደረታቱ ዘስምዕ ዘሎ።
ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ሰሙን ኣብ ሲኤንኤን ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ምስ ትራምፕ ዘካየድዎ ክትዕ ግን ትራምፕ ላዕለዋይ ኢድ ከምዝነበሮ ጆ ባይደን ተኣሚኑ’ዩ።
ብዘይካ እዚ፡ ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ምስ ላዕለዎት ኣባላት ዲሞክራትስ ዝፈተኖ ልዝብ ነቓዓት ከምዝተራእዮ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሓቢራ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ዲሞክራትስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ጆ ባይደን ዝያዳ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ዘድሃበ መልሲ ይህብ ስለዝነበረ ሕጕሳት ከምዘይነበሩ’ዮም ገሊጾም።
ኣብ ኮሎራዶ ኣባል ዲሞክራትስ ዝዀነ ጃሶን ክሮው ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣብ ዲሞክራትስ መሰረታዊ ለውጢ እንተዘይተገይሩ ክንሰዓር ኢና” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







