እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ካብ ሶርያ ናብ ሱዳን ሃዲመ፡ እቲ ኵናት ግና ደድሕረይ መጺኡ’
ካሪም [ንድሕነቱ ቢቢሲ ዝሃቦ ስም’ዩ] ቅድሚ ክልተ ዓመታት’ዩ ካብታ ብኵናት ትሕመስ ዝነበረትን ዘላን ሃገሩ ሶርያ ሃዲሙ ናብ ሱዳን ኣትዩ።
እንተኾነ ሕጂ’ውን ኣብ ሱዳን እቲ ዝሃደመሉ ኵናት ኣይተጋደፎን።
ዋላ ሓንቲ ኣማራጺ ስለ ዝስኣነ ካብ ካርቱም ሃዲሙ ናብታ ዝሃደመላ ሃገሩ ንክምለሰ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርትሱዳን ብዘይ መጽለሊ ቀንፈዘው ክብል ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ።
ወዲ 23 ዓመት ካሪም፡ ኣብ ካርቱም ገዛን መኪናን ምስ ዝሃቦ ትካል ንወርሒ 500 ዶላር ጽሩይ ኣታዊ እናረኸበ’ዩ ዝነብር ነይሩ።
እቲ ዝኽፈሎ ዝነበረ ደሞዝ ንነብሱ ኮይኑ ናብቶም ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ስድርኡ ክሰድድ የኽእሎ ነይሩ’ዩ።
ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ’ውን ንክምርዖ መድብ ከም ዘለዎ ንኣዲኡ ሓቢርዋ ነይሩ።
ካሪም ምስ ቢቢሲ ብጽሑፍን ብድምጽን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ “ኣብ ሱዳን ህይወተይ ጽቡቕ’ዩ ነይሩ፡ ካብቲ ዝነበርክዎ ንላዕሊ ኣይምነን’የ ነይረ” ኢሉ።
እንተኾነ፡ 15 ሚያዝያ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ኣብ ካርቱም ኵናት ምስ ተወለዐ፡ ካሪም ገለ ክፋል ኣካሉ ከምታ ትዓኑ ዝነበረ ካርቱም ዝዓነወ ኰይኑ ከምዝተሰመዖ ሓቢሩና።
ሓደ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጦ ሶርያዊ’ውን ኣብ ቅደሚ ዓይኑ ብደብዳብ ከም ዝተቐተለ ካሪም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ካሪም ሓደ ነገር እንተዘይገይሩ ንሱ’ውን ሓደ መዓልቲ ብደብዳብ ክመውት ምዃኑ ስለ ዝተረደኦ 24 ሚያዝያ ምስ ካልኦት ዓሰርተታት ሶርያውያን ናብ ፖርት ሱዳን ክኸይድ ተበጊሱ።
እቲ ክልተ መዓልቲ ዝወስድ መንገዲ ቅድሚ እዚ ኵናት 40 ዶላር’ዩ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ነፍሲ ወከፎም 400 ዶላር ክኸፍሉ’ዮም ተገዲዶም።
ካሪም እቲ ኣብ ዓዶም ዘጋጠመ ሕማቕ ዕድል እግሪ እግሮም ናብ ሱዳን ዝሰዓበ ኰይኑ ከም ዝተሰመዖ ብምረት ይዛረብ።
‘ተረጊምና ኢና’
ካሪም፡ “ታሪኽ’ዩ ዝድገም ዘሎ” ድሕሪ ምባል “ሕጂ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሶርያ ዝነበርናዮ ኢና ኰይንና ዘለና፡ ተረጊምና ኢና፡ ክሳብ ሕጂኮ ክነብር ኣይጀመርኩን ኣለኹ፡ ምኽንያቱ እዚ ምስ ናብራ ዝጽብጸብ ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣብ ፖርት ሱዳን ብዘይ መጽለሊ ዝሓድርን ዝውዕልን ዘሎ ካሪም፡ ከምቶም ገለ ብኣየር ካብ ፖርት ሱዳን ዝወጽኡ ክወጽእ ኣይክኣለን፡ ጅቡኡ ኣይፈቐደሉን።
ካሪም እታ ምስ ቢቢሲ ዘዕልለላ ዝነበረ ሞባይል ቻርጅ ምስ ወድአት፡ ናብ ሓደ መስጊድ ከይዱ ድሕሪ ምምላእ “ኣብ ከምዚ ነገር ወሳኒ ገንዘብ’ዩ፡ ገንዘብ ዘለዎም’ዮም ክነብሩ ዝኽእሉ” ዝብል ጽሑፍ’ዩ ሰዲድልና።
ብዙሓት ሶርያውያን ኣብ ሃገሮም ኵናት ሓድሕድ ምስ ተባርዐ ናብ ሱዳንን ናብ ካልኦት ሃገራትን ተሰዲዶም፡ ኣብ ሱዳን ክንደይ ዝኾኑ ሶርያውያን ከምዘለዉ’ኳ ወግዓዊ ዝተሰነደ ቁጽሪ እንተዘይሃለወ፡ ክሳብ 150 ሽሕ ከምዝብጽሑ ግና ይግመት።
ካሪም ብዙሓት ገንዘብ ዘለዎም፡ ስድርኦም ሃፍታማት ዝኾኑ ወይ ከኣ ኣብ ከም ብዓል ግብጺ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ካብ ሱዳን ከምዝወጽኡ ብምግላጽ፡ ንሱ ግን ክወጽእ ኣይክኣለን፡ ምኽንያቱ ንሱ፡ ኩሉ እዚ ዝበሎ የብሉን።
ካሪም ኣብ ሶርያዊት ከተማ ኢድሊብ ካብ ርኹባት ዘይኮኑ ስድራ ሕሳስ ልደ’ዩ፡ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ኵናት ሓድሕድ ምስ በርተዐ ግን፡ ናብ ከተማ ኣሌፖ ሃዲሞም።
ስድርኡን ኣዝማዱን በተን ኣብ ሱዳን ሰሪሑ ዝሰደሎም’ዮም ዝናበሩ።
ካሪም መጀመርታ ዘለዎ ኩነታት ምስ ቢቢሲ ብጽሑፍ ክለዋወጥ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ተስፍኡ ምሉእ’ዩ ነይሩ።
“ናብ ጅዳ [ስዑድ ዓረብ] ከኸይድ’የ ካብኡ ዝሓሸ ዕድላት ከጋጥመኒ’ዩ፡ ናብ ኢትዮጵያ’ውን ክኸይድ እኽእል’የ እዚ ክሳብ 400 ዶላር ይውድኣለይ ይኸውን’ዩ” ብምባል፡ ሓሳቡ ንቢቢሲ የካፍል ነይሩ።
ካሪም ናብ ግብጺ ንክኣቱ ናይ ቱሪስት ቪዛ’ዩ ዘድልዮ፡ ነዚ ዝኸውን ዓቕሚ የብሉን፡ ምኽንያቱ ክሳብ 1350 ዶላር’ዩ ክውድኣሉ።
“ከብድና ንኽነዐንግል ኣብ ኢድና ዝነበረ ሰልዲ ኩሉ ወዲእናዮ ኢና፡ ሰሰሪሐ ናብ ስድራይ ይሰዶ ስለዝነበርኩ ኣብ ሱዳን ክልተ ዓመት ሰሪሐ 1000 ዶላር ጥራይ’የ ከዋህልል ክኢለ፡ እዚ ከኣ ንፖርትሱዳን ንኽኣቱን ኣብዚ ንመግበይን ወዲአዮ’የ” ኢሉ።
ካሪም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ተስፍኡ እናተጸንቐቐ’ዩ መጺኡ።
ምስተን ካብ ፖርትሱዳን ናብ ስዑድ ዓረብ ሰብ ዘውጽኣ ዝነበራ መራኽብ ንክወጽእ ዘይገበሮ ፈተነ ኣይነበረን፡ ክሰልጦ ግን ኣይክኣለን።
‘ኣብ ሓጺር መዓልታት ሸይበ’
ካሪም ፖስፖርቱ ክሳብ ዝመጽእ ቁሩብ መዓልታት መዓልቱ ከሕልፍ’ዩ፡ እዚ ኸኣ ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ንምኻድ ዝነበሮ ተስፋ ዘጸልምት’ዩ።
“ወላሂ! ሕጂ ኩሉ ነገረይ ደንዚዙ ብጽቡቕ ክሓስብ’ውን ይኽእል የለኹን፡ ጸጉረይ ክሽይብ ጀሚረ፡ ልዕሊ እዚ’ሞ እንታይ’ዩ ክመጽኣኒ፡ ካብ ሃገረይ [ሶርያ] ሃዲመ እንድየ ወጺአ ሕጂ ግን ዝፈርሖ ነገር የለን፡ ዝረኸበ ይርከበኒ ናብኣ ክምለስ’የ”
ካሪም፡ ካብ ሶርያ ምስ ወጽአ ናብ ሶርያ ናይ ምምላስ መደብ ኣይነበሮን፡ ምኽንያቱ ናብ ሶርያ እንተተመሊሱ ግድን ብረት ክዓጥቕን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽምን ኣለዎ።
እቲ ኵናት ሓድሕድን ብረት ምዕጣቕን ስለዘይደለየ ድማ’ዩ፡ ካብታ ሃገር ወጺኡ ህይወቱ ክቕይር ፈቲኑ።
ሕጂ ግን ናብቲ ዝሃደመላ ሃገሩ ንኽምለሰ’ውን ዋጋ የኽፍሎ ኣሎ።
ሓደ ኣብ ፖርትሱዳን ብወለንትኡ ኣብ ምውጻእ ስደተኛታት ዝተሓባበር ውልቀሰብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክሳብ 15 ጉንበት መዓልታዊ ሓንቲ በረራ ናብ ሶርያ ከምዘሎን፡ እዚ ከኣ ንንግዳውን ነቶም ኣብ ፖርትሱዳን ዘለዉ ሶርያውያን ንምውጻእን ዝዓለመ ከምዝኾነን ሓቢሩ።
እቲ ንንግዳዊ ዝግበር በረራ ትኬት ካብ ትራቭል ኤጀንት ብ450 ዶላር’ዩ ዝዕደግ፡ እቶም ካብ ፖርትሱዳን ንክወጽኡ ዝተመዝገቡ ሰባት ግን ብነጻ’ዮም ዝኸዱ።
እንተኾነ ንኣረጋውያን፡ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም፡ ንነፍጾራትን ንስድራን’ዩ ቀዳምነት ዝውሃብ።
ካሪም፡ ስድርኡ ብዓዲ ኮይኖም ትኬት ክዕድግሉ’ኳ እንተፈተኑ፡ ቦታ ከምዘየለ ከምዝተሓበሮም ነጊረሞ።
“ኩሉ ጸገማተይ ብ3000 ዶላር ክፍታሕ ምተኸኣለ፡ ፓስፖርተይ ብ300 ዶላር መሐደስኩ፡ ናብ ግብጺ ዘእትወኒ ቪዛ ምረኸብኩ፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ሓፍተይ ዘላቶ ቱርኪ ገይረ ናብ ኣውሮጳ ምኣተኹ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን መን’ዩ 3000 ዶላር ከለቕሓኒ ዝኽእል፡ ዝሕሰብ ኣይኮነን” ይብል።