እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡኽ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ልኡኽ ሱዳን ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ።
እቲ ጉጅለ መልእኽቲ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ከምዘብጽሐ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።
ነቲ መልእኽቲ ሒዙ ዝመጸ ኣምባሳደር ደፋዓላ ኣልሓጅ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ህልው ኩነታትን ምዕባለታትን ሱዳን ከምዝገለጸሉ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሱዳን ካብ’ዚ ዘላቶ ኩነታት ብዛዕባ እትወጸሉ ዕድላትን ተራ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ምዝታዮም’ውን ገሊጹ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት "ኢሳይያስ፡ 'ኤርትራ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምትሕብባር፡ ንሓይልታት ወሃብ ህጽጽ ደገፍ ዕቚባ ክትህብ’ያ' ዝብልን ካልእን ብገለ ማዕከናት ዜና ኮነ ኢልካ ዝናፈስ ዝበሎ ወረ፡ ውጹእ ሓሶትን ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳን ከምዝዀነ ኣብሪሁ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቅልውላው ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት፡ ዝምድናታቱ ምስቲ ንልኡላዊ ቤትምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ ጀነራል ኣልቡርሃን ምጽንሑ ተዛሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ምዃኑ ዝጥቀስ ዘሎን ብጀነራል ቡርሃን ዝተበገሰ ውሁድ ሰራዊት ናይ ምህናጽን ጠለብ ኣብዚ እዋን'ዚ ምምጽኡ "መዘንብዒ ወይ ምስምስ" እዩ ብምባል ኣቶ ኢሳይያሰ ነቒፍዎ ነይሩ።
"ሓደ ካብቲ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ዘምጽእዎ ምዝንባዕ፡ ደምጅ ወይ ምጽንባር ሰራዊት ዝብል እዩ። ኣዳዕም ኣሰሪዕ ክጽንበር ኣለዎ ተባሂሉ። ዘዛርብ ጉዳይ ኣይኰነን። ሓደ ሰራዊት ክህሉ ዘከራኽር ወይ ዝውንዘፍ ኣርእስቲ ኣይኰነን። ሕጂ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝትግበር ግን ኣይኰነን።
"ሕጂ ምምጽኡ መዘንብዒ ወይ ምስምስ ኢና ንብሎ ንሕና። ቅድሚ ሲቪላዊ መንግስቲ ምቛሙ ዝመጽእ ኣይኮነን። እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ዓቢ ኣርእስቲ’ዩ ንገዛእ ርእሱ። ቅድም ብዛዕባኡ ዘዕግብ መልሲ ክትረክብ ኣለካ። ሲቪላዊ መንግስቲ ቅድሚ ምቛሙ ደምጅ (ጽንበራ) ክግበር ኣለዎ ምባል ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ምቕማጥ’ዩ። በየን ትኸይድ ደሓር?"
ሓደ ወርሒ ቅድሚ ውግእ ምውልዑ፡ ኣብ ክፍላ መጋቢት፡ ኣዛዚ ሓይልታት ኣዳዕመ ኣልሰሪዕን ምክትል ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽርን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ሱዳናዊ ልኡኽ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ሎሚ ኣማስይኡ ከምዝተፋነወ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብሰንኪ'ቲ ግጭት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተፈናቂሎም ኣለዉ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ገለ ብድሌቶም ብዙሓት ከኣ ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ጂዳ፡ ዘተ ሰላም ሱዳን
ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ሱዳን በመንጎኝነት ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ኣብ ከተማ ጂዳ ክዘራረቡ ምቕናዮም ይፍለጥ።
ዛጊት ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱን ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምውሓስ ከምዝሰርሑ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እንተኾነ ግን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ክሰማምዑ ከምዘይክኣሉ ተገሊጹ።
ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ገፊሕ ከምዝዀነ ብምሕባር እቲ ዘተ ‘ከቢድ’ ከምዝነበረ ኣመሪካ ገሊጻ።
ብሰራዊት ሱዳን ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ካቢነ ሚኒስተራት ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተበጽሐ ሰምምዕ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብመዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳንን ዋዲ ሴድናን ክኣቱ ከምዘፍቀደ ኣፍሊጡ'ሎ።
ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም'ውን ምምሕያሽ ተገይሩሉ ረዲኤት ክቕበል ከምዝኽእል ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና ሓቢሩ።