ህዝቢ ትግራይ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክረቍሕ ኣቢይ ኣሕመድ ጻውዒት ኣቕሪቡ

ጌታቸው ረዳ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, TTV/PM Office

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ህዝባዊ ፃውዒት ገይሩ።

"ንመላእ ህዝቢ ትግራይ" ብዝብል ሎሚ ንግሆ ብትግርኛ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንመፃኢ ሓደ ዓመት ግዝያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ብቕዓት ኣለዎ ዝብሃል ስም መራሒ ብኢመይል ንቤት ጽሕፈቱ ክስደደሉ'ዩ ዕድመ ኣቕሪቡ ዘሎ።

"ምሻም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር' ሓላፍነት ቀደማይ ምኒስተር'ኳ እንተዀነ፡ ህዝቢ ብዝተማልአ መንገዲ ብምርጫ መራሕቱ ክሳዕ ዝመርጽ ኣብ ጥቆማ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ተሳትፎ ክህልዎ ኣድላይ ኰይኑ፡" ከም ዝተረኸበ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ምምቕቓል ስዒቡ፡ ብደብረፅዮን ዝምራሕ ክንፊ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ብዕጡቓት ተሓጊዙ፡ ኣብያተ ፅሕፈት ከባብያዊ ምምሕዳራት'ቲ ክልል ዝተቘፃፀረ ኰይኑ፡ ኵነታት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ናብ ቅልውላው ኣምሪሑ።

ኣቶ ጌታቸው፡ እቶም ዕጡቓት ኣብያተ ፅሕፈት ምምሕዳራትን ከንቲባታትን መቐለ ኣብ ዝተቘፃፀርሉ ህሞት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብኻልእ ጉዳይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝገሸ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ፈደራል 'ምስቶም ማሕተም ዘሕድጉን ዕልዋ ዘካይዱን' ዝበሎም 'ከይደራደር' ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ብ20 መጋቢት (ግእዝ) ንተወክልቲ ህዝቢ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ኣብታ ክልል ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታት ርእይቶ ከይሃበሉ ዝሓለፈ ኰይኑ፡ ዕድመ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝናዋሕ ተዛሪቡ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ምምሕያሻት ሕጊ ከም ዘድልዮን ኣብ መሪሕነት መጠናዊ ለውጢ ከም ዝግበርን'ውን ኣንፊቱ ነይሩ።

ንሱ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ፡ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኲናት ከይውላዕ ብምግባሩ፡ ኣስማት እቲ ፕረዚደንትን ክልተ ምክትላቱን ብምጽራሕ ንኢዱ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብቲ ሎሚ ዘውፀኦ ፅሑፍ ግን፡ ሓላፍነት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ዘብቅዐ ዘመልክት ይመስል።

"ንዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ብብቕዓት ክፍፅሙ ይኽእሉ እዮም፣ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ክልል ከራጋግፁ ይኽእሉ እዮም እትብልዎም ሕጹያት፡ ናብ ናይ ቀደማይ ምኒስተር ቢሮ ኢሜል አድራሻ ([email protected]) ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ጥቆማኹም ክትልእኹ ከም እትኽእሉ ነፍልጥ፡" ይብል።

ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed

ሕግታት ሕገ-መንግስትን ንዕኡ መሰረት ገይሮም ዝወፅኡ ደንብታትን ብምጥቃስ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕማማቱ አጻፊፉ ሓላፍነቱ ብህዝቢ ንዝተመርጸ መንግስቲ ከረክብ ይግባእ ነይሩ" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዋህቦ ቍልፊ ዕማማት ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ ከጻፍፍ ከም ዘይከኣለ ብምጥቃስ፡ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ኣድላይ ኰይኑ ከም ዝተረኽበ ይገልፅ።

"ካብቶም ቍልፊ ዕማማት ሓደ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ምቹእ ኵነታት ምፍጣር እዩ። እዚ ዕማም`ዚ ካብቶም ዘይተጻፈፉ ዕማማት ሓደ ብምዃኑ ዕድመ ግዝያዊ መንግስቲ ሕጊ ብምምሕያሽ ብሓደ ዓመት ምንዋሕ ግድን ኰይኑ አሎ"።

መንግስቲ ፈደራል ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕደመ ግዝያዊ መንግስቲ ንምንዋሕ፡ ፖለቲካዊ፡ ምምሕዳራውን ናይ ሕግን ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ከም ዝርከብ'ውን ተገሊፁ።

ክስታትን ስግኣታትን

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝዀነ ብ/ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ "ንኣኽራሪ ጕጅለ ፋኖ ደገፍ ይህብ'ዩ" ዝብልን ካልኦት ሰፋሕቲ ክስታትን ምቕራቡ ከዘራርብ ቀንዩ።

ነዚ ክስታት ምላሽ ዝሃበ፡ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ፡ እቶም ዝቐረቡ ክስታት ሓላፍነት ዝጐዶሎም "ክሲን ጸለመን" ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እቲ ሰራዊት ይቕረታ ክሓትት ጸዊዑ ነይሩ።

ሰራዊት ፈደራል ምክልኻል ኢትዮጵያ ብ12 መጋቢት 2017 (ግእዝ) ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጀነራል ምግበይ ሃይለ "መሻርኽቱ ብምውዳብን ወፍሪ ሓድነት ብዝብል ጕልባብ ፋኖ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታትን ዞባታትን እቲ ክልል ምግፋዕ ከካይድ ፈቲኑ፡" ክብል እዩ ዝኸስስ።

ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ "ጀነራል ምግበይን ብጾቱን ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብጥብቂ ስነ-ስርዓት ዝምርሑን ስርሖም ዝፍጽሙን ምዃኖምን ነዚ ኣብ ዝጻረር ዝዀነ ይዅን ንጥፈታት ከም ዘይተዋፈሩን ክፍለጥ ይግባእ፡" ክብል ተጣቢቑ።

እዚ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ደኾን ይመርሖ ዝብል ስግኣት ሓዚሉ ዝቐነየ ኰይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ምስ ክልቲኦም ክንፍታት ህወሓትን ኣባላት ፀጥታን፡ ንህዝቢ ዕላዊ ዘይኰነ ልዝብ የካይድ ከም ዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

እንተዀነ፡ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ልዝባትን ዝተበፅሐ ስምምዕን ምርግጋፅ ኣይተኻእለን።