ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ዝቐረበ ክሲ 'ሓላፍነት ዝጎዶሎ'ዩ' - ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ

ጀነራል ምግበይ ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, DW

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ብ/ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ "ንፋኖ ደገፍ ይህብ'ዩ" ዝብልን ካልኦት ክስታትን ምቕራቡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ፡ እቶም ዝቐረቡ ክስታት ሓላፍነት ዝጎዶሎም "ክሲን ጸለመን" ምዃኖም ብምጥቃስ እቲ ሰራዊት ይቕረታ ክሓትት ጸዊዑ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፡ "ኣብ ክንዲ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ምፍታን፡ ኣብ ክንዲ ንዘጋጠመካ ጸገማት ግብራዊ መፍትሒ ክትረክብ ምፍታን፡ ንዘይምልከቶም ኣካላት ምውቃስ፡ ነባሪ ሰላምን ምዕባለን ከይህሉ ዝገብር ሓላፍነት ዝጎዶሎ ተግባር'ዩ" ኢሉ።

ፌደራል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብ12 መጋቢት 2017 (ግእዝ) ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጀነራል ምግበይ ሃይለ "መሻርኽቱ ብምውዳብን ወፍሪ ሓድነት ብዝብል ጉልባብ ፋኖ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታትን ዞባታትን እቲ ክልል ምግፋዕ ከካይድ ፈቲኑ" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ "ጀነራል ምግበይን ብጾቱን ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብጥብቂ ስነ-ስርዓት ዝምርሑን ስርሖም ዝፍጽሙን ምዃኖምን፡ ነዚ ኣብ ዝጻረር ዝዀነ ይኹን ንጥፈታት ከምዘይተዋፈሩን ክፍለጥ ይግባእ" ክብል ተጣቢቑ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ12 መጋቢት 2017 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ፋኖ ዝብሃል ኣኽራሪ ጉጅለ ተደምሲሱ'ዩ" ክብል'ውን ገሊጹ ነይሩ።

ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ብወገኑ፡ ብ13 መጋቢት 2017 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ሰራዊት ትግራይ ንሰላም ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋን ጻዕርን ዘነኣእስ ዝመስል፡ ከምዚ ዓይነት መሰረት ዘይብሉ ዜና ይዝርጋሕ ምህላዉ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ጀነራል ምግበይ ምስ ኢትዮ-ፎረም ኣብ ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት እውን "ከምኡ ኣይኰናን፤ ፈፂሙ ኣይንገብሮን ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምትግባር "ከም ህዝቢ፡ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ከምኡ'ውን ከም ኣባላት ሰራዊት" ብመሰረት ሕጊ ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ "ኣነ ከምኡ ኣይኰንኩን። ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ብውልቀ ሰባት ዝውሰን ኣይኰነን። ግቡእ ኣወዳድባ ኣለና" ብምባል ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።

"ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወጻኢ ብዘይግቡእ፡ ሓንሳብ ምስ ኤርትራ፡ ሕጂ ድማ ምስ ፋኖ [ብሓባር ምስራሕ] ክመጽእ ይኽእል'ዩ" ብምባል "ካብቲ ስምምዕ ወጻኢ ንዝካየዱ ንጥፈታት ክንቃለስ ኢና፤ ክንእርሞም ኢና፤ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ንኽኣቱ [ንሰርሕ ኣለና]" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ወሃቢ ቃል ፋኖ ወሎ ቤት-ኣምሓራ ዝዀነ ኣበበ ፋንታሁን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ብርጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንስርሒት ፋኖ "ደጊፉ" ዝብል ክሲ "ሓሶት" ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ኣዛዚ ግንባር ምዕራብ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል እውን ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ዝዀነ ይዅን ርክብ ከምዘይብሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

"ካብ ኣመራርሓ ፋኖ ምሳይ ዝዀነ ርክብ ዘለዎ የለን" ብምባል ምስ ኤርትራ እውን "ዝዀነ ይዅን ርክብ የብለይን" ክብል መልሲ ሂቡ።

ፌደራል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ግን "ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምፍራስን ንኸይዕወትን ዓቢ ጻዕሪ ከምዝገበረን፡ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንምውዳቕን ስልጣን ብሓይሊ ንምምንዛዕን ዝፈተነ ጸረ ሰላምን ጸረ ልምዓትን እዩ" ክብል'ዩ ነቲ ጀነራል ከሲሱዎ ዘሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ነቲ መግለፂ "ቅንዕና ዘይብሉን ዘይበሰለን" ብምባል ድሕሪ ምንቃፉ "እዚ ንመሬታዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንምንእኣስ ዝተገብረን ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ምትግባር ዓብዪ ግደ ዘለዎ ትካል ትጽቢት ዘይግበረሉን ሓላፍነት ዝጎዶሎ ነገር ስለዝዀነ፡ ብቕልጡፍ ክእረም ኣለዎ" ክብል ነቒፉ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወሲኹ፡ "ስርሒት ሓድነት ብዝብል ስም ዝተዋደደ ወፍሪ ዝጀመሩ ኣኽረርቲ፡ ርኡይ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣብ ደቡብ ጎንደር፡ ምዕራብ ጎንደር፡ ሰሜን ጎጃም፡ ምብራቕ ጎጃም፡ ምዕራብ ጎጃም፡ ከምኡ'ውን ዶባዊ ዞባ ዝዀነት ሰሜን ወሎ ብዝወልዕዎ ሓዊ ተቓሊዖም ኣለዉ" ኢሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ 317 ዕጡቓት ከምዝሞቱ፡ 125 ከምዝቖሰሉን ካልኦት ድማ ከምዝተማረኹን እውን ጠቒሱ።

ወሃቢ ቃል ፋኖ ጎንደር ዮሃንስ ንጉሱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፡ 602 ወተሃደራት ፌደራል ከምዝሞቱ፡ 430 ከምዝቖሰሉን ካልኦት ድማ ከምዝተማረኹን ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ወሃቢ ቃል ፋኖ ወሎ ቤት-ኣምሓራ ኣበበ ፋንታሁን እውን "30 ዕጡቓት እኳ ኣይተቐትሉን" ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ናይ ክልተ ዓመት ስልጣኑ ዝተዛዘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንተወሳኺ ዓመት ክቕፅል ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ግዝያዊ ኣወዳድባ ንምቕጻል ዘድሊ ሕጋዊ ምምሕያሻት ክግበር ምዃኑ እውን ጠቒሱ። ክሳብ ቀፃሊ ምምሕዳር ዝምረጽ ብኸምዚ መስርሕ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሩ።

ነዚ ንምግባር ድማ ምስ ሓላፊ መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳን ምክትሉ ጀነራል ታደሰ ወረደን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ምምኽኻር ከምዝተገበረ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ክልል ምስ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ እውን ጠቒሱ እዩ።

ጀነራል ምግበይ ሃይሊ ሓደ ካብ ነባራት ተጋደልቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ኮይኑ፡ ብጥሮታ ቅድሚ ምውጽኡ ኣብቲ ሕጂ ዝኸሶ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ላዕለዋይ መኮንን ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ።

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣንጻር ሰራዊት ማእከላይ መንግስቲ ንካልኣይ እዋን ተዋጊኡ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ድማ ምስ ብጾቱ ካልኦት ኣዘዝቲ ብምዃን ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ብምድጋፍ ኣንጻር ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ከም ዝተሰለፈ ይፍለጥ።