እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ናይ መጀመርትኣ ዝዀነት ነፋሪት ተጉዓዝቲ ሰሪሓ በረራ ገይራ
ቻይና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተፈረየት ናይ መጀመርታ ሰባት እተጓዕዝ ነፋሪት ንግዳዊ በረራኣ ፈሊማ።
ቴሌቪዥን መንግስቲ፡ እታ C919 ተባሂላ ዝተሰምየት፡ ትማሊ ሰንበት ኣጋ ምሸት ኣብ ልዕሊ ሰማይ ሻንጋይ ዝነፈረት ኰይና፡ ናብ ርእሰ ከተማ ቤጂንግ ክትምርሽ ከላ ኣርእዩ።
ኮመርሻል ኣቬሽን ኮርፖሬሽን ቻይና nታ ነፋሪት ዝተሃንጸ፡ ዓብላልነት ኤርባስን ቦይንግን ኣፍራይነት ነፈርቲ ንምስባር ተስፋ ብምግባር'ዩ።
እንተዀነ፡ እታ 164 ሰባት እተሳፍር ነፋሪት፡ ዛጊድ ኣብዝሓ ኣቑሑታ፡ ሞተራ ከይተረፈ፡ ካብ ኣፍረይቲ ምዕራባውያን ሃገራት ከምዝመፅአ ይዝረብ።
ካብ ሻንጋይ ናብ ቤጂንግ ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ንግዳዊ በረራኣ፡ ልዕሊ 130 ተጓዓዝቲ ዝሓዘት ኰይና፡ ጉዕዛኣ ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ሰዓታት እያ ተዛዚማ።
እዛ ነፋሪት ናብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ክትምለስ መደብ ተታሒዙላ ኣሎ።
ብመንግስቲ ዝድገፍ መንገዲ ኣየር ቻይና ምብራቓዊ መንገዲ ሓሙሽተ ነፈርቲ ኣዚዙ።
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ዓመታዊ 150 ነፈርቲ ንምፍራይ መደብ ዘለዎ ኮማክ፡ ድሮ ልዕሊ 1200 ትእዛዛት C919 ከምዝተቐበለ ይገልጽ።
ገለ ክኢላታት ግና መብዛሕትኦም እዞም ትእዛዛት ካብ ውሽጢ ዓዲ ዓማዊል ዝመጹ ናይ ድሌት መግለጺ ደብዳቤታት ምዃኖም ይእምኑ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ’ታ ኣብ ህንፀት ዝነበረት C919 መንበር ኮፍ ዝበለ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ፡ ነቲ ፕሮጀክት ‘ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ፈጠራዊ ዓወታት ቻይና’ ክብል ገሊጽዎ።