ጅሆ ይኣክል፡ ጕጅለ-7 ኣንጻር ቻይና መርገጺ ወሲዱ

መራሕቲ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ (G7) ንፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ናብ ሂሮሺማ ብምዕዳም ናብ ሩስያ ጠንካራ መልእኽቲ ክሰዱ እንከለው፡ ካልእ ተቐናቓኒት እውን ኣብ ኣእምሮኦም ነይራ - ቻይና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ቻይና ኣብ ዓለማዊ ጸጥታን ብልጽግናን ብዝምልከት "ኣብ ዘመንና ዝዓበየት ብድሆ" እያ ብምባል “ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ምልካዊ ስርዓት እናወሰኸት ትኸይድ ኣላ” ኢሉ።

ከምኡ’ውን ኣብ ሓደ ዘይኰነስ ኣብ ክልተ መግለጺታት፡ መራሕቲ እተን ሃፋትም ዴሞክራሲ ዝዀና ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ከም ኢንዶ-ፓሲፊክን ታይዋንን ዝኣመሰሉ ከፋፋሊ ጉዳያት ዘለዎም መርገጺ ንቤጂንግ ንጹር ገይሮም ኣለው።

እቲ ኣገዳሲ ክፋል መልእኽቶም ግን ኣብቲ "ቍጠባዊ ቀስቢ" ዝበልዎ ዘማእከለ እዩ ነይሩ።

ብንግዲ ኣቢሉ ቁጠባ እዘን ሃገራት ኣብ ቻይና ጽግዕተኛ እኳ እንተዀነ ምስ በይጂን ዝግበር ውድድር ግን እናወሰኸ ብምምጽኡ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ኣይሰማምዑን እዮም።

ሕጂ፡ ጅሆ ተታሒዞም ከይህልው ይጭነቝ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በይጂን ኣብ ልዕሊ እተን ዘየሐጐስኣ ሃገራት ንግዳዊ እገዳ ክትገብር ንድሕሪት ኣይበለትን።

እዚ ድማ ንደቡብ ኮርያ ዝሓወሰ ኰይኑ፡ ሲኡል ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይላት ኣሜሪካ ኣብ ዝተኸለትሉ እዋን ዝወሰደቶ ስጕምቲ ምንባሩ ይዝከር።

ኣውስትራሊያ’ውን ኣካል ስጕምቲ እገዳ ንግዲ ቻይና እያ።

ብፍላይ ሊትወኒያ ታይዋን ዘይእውጅ ኤምባሲ ክትከፍት ፍቓድ ድሕሪ ምሃባ ቻይና ንሰደድ ሊትዋንያ ክትዓግቶ እንከላ ሕብረት ኣውሮጳ ኣዝዩ ሰጊኡ።

ስለዚ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ነዚ፡ "ዘሰክፍ ምዕባለታት” "ቍጠባዊ ተቓላዕነት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም” ኢሎም ብምርኣይ ይዅንኑዎ ኣለው።

እቲ ብወገን ቻይና ዝውሰድ ዘሎ ስጉምታት ንምቅላስ ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ንምስራሕ "ናይ ምውህሃድ መድረኽ" እውን ኣበጊሶም።

እዚ ብልክዕ ከመይ ከም ዝሰርሕ ገና ንጹር ኣይኰነን።

ግን ድማ እተን ሃገራት ቻይና ዘውጽኣቶ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ንምፍታሕ ንግዲ ወይ ምወላ ብምውሳኽ ነንሕድሕደን ክተሓጋገዛ ክንርኢ ተኽእሎ ኣሎ።

ብተወሳኺ G7 ንኣገደስቲ ኣቑሑት - ከም ማዕድናትን ኣብ መስመራት ምርኻብ ዝውዕሉ ኣቑሑትን - ዘሎ ሰንሰለት ቀረብ ንምሕያል፡ ከምኡ’ውን ዲጂታላዊ ትሕተ-ቅርጺ ንምሕያል፡ ስርሰራን ምስራቕን ቴክኖሎጂ ንምክልኻል መደብ ኣለዎ።

እቲ ዝዓበየ መደብ ግን ብዙሕነታዊ ምቁጽጻር ሰደድ እዩ።

እዚ ማለት ቴክኖሎጂታቶም ብፍላይ ድማ ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ዝጥቀሙሉ ኣብ ኢድ "ተንኮለኛታት ተዋሳእቲ" ከይኣቱ ብሓባር ምስራሕ ማለት እዩ።

ኣመሪካ ናብ ቻይና ኣብ ስርሓት ቴክኖሎጂያዊ ኣቝሑ ዝውዕሉ ‘ቺፕስ’ ሰደድ ከይግበር ብምእጋድ ድሮ ነዚ ተግባራዊ ገይራቶ እያ።

ጃፓንን ሆላንድን ድማ ነዚ ስጕምቲ ተጸንቢረናኦ ኣለዋ።

ክሳብ ሕጂ፡ መራሕትን ዲፕሎማሰኛታትን ቻይና መልእኽቲ G7 ብኸመይ ከም ዝወስድዎ ኣይንፈልጥን።

ንግዚኡ በይጂን ኣብ እትህቦ መልሲ እቲ ልሙድ ቁጥዐ ዝመልኦ ቃላት ካብ ምጥቃም ተቘጢባ ኣላ።

ኣቐዲሙ ግን ቻይና ንመግለጺታት ጕጅለ 7 ብንጹር ገሚታቶ ስለ ዝነበረት፡ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃንን ኤምባሲታትን ኣሜሪካ ብናይ ገዛእ ርእሳ ቍጠባዊ ምግዳድን ምስሉይነትን ዝኸስሱ ጽሑፋት ኣውጺኦም ነይሮም።

ብቐዳም ምሸት ሃገራት ጕጅለ 7 ንቻይና "ጸይቖምን ኣጥቂዖምን" ክብሉ ብምኽሳስ ናብ ኣዳላዊት እቲ ዋዕላ ዝዀነት ጃፓን ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ እተን ካልኦት ሃገራት G7 "ኣብ ቍጠባዊ ምግዳድ ተሓባባርቲ" ኣሜሪካ ከይኰና ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቻይና ምስ ካልኦት ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሳ ምሕዝነት ክትፈጥር ጻዕሪ ትገብር እያ ዘላ።

ኣኼባ ጕጅለ 7 ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ምስ ሃገራት ማእከላይ ኤስያ ጐድናዊ ኣኼባ ከም ዘአንገደትን ይፍለጥ።