እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ኣመሪካ ብዝተገበረ መጥቃዕቲ ካብ ዝተጨወዩ እቶም ክልተ ተፈቲሖም
ኣብ ናይጀርያ ክልተ ዝተጨውዩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ብዘይ ዝዀነ ጉድኣት ከም ዝተፈትሑ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ብሰሉስ ኣብቲ ብሰንኪ ስክፍታታት ድሕነት ንዝሓለፈ ዓመት ዕጽዋ ተገይሩሉ ዝጸንሐ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውራጃ ኦግባሩ'ዩ ተፈጺሙ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ እተን መካይን ብምትኳስ ከም ዘቃጸልወንን፡ እቶም ሬሳታት ንምልላይ ብጸገም ኵነታት ከም ዝተቓጸሉን ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጹ።
መንነት እቶም ዕጡቓት ንጹር ኣይኰነን።
ገለ ሰበስልጣን፡ እቶም ደቀባት ቢያፍራ (ኢፖብ) ዝተበሃሉ ተጋደልቲ ተገንጸልቲ ኢግቦ ከም ዝፈጸምዎ ይኸሱ ኣለዉ።
እቲ ጉጅለ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ክሲ ርእይቶ ኣይሃበን።
ቅልውላው ጸጥታ ናይጀርያ ከብቅዕ ዝኣተዎ ቃል ክፍጽም ዘይከኣለን ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ካብ ስልጣኑ ዝወርድን ፕረዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ፡ መንግስቱ ነቶም ብድሕሪ እቲ ብሰሉስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘለዉ ገበነኛታት "ፈልዩ ክቅይዶም" ምዃኑ ገሊጹ።
ካብቶም ግዳያት ዝዀነ ኣመሪካዊ ዜጋ ከም ዘይነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ'ዩ።
ብሊንከን ወሲኹ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ኣብዚ እዋን'ዚ ኣንጻር ተልእኾና ዒላማ ዝተገብረ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት የለን" ኢሉ።
ካብቶም ብሰሉስ ዝተቐትሉ 7 ሰባት እቶም ሰለስተ ናይጀርያውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ክዀኑ እንከለዉ እቶም ኣርባዕተ ድማ ናይ ጸጥታ ዓጀብቲ ነይሮም።
ፖሊስ፡ መንነት እቶም ተጨውዮም ዝነበሩን ዝተፈትሑን ክልተ ሰባት ኣይገለጸን።
"ስርሒታት ገና ይቕጽል ኣሎ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ድማ ክግለጽ'ዩ" ክብል ወሃቢ ቃል ፖሊስ ግዝኣት ኣናምብራ ኢከንጋ ቶቹኩ ሓቢሩ ኣሎ።