እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤፍቢኣይ 'ኣብ ጉዳይ ሩስያን ትራምፕን' ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ ተነቒፉ
ጸብጻብ መርመራ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ኣብ መንጐ ሩስያን ጎስጓስ ትራምፕ 2016 ነይሩ ዝበሃል ርክብ፡ ኤፍቢኣይ ኣብቲ ጉዳይ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ ብትሪ ተነቒፉ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ጆን ዱርሃም ኣብ 306 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፡ መርመራ እቲ ትካል "ትንተናዊ ጽንዓት" ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ወሲኹ፡ ኤፍቢኣይ መርመራ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ መንጐ ጐስጓስ ዶናልድ ትራምፕን ሩስያን ምትሕብባር ዝሕብር "ጭቡጥ መርትዖ" ከምዘይነበሮ ደምዲሙ።
ኤፍቢኣይ ነቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቐሱ ጉዳያት ከምዝተመልከተ ይገልጽ።
ዱርሃም፡ ኤፍቢኣይ "ዘይተተንተነን ዘይተረጋገጸን ስለያዊ ጸብጻብ" ከምዘቕረበ ኣብቲ ጸብጻብ ከሲሱ።
ካብቶም ዝፈጸሞም ጌጋታት መርመራ፡ ተደጋጋሚ "ናይ ምርግጋጽ ወገናውነት" ይርከብዎም።
እቲ ጸብጻብ ምስ ካልኦት ተሃዋሲ ክዀኑ ዝኽእሉ መርመራታት - ከም ኣብ 2016 ኣብ መረጻ መወዳድርቱ ሂላሪ ክሊንተን ዝምልከት - ክነጻጸር እንከሎ፡ ኤፍቢኣይ ንመርመራ ትራምፕ ኣብ ዝሓዞ ኣገባብ ርኡይ ፍልልይ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ዱርሃም ከምዝብሎ፡ ኤፍቢኣይ ንሂላሪ ክሊንተንን ካልኦትን "ነቶም ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ግጉይ ንጥፈታት ዒላማ ክግበሩ ዝኽእሉ" ኣካላት "ምክልኻላዊ መግለጺታት" ሂቡ እዩ። ትራምፕ ግን ኣይተወሃበን።
"ሚኒስትሪ ፍትሒን ኤፍቢኣይን ነቲ ኣገዳሲ ተልእኾኦም ንሕጊ ጽኑዕ ተኣማኒ ክኸውን ኣይገበሩን" ክብል እቲ ጸብጻብ ደምዲሙ።
ኤፍቢኣይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ድሮ ዓሰርተታት መአረምታ ስጉምትታት” ከም ዘተገበረ ገሊጹ።
"እቶም መኣረምታ ኣብ 2016 እንተዝግበሩ ነይሮም፡ እቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተለለዩ ጌጋታት ምክልኻል ይከኣል ነይሩ" ይብል እቲ መግለጺ ወሲኹ።
ፍሉይ ጠበቓ ጆን ዱርሃም ኣብ 2019 ብናይ ሽዑ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ዊልያም ባር እዩ ተመዚዙ።
እቲ ብፍሉይ ኣማኻሪ ሮበርት ሙለር ዝተኻየደ ምርመራ ኤፍቢኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጎስጓስ ትራምፕን ተሓባበርቱን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ገበናዊ ክስታት ክቐርቡ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
እንተዀነ ግን ጎስጓስ ትራምፕን ሩስያን ብሓባር ውዲት ፈጢሮም ኣብቲ መረጻ ጽልዋ ከምዘሕድሩ መረጋገጺ ኣይረኸበን።
ትራምፕ፡ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝብል ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ጸብጻብ ዱርሃም "ህዝቢ ኣመሪካ ከምዝተታለለ" ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
ንሱ፡ መደምደምታ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ፡ ብኤፍቢኣይ ምሉእ መርመራ ክካየድ ዘኽእል እኹል መርትዖ ከምዘይተረኽበ ሓቢሩ። ትራምፕ ኣባላት "ዲፕ ስቴት" ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዒላማ ይገብርዎ ከምዘለዉ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክዛረብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትራምፕ፡ ጸብጻብ ዱርሃም "ናይ ብሓቂ ሕማቕ፡ እኩይ፡ ዘይሕጋውን ዘይቅዋማዊን" ንጥፈታት መርትዖ ከቕርብን "ኣብ ሃገርና ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብልሽውና ከቃልዕን'ዩ" ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ጸብጻብ ዱርሃም ክንድቲ ገለ መሻርኽቲ ትራምፕ ተስፋ ዝገበሩሉ ውጽኢት ኣየቃልዐን።
እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ መርመራ፡ ሰለስተ ክስታት ኣስዒቡ ኣሎ። ካብዚኦም ሓደ፡ ንሓደ በዓል ስልጣን ጐስጓስ ትራምፕ ነበር ንምጽንጻን ፍቓድ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን መርትዖታት ብምቕያሩ ገበነኛ ምዃኑ ዝተኣመነ ጠበቓ ኤፍቢኣይ ይርከብዎም።
ካልኦት ክልተ ሰባት ንኤፍቢኣይ ብምሕሳው ተኸሲሶም ነጻ ኰይኖም።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ሂላሪ ክሊንተንን ካልኦት ሓያሎ ዲሞክራትን ሰበስልጣን መንግስትን፡ ብዛዕባ ምስ ሩስያ ርክብ ነይርዎ ዝበሃሉ ጎስጓሱ ወረታት ብምዝርጋሕ፡ ኣብ 2016 ንዝገበሮ ፕረዚደንታዊ ውድድር ንምድኻም ውዲት ከም ዝነበሮም ንምኽሳስ ገለ ጥርዓናት ናይቲ ጸብጻብ ጠቒሱ ነይሩ።
ሓደ ዳኛ ኣብ ጥሪ ነቲ ክሲ ተራ ኣሉ ምዃኑ ብምንጻግ፡ ትራምፕ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ኣዚዙ።
ዱርሃምን መርመራኡን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገራዊ ሚድያ ዝጠፍኡ ኣርእስታት ክዀኑ ተኽእሎ የለን።
እቲ ጸብጻብ ንህዝቢ ክዝርጋሕ ምዃኑ ዝገልጽ ዜና ምስ ተሰምዐ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣቦ መንበር ኮሚተ ዳንነት ባይቶ ጂም ጆርዳን፡ ነቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣመሪካ ነበር ደዊሉ ብዛዕባ ስርሑ ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ክምስክር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።