ትራምፕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ ዝርኣዩ ነገራት

ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ2016 ንናይ ወሲብ ፊልም ተዋሳኢት ስቶርም ዳኒልስ 130,000 ዶላር ከፊሉ ብዝብል ክሲ ማእሰርቲ ይጽበዮ ኣሎ።

ብሓሙስ 6 መጋቢት 2023 ዓ.ም ኣብ ኒው ዮርል ዝተኻየደ ዓቢ መጋባእያ፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ክሲ ክምስረት ምውሳኑ ይዝከር።

እዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ገበናዊ ክሲ ክቐርብ ናይ መጀመርታ ክኸውን እዩ።

እቲ ቀንዲ ክስታት እንታይ ምዃኑ ገና ኣይተገልጸን፤ ይኹን እምበር ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝለዓሉ ገለ ኣገደስቲ ሕቶታት ኣለዉ።

ትራምፕ ብምንታይ ይኽሰስ?

ብ2016 ስምይቲ ተዋሳኢት ፊልም ስቶርሚ ዳኒኤል ነቲ ብ2006 ምስ ዶናልድ ትራምፕ ነይሩኒ ዝበለቶ ዝምድና ንማዕከናት ዜና ክትህቦም ትዘራረብ ከም ዘላ ዝሰምዑ ጠበቓታት ዶናልድ ትራምፕ ኣፋ ንኽትዓጹ 130 ሽሕ ዶላር ከፊሎምዋ።

ከምኡ ምግባር ዘይሕጋዊ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር ዶናልድ ትራምፕ ንጠበቕኡ ሚካኤል ኮሀን እቲ ክፍሊት ንሕጋዊ ጉዳይ ከም ዝወጽአ ኣምሲሉ ከቕርቦ ስለ ዝፈተነ እዩ እቲ ገበን።

ዓቀብቲ ሕጊ እቲ ትራምፕ ዝገበሮ ምትላል መዛግብቲ ንግዲ ኣብ ኒውዮርክ ከም ገበን ከም ዝረአ ይገልጹ።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ትራምፕ መረጽቲ ምስታ ተዋሳኢት ዝነበሮ ርክብ ንከይፈልጡ ንምሕባእ ዝፈጸሞ ክፍሊት ንሕጊ ምርጫ ዘፍርስን ዝጥሕስን እዩ ዝብል ክሲ ክምስርቱ ከም ዝኽእሉ ድማ ይሕብሩ።

ናይ ሓሶት መዛግብቲ ብምድላው ገበን ምሽፋን ገበን ስለ ዝዀነ ድማ ዝያዳ ከቢድ ክሲ ይገብሮ።

እቶም ነቲ ክሲ ዝጣበቑ ሰባት እውን እንተዀኑ፡ እቲ ጉዳይ ብዝዀነ ይኹን መልክዑ ንጹር ከም ዘይኰነ እዮም ዝኣምኑ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ክሲ መሰረት ዝኸውን ብዙሕ ነገር ከም ዘየለ፡ ኣብ ፋይናንሳዊ ወፍሪ ይኹን ናይ ውልቀ ወጻኢ ንዘሎ ዶብ ሓሊፍካ ንፖለቲከኛታት ንምኽሳስ ዝተኻየደ ፈተነታት ኩሉ ፈሺሉ እዩ።

ዓቃቢት ሕጊ ከተማ ኒውዮርክ ነበር ካትሪን ክርስትያን ፡ "እቲ ጉዳይ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢላ።

ትራምፕ ስለምንታይ እዩ ተኸሲሱ ?

ንምምስራት እቲ ክሲ ዝምልከት ብዓቃቢ ሕጊ ከተማ ኒውዮርክ ኣልቪን ብራግ እዩ ዝውስን።

ክሲ ንምምስራት እኹል መርትዖ ኣሎ’ዶ ዝብል ዝምርምር መጋብኣያ ካብ ሕብረተሰብ ዝተወጻጽኡ ዳያኑ ኣቚሙ ኣሎ፤ እቲ ድምጺ ውሳነ መዓዝ ከም ዝወሃብ ዝፈልጥ ክኣ ንሱ ጥራይ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ፡ እቲ መጋባእያ እቲ ክሲ ክቐርብ ክውስን እንከሎ፡ እቲ ክስታት እንታይ ምዃኑ ግን ኣይተፈልጠን።

ዓቃቢ ሕጊ ኣልቪን ብራግ ንትራምፕን ጠበቓታቱን፡ መዓስን ኣበይን ኣብ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ከም ዝቐርብን ፍርዱ ከም ዝሰምዕን ኣብ ዝርርብ ኣለው።

ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ትራምፕ ሰሉስ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብ ገሊጹ ኣሎ።

ዳኛ፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበሉ ወግዓዊ ክስታት ክሳብ ዘንብቦ እቲ ሰነድ ንህዝቢ ወግዓዊ ኣይክኸውንን።

ኤፍ.ቢ.ኣይን ኣኽበርቲ ሕጊ ኒውዮርክን ከምኡ'ውን ሚስጥራዊ ኣገልግሎት ኣሜሪካ ነቲ ስነ-ስርዓት ጸጥታ የወሃህዱ ኣለው።

ኣሰር ኣጻብዕቲ ትራምፕ ክውሰድ ድዩ?

ቤት ፍርዲ ምናልባት ትራምፕ ኣብ ክንዲ በቲ ሚድያታት ዝተኣከብሉ ቦታ ግልስ ዝበለ መእተዊ ቤት ፍርዲ ክግበረሉ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ክሰማማዕ ይኸውን።

ይኹን'ምበር ዶናልድ ትራምፕ ናብቲ ቤት ፍርዲ ምስ ኣተወ ልክዕ ከም ካልኦት ተኸሰስቲ ኣሰር ኣጻብዕቱ ክውሰድን ስእሊ ክስኣልን እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘለዎ "ሚራንዳ" መሰል ክንበብ እዩ።

(ኣብ ኣሜሪካ መሰላት ሚራንዳ፡ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ንዝርከቡ ጥርጡራት ገበነኛታት (ወይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝግበር መርመራ) ስቕታ ናይ ምባል መሰል ከም ዘለዎምን ንጠበቓ ገንዘብ ክኸፍል ዘይክእል እንተዀይኑ መንግስቲ ጠበቓ ከም ዘቑመሉ፡ ነቲ ዝተነበ መሰላት ብዝርደኦ ቋንቋ ክግለጸሉ ከምዝ ኽእል፡ ዘረደእ መባእታዊ መሰል እዩ)።

ዋላ’ኳ ጠበቓታት ዶናልድ ትራምፕ ዓሚሎም አእዳው ንከይእሰር ክምጉቱ እንተፈተኑ ዝዀነ ብኸቢድ ገበን ዝተኸሰ ሰብ ግን ንግዝኡ አእዳዉ ብካቴና ይእሰር እዩ። ኣብ ምሉኡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከኣ ብኣካላት ጸጥታ ይዕጀብ።

ድሕሪኡ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ክሳብ ዝቐርብ ኣብ ሓደ ፍሉይ መጽንሒ ቦታ ክጸንሕ እዩ።

እቲ ተኸሳሲ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪቡ ክሱ ናብ ህዝቢ ከቕርብ ካብ ዝጀመረሉ ህሞት ከኣ እቲ መጋባእያ ንህዝቢ ክፉት ክኸውን’ዩ ።

ነቲ ጕዳይ ዝርኢ ዳኛ ምስ ተመርጸ፡ እቲ ጕዳይ ዝረኣየሉ ግዜ ናይ ተኸሳሲ ናይ ጉዕዞን መገሻን ቀይድን ገደብን ናይ ዋሕስ ቅጥዕታት ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ክስዕቡ እዮም።

ሓሓሊፉ ክሲ ምትላል ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ጥራይ ክውዳእ ይኽእል እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ እንተዀይኑ ዋላ እኳ ገሊኦም ክኢላታት ሕጊ፡ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ዝሓሸ መዋጽኦ ክኸውን ከም ዝኽእል እንተተነበዩ ማእሰርቲ ኣርባዕተ ዓመት ክብየነሉ ይኽእል እዩ።

ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ይኽእል ድዩ?

እቲ ገበን ክሲ ንትራምፕ ካብ ናይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሓሳባቱ ክገትኦ ኣይኽእልን።

ንሱ እውን ዝመጽአ እንተመጽአ መደባቱ ካብ ምቕጻል ድሕር ከም ዘይብል ኣአንፊቱ ኣሎ።

ዋላ እውን ብገበን ዝተኸሰ ሕጹይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ እውን ጎስጓስ መረጻ ከካይድ ዝዓግቶን ዝኽልክሎን ሕጊ የሎን።

ይኹን እምበር ማእሰርቲ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ፕሬዝዳንታዊ ወፍሪ ዝገበሮ ዘመተ ክሓላልኾ ይኽእል።

ዋላ’ኳ ንገሊኦም ኣድመጽቲ ሪፐብሊካን ኣብቲ ተወዓዊዑ ዘሎ ጉዳይ ከም ዝተኣኻኸቡን ከም ዝተሓቛቚፉን ክገብሮም ዝኽእል እንተዀነ፡ ንሓደ ሕጹይ ኣብ ምርጫ ውድድር ኣብ ጎደናታት ንኣድመጽቲ ፌርማታቱ ክህብን ኣብ ናይ ክትዕ ባይታ ንክሳተፍን ዓቢ ዕንቅፋት ክዀኖ ይኽእል እዩ ።

ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣመሪካ እውን እንተዀነ፡ ብዝያዳ ክዕምብብ ይኽእል ነይሩ እዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣመሪካ ድሮ ዝዀነ ስምዒት ፈጢሩ ኣሎ።

ዓቃባውያን ፖለቲከኛታት፡ ትራምፕ ብዝተፈልየ ናይ ፍትሒ ስርዓት ይተሓዝ ኣሎ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ።

እቶም ሊበራል ግን ነዚ ጕዳይ እዚ እቶም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም እውን ከይተረፈ ብሕጊ ተሓተትቲ ናይ ምግባር መስርሕ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ።