'ፈጣሪ፡ ጠበንጃን ትራምፕን'፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ትራምፕ ዘስምዕዎ ጭርሖ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ድራር ካቴና ክኸውን እዩ ተባሂሉ ዝተፈርሐሉ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቱ ዘካየድዎ ሰልፊ ተረኺቡ።

ኣብ ዋኮ ቴክሳስ ኣብ ግንባር ብዙሓት ኣሸሓት ደገፍቱ ዝተረኽበ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተጀመረ መርመራ ነጺግዎ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ መርመራ ጾታዊ ርክብ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንተዋሳኢት ፊልም ስቶርሚ ዳኒኤልስ፡ ብዛዕባኡ ሓበሬታ ንኸይትገልጽ መዕበሲ ኣፍ ሂብዋ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ።

“ዝምርምሩኒ ዘለዉ ገበን ስለ ዝፈጸምኩ ኣይኮነን። ዝኾነ በደል ኣይገበርኩን። ወይ ዝሙት ኣይፈጸምኩን" ክብል ብዛዕባ እታ ተዋሳኢት ተዋዝዩ።

"ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣነ እቲ ለዋህ ሰብ እየ" ዝበለ ዶናልድ፡ እቶም መርመርቲ ድማ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይረኸብሉ ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትራምፕ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ብዝፍለጥ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እንተድኣ ተኣሲሩ፡ ኣብ ኣመሪካ "ሞትን ጥፍኣትን" ከም ዝስዕብ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ናይ ሕዚ ሰልፊ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ካብ ምትሕልላፍ ተቖጢቡ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዙርያ መዓርፎ ነፈርቲ ክምገቡ፣ ክሰትዩን ክተዓዳደጉን ተራእዮም።

እዚ ድማ እቲ ምትእኽኻብ፡ ካብ ጎስጓስ መረጻ ንላዕሊ ህዝባዊ ጽምብል ኮይኑ ተሰሚዕዎም።

ብዙሓት 'ፈጣሪ፡ ጠበንጃን ትራምፕን' ወይ 'ትራምፕ ይዕወት' ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ቲሸርት ተኸዲኖም እዮም ወጺኦም።

ደገፍቱ ምምፃእ ትራምፕ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነይሮም።

ሙዚቃ ፍራንክ ሲናትራን ቦን ጆቪን እናስተማቐሩ፡ መደረ ገለ የማናይ ኢድ ትራምፕ ዝኰኑ ፖለቲከኛታት እናሰምዑ ጸኒሖም።

ኣባላት ኮንግረስ ማት ጋትዝን ማርጆሪ ተይለር ግሪንን፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ከነኣእስዎ ጸኒሖም እዮም።

መብዛሕትኦም እቶም ፖለቲከኛታት ንኣኽባር ሕጊ ዞባ ኒውዮርክ ኣልቪን ብራግ ብዝገበሮ መደረ ነቒፎሞ።

ሓለፍቲ ጎስጓስ ትራምፕ ፡ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽበ ብዝሒ ህዝቢ ኣስታት 15 ሽሕ ከምዝነበረ ገሊጾም።

ካብታ ንእሽቶ ከተማ ሚድሎቲያን ዝመጸት ደቢ ሃርቪ፡ "ኣሉታዊ ነገር ክሰምዕ ኣይደልን እየ። ጸሎተይ ትራምፕ ከይእሰር'ዩ። ፈጣሪ ክሳዕ ሕጂ ጸሎት ይሰምዕ ኣሎ” ኢላ።

ኖቪን ንትራምፕ ዝውድስ ቲሸርት ዝለበሰ ዓርኩ ሪቻርድ ተርነርን ንፈለማ እዋን ኣብ ጎስጓስ ዶናልድ ትራምፕ ተረኺቦም።

ካልኦት ሕጹያት ሪፓብሊካን ኣብ 2024 ይወዳደሩ እኳ እንተሃለዉ፡ እቶም ደገፍቲ ትራምፕ ግን ምርጫኦም ትራምፕ ምዃኑ ይዛረቡ።

"ስራሕ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ኣርእዩና እዩ" ይብል ታርነር፡ ነቲ ቐንዲ ተነሓናሒ ትራምፕ ኮይኑ ዝመጽአ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቲስ ንምትንካፍ።

ሚድያታት ኣሜሪካን ነቐፍቲ ዶናልድ ትራምፕን፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ንምንታይ ኣብ ዋኮ ሰልፊ ከካይድ ከምዝደለየ ኣብ ሕቶ የእትዉ ኣለዉ።

ቅድሚ ሰላሳ ዓመት እዛ ከተማ ኣባላት ብራንች ዴቪዲያ ዝተብሃለ እምነት፡ ምስ ሰበስልጣን ፌደራልን ክልልን ኣብ ዝተጋጨዉሉ እዋን ናይ 86 ሰባት ህይወት ስኢና ነይራ።

እታ ከተማ ንወከልቲ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ንክልል መንግስታዊ ውክልና የብላን።

እቲ ብሃንቀውታ ዝተጸበዩዎ ትራምፕ፡ በታ "ትራምፕ ፎርስ ዋን" እተብሃለት ሓዳሽ ነፋሪት ክመጽእ ምስተራእየ፡ ብጣቕዒትን ጓይላን ደገፍቱ ተሰንዩ ወሪዱ።

እቲ ፕረዚደንት እንተተመርጹ ንሃገሩ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ምዃኑ ቃል እኳ እንተኣተወ፡ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ጎስጓሱ ግን እቲ መርመራ ኮይኑ ተረኺቡ።